banner

ጊዜና ዝጠልቦ ተልእኾ!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጊዜና ዝጠልቦ ተልእኾ!

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ወንጌለ መንግሥትን ድኅነተ ዓለምን ክሰብኩ ዝመረጸ ንቕዱሳን ሓዋርያት እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያት ድማ ኣብቲ ጐይታ ዝወዓሎ እናወዓሉ፣ ኣብ ዝኃደሮ እናኃደሩ ማዕደ ሕይወት ቃሉ ሠለስተ ዓመትን መንፈቕን ተመገቡ። ጐይታ ኸኣ ኣብ ርእሲ ልቦና፡ ምሳሌ፣ ኣብ ርእሲ ምሳሌ ድማ ትርጓሜ እናነገሮም ብቝዓት ዝገብሮም ትምህርትን ምሥጢርን ገለጸሎም። (ማቴ 5፡13-16፣ ማቴ 13፡11፣ ሉቃ 22፡39)

ብድኅር’ዚ ‘ሑሩ ወመሃሩ’ ብምባል ነታ መቐረት ዘይብላ ዓለም ጨው ኮይኖም ከመቅሩ፣ ብርሃን ኮይኖም ከብርሁ ጸጋኡ ሂቡ ሥልጣነ ክህነት ሠይሙ ለኣኾም። (ማቴ 28፡19-20፣ ግብ. ሐዋ. 2፡1-4)

ተውሳክ፡ . . .ጊዜና ዝጠልቦ ተልእኾ!

እንቋዕ ናብ በዓለ ጥምቀት ኣብጽሓና!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እንቋዕ ናብ በዓለ ጥምቀት ኣብጽሓና!

“ ወያሠጥሞን ውስተ ቀላየ ባሕር ለአበሳነ /ንኣበሳና ናብ ማዕሙቝ ቀላይ ከሥጥሞ እዩ። ” ሚክ. 7፡19

ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ ኮይኑ ተወልደ። ኣካላዊ ቃል ምስ ሥጋ ተዋሓደ፤ ቅድምና ዘይነበሮ ሥጋ ቀዳማዊ ኣምላኽ ተባህለ፤ ብጐይትነት ዘይፍለጥ ሥጋ ብጐይትነት ተፈልጠ፡ እቲ ዘይርአ መለኮት ብሥጋ ተጋህደ። ኣምላኽ’የ ኢሉ ንዕለቱ ኣይዓበየን፡ እንታይ ደኣ ሕጊ ጠባያውን ሕጊ መጽሓፋውን እናፈጸመ በብንእሽቶ ዓበየ። እቲ ዘመን ዘይቍጸረሉ ኣምላኽ በቲ ዝለበሶ ሥጋ ዘመን ተቘጺርሉ 30 ዓመት ምስ መልኦ ብኢድ ዮሓንስ ንኽጥመቕ ናብ ማየ ዮርዳኖስ ወረደ፡፡ ነዚ ኽገልጹ ከለዉ ሊቃውንት ‘ወረደ ወልድ እምሰማያት ውስተ ምጥማቃት/ ወልድ ካብ ሰማያት ናብ ቦታ መጥመቂ ወረደ ’ እናበሉ የዝይሙ። (ዋዜማ ዘጥምቀት)

ተውሳክ፡ . . .እንቋዕ ናብ በዓለ ጥምቀት ኣብጽሓና!

ቃለ ቡራኬ በዓለ ልደት 2010 ዓ.ም.ግ.

ቃለ ቡራኬ በዓለ ልደት 2010 ዓ.ም.ግ.

ናይ በዓለ ልደት 2010 ዓ.ም. (2018 ዓ.ም.ፈ.) ንቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ወኪሎም ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ዘመኃላለፍዎ ቃለ ቡራኬ ብሓፂሩ ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም፦
“ ኦ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሃገር እትርከብ ሕዝቢ ኤርትራ፡ ብምኽንያት ሕማም ኣብ ሆስፒታላት ዘለኹም፡ ኣብ ሓለዋ ሃገር ትርከቡ ኃይልታት ምክልኻል፡ ብሓፈሻ ኵልኹም ሥድራ እግዚኣብሔር እንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብጽሓና!

ተውሳክ፡ . . . ቃለ ቡራኬ በዓለ ልደት 2010 ዓ.ም.ግ.

እንሆ ንዅሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓቢይ ሓጐስ አበሥረኩም ኣሎኹ እሞ ኣይትፍርሁ!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እንሆ ንዅሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓቢይ ሓጐስ አበሥረኩም ኣሎኹ እሞ ኣይትፍርሁ!

