banner

ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድኅነት ደቂ ሰብ ክብል፡ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ ሰብ ኮይኑ ኣብ ምድሪ ዝመጸሉ እቲ ቐዳማይ ናብ ዓለም ምምጽኡ እዩ። እዚ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተወሊዱ፡ ተጠሚቑ፡ ምሂሩ፡ ተሰቒሉ፡ ሞይቱ፡ ተንሢኡ፡ ዓሪጉ ብሓፈሻ ኣብዚ ምድሪ በኵነተ ሥጋ ዝተገልጸሉ ቀዳማይ ናይ መጀመርታ ምጽኣቱ እዩ። ቀዳማይ ምጽኣቱ ተፈጺሙ እዩ።

እቲ ብድኅሪ ሕጂ ዚኸውን እንጽበዮ ግና ዳግማይ ምጽኣቱ እዩ። ዳግማይ ምጽኣቱ ካብቲ ቐዳማይ ፍሉይ ዝገብሮ ንፍርዲ ዝመጽእ ምዃኑ እዩ። ኅልፈተ ዓለም ዝኾነሉ እዩ። 1ይ ተሰ. 4፡15

ኣብቲ ቀዳማይ ምጽኣቱ ባዕሉ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣቱ ነጊርና እዩ። ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 25 ከምኡ’ውን ምዕራፍ 26 ነንብብ። “ወልደ እጓለ እመ ሕያው ክርስቶስ ንኵሎም መላእኽቱ ኣኸቲሉ ብኽብሪ ኣብ ዝመጸሉ ጊዜ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ክቕመጥ እዩ። ኵላቶም ሕዝብታት ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኺእከቡ እዮም። ኣመጻጽኣኡ በክበበ ትስብእት ስለዝኾነ ከምቲ ጓሳ፡ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ዝፈሊ ከምኡ ኸኣ ንሱ በብወገኖም ክፈላልዮም እዩ። ንጻድቃንን ኃጥኣንን ክፈላሊ እዩ። ነቶም ጻድቃን ብየማኑ ኣቒሙ ‘ ኣቱም በረከተ ነፍስ ዘለኩም ናይ ኣቦይ ቡሩኻት ነቲ ዓለም ከይተፈጥረ ከሎ ብጣዕሚ ብመዓዛ ብብርሃን ዝተዳለወልኩም መንግሥተ ሰማያት ንኽትወርሱ ንዑ ናባይ’ ይብሎም እሞ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ይኸዱ። ነቶም ኃጥኣን ግና ብጸጋሙ ኣቒሙ ‘ ኣቱም መርገመ ነፍስ ዘለኩም ርጉማት ነቲ ንሰይጣንን ሠራዊቱን ዝተዳለወ ዘይኃልፍ ስቓይ ንኽትወርሱ ኪዱ ካባይ ርሓቑ’ ኢሉ ይሰጎም እሞ ናብ ዘይኃልፍ ስቓይ ይኸዱ።

እዛ ኵሎም ደቂ ሰባት ፍርዶም ተቐቢሎም ‘ንዑ ኀቤየ ፣ ሑሩ እምኔየ’ ዝበሃሉላ፣ ኅልፈተ ዓለም፡ ዳግም ምጽአተ ክርስቶስ ዝኾነላ ዕለት ክንደይ ተፍርሕ!!! ሚ መጠን ግርምት ዛቲ ዕለት ወዕፅብት ዛቲ ሰዓት/ እዛ ዕለት እዚኣ ክንደይ ተፍርህ እያ! እዛ ሰዓት እዚኣ ክንደይ እተስደምም እያ!

እምበኣርከስ ሓረስታይ ዘይዘርኦ ክዓጽዶ ከም ዘይክኣል፡ ንሕና ደቂ ሰብ’ውን ኣብዚ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ምጽኣት፡ ንፍርዲ ኣብ ንቐርበሉ ጊዜ ዘይዘራእናዮ ክንዓጽድ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ማለት ድማ ሠናይ ዝዘርአ ሠናይ ክሓፍስ ከሎ፡ እከይ ዝዘርአ ኸኣ እከይ ክዓጽድ እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ሥጋ ዝለበሰ ፍጡር፡ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ዝጽበዮ ኸኣ እዚ እዩ።

ዳግማይ ምጽኣት፡ ነቶም ኣብ ሃይማኖቶም ጸኒዖም ብምግባረ ሠናይን ትሩፋትን ዝተመላለሱ ትንሣኤ ክብርን ዓወትን ክኾነሎም ከሎ፡ ብኣንጻሩ ነቶም ካብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ርሒቖም ሃይማኖትን ምግባረ ሠናይን ዘይነበሮም ግና ናብ ዘለዓለማዊ መቕጻዕቲ ዝወስድ ፍርዲ ክኸውን እዩ።

ስለዚ ንሕና ድማ ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ብምግባረ ሠናይ ተጊህና፡ ብጸሎት ነቒሕና ከምተን ኃሙሽተ ለባማት ደናግል ተዳሊና ኽንጸንሕ ኣዴና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ትምህረና ኣላ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195