banner

“ልሕቀ በበሕቅ / በብንእሽቶ ዓበየ”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ልሕቀ በበሕቅ / በብንእሽቶ ዓበየ”

ባዕሉ እግዚአብሔር ዝሃቦ ተስፋን፡ ነቢያት ዝተነበይዎ ትንቢትን ንምፍጻም፡ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ቤተ ልሔም ተወልደ። እቲ ዘመን ዘይቍጸረሉ ኣምላኽ በቲ ዝለበሶ ሥጋ ዘመን እናተቘጽረሉ፣ ሕጊ ጠባያኣውን ሕጊ መጽሓፋውን ፈጸመ።

‘ሕጊ ጠባያኣዊ’፥ ማለት ‘ኣምላኽ እየ’ ኢሉ ብሓንሳእ ናይ ዕብየት ተግባር ኣይፈጸመን። ብህልውና መንፈስ ቅዱስን ጠባይኣዊ ጥበብ ተመሊኡን በርትዓተ መለያልየ (ብኣካል፡ ብቑመት) ብብንእሽቶ ዓበየ። ምዕባይ ማለት ብኣካለ ሥጋ እዩ፣ እዚ ድማ ከም ቀዳማዊ ኣዳም እዩ/ ልህቃንሰ በአካል ዘሥጋ . . . ዝኒ ከመ አዳም ቀዳማዊ/ ” ከምዝብል (ኤራቅሊስ ሃይ. አበው 48፡37)። ከምኡ’ውን “ልሕቀ በበሕቅ እንዘ ይትኤዘዝ ለአዝማዲሁ እንተ ይእቲ እሙ/ ንኣደኡ እናተኣዘዘ በብንእሽቶ ዓበየ።” ከምዝብል።

ሕጊ መጽሓፋዊ ድማ ሕጊ ኦሪት ምፍጻም እዩ። ሠራዔ ሕግ፡ ሓጋጌ ብሉይን ሓዲስን ጐይታ ‘ፈጻሜ ሕግ’ ኮነ። ብዘይካ በይና ኃጢኣት፥ ናይ ሰብ ሥራሕ ኵሉ ፈጸመ። ካብ ዝውለድ ኣብ መበል ሻሙናይ መዓልቲ ኣብ ቤተ ግዝረት ከደ። (ዘሌ. 12፡1-8 ፣ ሉቃ. 2፡21) ኣብ መበል 40 መዓልቲ ድማ ናብ ቤተ መቅደስ ኣተወ። (ሉቃ. 2፡22-27) ከምኡ’ውን ኣብ ዓመት ሠለስተ ጊዜ በዓል ንምኽባር ናብ ኢየሩሳሌም ከደ። (ሉቃ. 2፡42)

 

ኣብ ቤተልሔም ዝተወልደ ጐይታ፡ ንሥልጣኑ ዘኅድግ ምድራዊ ንጉሥ መሲልዎ ንጉሥ ሄሮድስ፡ ካብ መንጐኦም ከይሃለወ ኣይተርፍን’ዩ ብምባል ክልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዝነበሩ 144,000 ሕፃናት ኣቕተለ።

ጐይታ ድማ ምስ ኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ቅድስት ሰሎሜን ብዙኅ ፀዋትወ መከራን ግፍዕን እናኣኅለፈ ናብ ግብጺ ተሰዲዱ፡ ድኅሪ ሠለስተ ዓመትን መንፈቕን ናብ ናዝሬት ተመልሰ። (ማቴ. 2፡13-23፣ ተአምረ ማርያም)

 

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኃሙሽተ ዓመት ሕፃን እንከሎ፡ ብጭቃ ጠፍጢፉ ዓሠርተው ኽልተ ኣዕዋፍ ገበረ። ብድኅር’ዚ ‘ኡፍ’ ኢሉ ሕያዋን ገይሩ ኣብረሮም። (ተኣምረ ኢየሱስ)