ጊዜኡ ምስ በጽሐ መፍቀሬ ሰብ ጐይታ፡ ንደቂ ሰባት ሰላምን ሓጐስን ንኽህብ ኣብ ቤተ ልሔም ተወልደ። “ኪወርድ እዩ ኪውለድ እዩ ኬድኅነና እዩ” እናተባህለ ዝንገር ዝነበረ ትንቢተ ነቢያት ተፈጸመ። ኣብ ምድሪ ሰላም ተኣወጀ። ግብርናተ ዲያብሎስ ተደምሰሰ፣ ዘመነ ኵነኔ ዓመተ ፍዳ ኣብቂዑ ዓመተ ምሕረት ተኣወጀ። መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ዜጥፍእ፡ በረኸት ሥጋን ነፍስን ዝዕድል ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደ፡ ብቅዱሳን መላእኽት ንደቂ ሰብ ብሥራት ሰላም ተነግረ።ብመጀመርታ ነቲ ብሥራት ክሰምዑ ዝበቕዑ’ውን ጓሶት ነበሩ። እቲ ዓቢይ ብሥራት ከኣ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ብኸምዚ ተገሊጹ ንረኽቦ፥ “ኣብቲ ሃገር እቲ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝኃደሩ ጓሶት ነበሩ። መልኣኽ እግዚአብሔር ድማ ተራእዮም። ክብሪ እግዚአብሔር ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ። ኣዝዮም ከኣ ፈርሁ። እቲ መልኣኽ ድማ ‘እንሆ ንዅሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓቢይ ሓጐስ አበሥረኩም ኣሎኹ’ሞ ኣይትፍርሁ። ምኽንያቱ ሎሚ መድኃኒ ክርስቶስ ጐይታ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ኣሎ። . . . ’ በሎም።

ተውሳክ፡ . . .እንሆ ንዅሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓቢይ ሓጐስ አበሥረኩም ኣሎኹ እሞ ኣይትፍርሁ!

ናይ መወዳእታ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ተሓጋጋዛይ ዲን ኮሌጅ ኣባ ሲላስ

ናይ መወዳእታ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ተሓጋጋዛይ ዲን ኮሌጅ ኣባ ሲላስ

ልሳነ ተዋሕዶ፦ ጉዳይ መጻሕፍቲ’ከ?

ኣባ ሲላስ፦ ብተመሳሳሊ’ው ምስቲ ሥርዓተ ትምህርቲ ዝኸዱ መጻሕፍቲ ካብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ካብ ወጻኢ ሃገራት ናይ ምእካብ መደባትን ብቍዕ መወከሲ ዘለዎ ቤተ መጻሕፍቲ ናይ ምቋም መደብን ክስርሓሉ ጸኒሑ እዩ። ጐኒ ጐኒ ከኣ ኤሌክትሮኒካዊ ወይውን ዲጂታል ቤተ መጻሕፍት’ውን ንምምስራት ጻዕሪ ክካየድ ጸኒሑ እዩ። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ሃገረ ስብከታት ሕቡራት መንግሥታት ኣሜርካን ካናዳን ከምኡ’ውን ኤውሮጳ ነዚ ዕዮ ዘሳልጥ ኮሚቴ ብምቋም ክሰርሓ ጸኒሐን እተን ኮሚቴታት ከኣ ምስ ካልኦት ሊቃውንት ናይዚ ዓውዲ ዝኾኑ ኣኃት ኦርየንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ብምርካብን ብምልዛብን ኣገደስቲ መጻሕፍቲ ብምልላይን ክልእኻ ጸኒሐን እየን።

ተውሳክ፡ . . .ናይ መወዳእታ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ተሓጋጋዛይ ዲን ኮሌጅ ኣባ ሲላስ

ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ተሓጋጋዛይ ዲን ኮሌጅ ኣባ ሲላስ

ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ተሓጋጋዛይ ዲን ኮሌጅ ኣባ ሲላስ

ልሳን ተዋሕዶ፦ ሥርዓተ ትምህርቲ እዚ ኮሌጅ ከመይ ይመስል?

ኣባ ሲላስ፦ ሥርዓተ ትምህርቲ እዚ ኮሌጅ ምስ ዕላማን ራእይን ቤተ ክርስቲያን ተሳንዩ ዝኸይድ እዩ። እዚ ኮሌጅ’ዚ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ፣ ንተሞክሮ ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ብዙኅ ንዝሰጐሙ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ግምት ዘእተወ ይኹን እምበር ምስ ውሽጣዊ ዓቕሙን ቤተ ክርስቲያናዊ መንነቱን፣ ንዕላማን መደባትን ቤተ ክርስቲያን መሠረት ብምግባር እዩ ተሃንጺጹ። ኣብቲ ዕላምኡ፣ ተልእኾኡ፣ ራእዩ፣ ኣተኵሮታቱን ሸቶታቱን ኣቐምጢዎም ንዘሎም መደባት ንምዕዋት ናቱ ዝኾነ ሥርዓተ ትምህርቲ እዩ ኣዳልዩ። ብሓፈሻ ናይ ቀረባን ነዊን መደባቱ ገጻት ብገጻት ኣብ ዝተኸፋፈለ ስልታዊ ውጥን (strategic plan) ዝቕየድ ኮይኑ ኣብዚ ቀዳማይ ገጹ 4ተ መርሓ ግብርታቱ ኣተኣታትዩ ክሰርሓሉ እዩ። ኣብዚ ቀዳማይ ዓመት ብዲግሪን (ሓሙሽተ ዓመት) ዲፕሎማን (ሠለስተ ዓመት) መርሓ ግብርታት መደባቱ እኳ እንተፈለመ፣ ካብ ዝመጽእ ዓመት ድማ ናይ ሰርተፊኬትን (ሓደ ዓመት) ሓጸርቲ ሥልጠና ካህናትን (3 ወርሒ) ክጅምር እዩ። ነፍስ ወከፍ መርሓ ግብር ነናቱ ረብሓን ሸቶን ኣለዎ።

ተውሳክ፡ . . .ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ተሓጋጋዛይ ዲን ኮሌጅ ኣባ ሲላስ

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195