
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
“እምግብጽ ጸዋዕክዎ ለወልድየ/ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ” ሆሴ. 11፡1
ነዚ ቃል ትንቢት እዚ ኣቐዲሙ ዝተዛረበ፡ ሓደ ካብ ደቂቀ ነቢያት ብዝኾነ ብነቢይ ሆሴዕ እዩ። እዚ ቃል’ዚ ዘረድኦ ድማ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝተወልደሉ ቤተ ልሔም ናብ ምድረ ግብፂ ከም ዝተሰደ እዩ።
ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናንን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብድንግልና ተፀኒሱ ኣብ ቤተልሔም ምስ ተወልደ፡ ካብ ርሑቕ ምሥራቕ ዝመጹ ሰብኣ ሰገል፡ “ እቲ ዝተወልደ ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧” እናበሉ ኽሰግድሉን ሥርዓተ ኣምልኾ ኽፍጽምሉን መጽኡ። ነዚ ዜና’ዚ ዝሰምዐ በቲ ጊዜ’ቲ ንጉሥ ዝነበረ ሄሮድስ፡ እቲ ዝተወልደ ሕፃን ንሥልጣኑ ዘኅድግ ምድራዊ ንጉሥ መሲልዎ፡ ነቲ ዝተወልደ ንጉሥ ኣይሁድ ክርስቶስ ንምቕታል ናብቲ ዝተወልደሉ ምድረ ይሁዳ ቤተ ልሔም ሠራዊቱ ኣኽቲቱ፡ ክልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዝነበሩ 144,000 ሕፃናት ኣቕተለ።
ከም ኣተሓሳስባ ሄሮድስ፡ እቲ ዝተወልደ ንጉሥ ኣይሁድ ክርስቶስ ካብ መንጐ እቶም ዝተቐትሉ ሕፃናት ከይሃለወ ኣይተርፍን’ዩ ብምባል ነበረ።
እንተኾነ ግና ቅድሚ’ዚ ኵነታት’ዚ፡ መልኣኸ እግዚአብሔር ንዮሴፍ ብለይቲ ተገሊጹ፡ “ናይ ገሊላ ንጉሥ ሄሮድስ ነዚ ሕፃን ኪቐትሎ ይደልዮ ስለ ዘሎ ነዚ ሕፃንን ነዲኡን ኂዝካ ናብ ምድረ ግብጺ ህደም፡ ተመለስ ኢለ ክሳዕ ዝነግረካ ድማ ኣብኡ ጽናሕ” በሎ። ሕፃን ኢየሱስ ክርስቶስን ኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ምስ ቅዱስ ዮሴፍን ቅድስት ሰሎሜን ብዙኅ ፀዋትወ መከራን ግፍዕን እናኣኅለፉ ናብ ግብጺ ተሰዱ።
ንጉሥ ሄሮድስ ሠራዊቱ እናለኣኸ እኳ ክሳብ ኣብ ምድረ ግብጺ ኣብ ስቱር ቦታ ዝኣትዉ እንተ ሰዓቦም ነቲ ሕፃን ክቐትሎ ኣይከኣለን።
ድኅሪ ናይዚ ቅትለተ ሕፃናት ድኅሪ ሠለስተ ዓመትን መንፈቕን፡ ንጉሥ ሄሮድስ ብናዕቢ ሕዝቢ ሰላሙ እናተዘርገ፡ ቅሳነትን ጥዕናን ስኢኑ ብሕማም ቍስሊ እናተሳቐየ ጸኒሑ ሞተ።
ሄሮድስ ምስ ሰዓብቱ ምስ ሞተ ኣብ ግብጺ መልኣኽ እግዚአብሔር ንዮሴፍ ተገሊጹ፦ “ እቶም ነዚ ሕፃን’ዚ ኪቐትልዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ሞይቶም እዮም እሞ ነዚ ሕፃንን ነዲኡን ኂዝካ ናብ ምድረ እስራኤል ኪድ” በሎ። ንሱ ድማ ተንሢኡ ነቲ ሕፃንን ነዲኡን ኂዙ ናብ እስራኤል ኣተወ። ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣርኬላኦስ ኣብ ይሁዳ ከምዝነገሠ ምስ ሰምዐ፡ ንሱ’ውን ናይ ኣቦኡ ክፉእ ጠባይ ኂዙ ከይጻረሮ ብምፍራሕ ናብኡ ምኻድ ፈርሐ። መልኣኽ እግዚአብሔር ምስ ተገልጸሉ ግና ናብ ገሊላ ከደ እሞ ናብ ቤተልሔም ከይኣተወ ናብ ናዝሬት መጺኡ ተቐመጠ። (ማቴ. 2፡13-23)
በዚ ኸኣ “ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ” ዝብል ትንቢት ተፈጸመ። ሆሴ. 11፡1
ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናንን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝጠመዩ መግቢ፡ ንዝጸምኡ መስተ፡ ንዝኃዘኑ ዘጸናንዕ ምንጪ ሓጐስ መድኃኔ ዓለም እንከሎ፡፡ ኣብዛ ዓለም 33 ዓመትን 3ተ ወርኂን ኣብ ዝገበረሉ ጊዜ፡ ንሰባት ዝበጽሖ ኵሉ ፀዋተወ መከራ ተሰዲዱ፡ ጠሚዩ፡ ጸሚኡ፡ ኃዚኑ፡ ተሳቕዩ . . .ተቐቢሉ እዩ። ስለዚ “ኦ ጐይታ ሥራሕካ ዕፁብ ድንቂ እዩ፡ ንዅሉ ብጥበብ ገበርካ” እናበልና ንኣምላኽና ከነመስግን ይግባእ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!