“ወአመ ኮኖ ፍጹመ ሎቱ ዐሠርቱ ወክልኤቱ ክረምቱ ዐርጉ ለበዓል ኢየሩሳሌም/ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ 12 ዓመት ምስ ኮኖ በዓል ከኽብር ምስ ኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ። በዓሎም ኣኽቢሮም ምስ ፈጸሙ መልክዑ ንምርኣይ ኵሉ ሰብ ይቀዳደመሉ ስለ ዝነበረ፡ ምስቶም ኣቐዲሞም ዝኃለፉ ኣብ መንገዲ ዘሎ መሲልዎም ምትራፉ ከይፈለጡ ኣደኡ ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ናብ ናዝሬት ተመልሱ። ጐይታ ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ተሪፉ ነበረ። ምስ በጽሑ ንዕለቱ ኣብ ኣዝማድን ኣብ ዝፈልጥዎን እንተደለይዎ እኳ ኣይረኸብዎን። ምስ ሰኣንዎ እናደለይዎ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ። ብድኅር’ዚ ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልቲ ኣብ ማእከል ሊቃውንት ተቐሚጡ ረኸብዎ። ነቶም ሊቃውንት ይሰምዖምን ይሓቶምን ይምልሰሎምን ነበረ። በቲ ጥበብ ዝመልኦ ሕቶኡን መልሱን ኵሎም እቶም ዝሰምዑ እምብዛ ተደነቑ። ከመይ! ሕፃን ኣብ ማእከል ሊቃውንት ተቐሚጡ ክምልስ ስለ ዘሰንብድ እዩ። ብድኅር’ዚ ምስ ኣደኡ ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ናብ ናዝሬት ከደ። ይእዘዞም ከኣ ነበረ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ከም ሕፃናት ምስ ሕፃናት ፊደል ዕብራውያን ተማሂሩ እዩ። “ወተምህረ ሕገ ዕብራውያን” ከምዝብል ኣባ ሕርያቆስ። (ቅዳሴ ማርያም ቍ. 97)

ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ንጐይታ ናብ ቤት ትምህርቲ ወሲዳ ንመምህር መሃሮ ኢላ ሃበቶ። እቲ መምህር ‘አሌፍ በል’ በሎ፣ ጐይታ ድማ ‘አሌፍ’ በለ። ደጊሙ እቲ መምህር ‘ቤት በል’ ምስ በሎ፣ ጐይታ ኸኣ “ ናይ አሌፍ ትርጕም እኳ ዘይነገርካኒ፡ አሌፍ እንታይ ማለት እዩ፧” ክብል ሓተቶ። እቲ መምህር እናተደነቐ “ሕፃንሲ ዝነገርዎ ይቕበል እምበር ዘይነገርዎ’ዶ የሓትት’ዩ፧” ብምባል ኣምላኽነቱ ተረዲኡ ‘ኣነ ነዚ ምስትምሃር ኣይከኣለንን እዩ” ኢሉ መለሶ።

ደጊማ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ካልእ መምህር ወሰደቶ። ንሱ ድማ ጸሓፊ ነበረ’ሞ ብምኽንያት ሥራሕ ናብ ቤቱ ኣትዩ ከሎ ነቲ ቀይሕን ጸሊምን ቀለም ሓዋዊስሉ ጸንሖ። እቲ መምህር በዚ ተበሳጭዩ “ዝንቱ ወልደ መበለት አማሰነ ቀለምየ/ ቀለመይ ሓዋዊሱ ኣባላሺለይ” ኢሉ ገጹ ጸፍዖ። ጐይታ ግና “ፍለየለይ ከኣ ትብለኒ እምበር ስለምንታይ ትጸፍዓኒ፧” ምስ በሎ ‘ካብ ቅድሙ ዳኅራዩ ይገድድ’ ብምባል ገሠፆ። ድኅር’ዚ ጐይታ ነቲ ቀይሕን ጸሊምን ቀለም ፈላልዩ ሃቦ። በዚ ኸኣ እቲ መምህር ኣምላኽነቱ ተረድአ።

ነዚ ኵሉ ግና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ኣብ ልባ ትዕቅቦ ነበረት። (ሉቃ. 2፡19)

እንሆ ድማ ብኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እትምሕፀን ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፥ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ፅንሰቱ ክሳዕ ሠላሳ ዓመቱ ዘሎ ዕድሚኡ ዝፈጸሞ ሕጊ ጠባያኣውን ሕጊ መጽሓፋውን ከምኡ’ውን ዝገበሮ ተኣምራትን ኣብ ቅዱስ ወንጌል፡ ተኣምረ ኢየሱስ፡ ተአምረ ማርያም. . . ካልኦት ቅዱሳት መጻሕፍት ብዝርዝር ገሊጻትልና ኣላ። 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195