banner

ክርስትና ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና

 

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኵሉ ምእመን ብእምነትን ሥነ ምግባርን ጸኒዑ ንኺነብርን ሕይወቱ ብመንፈሳዊ መንገዲ ንኸመላልስን መዓልታዊ ትሰብኽ። መንፈሳዊ ሕይወት ማለት ብሃይማኖትን ሥነ ምግባርን ጸኒዕካ ካብ ኃጢኣት ምርሓቕ፡ ፍኖተ ቅዱሳን ምስዓብን ብእግዚኣብሔር እሙን ምዃንን እዩ።
እንተኾነ ግና፡ ሰብ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ጸኒዑ ንኸይነብር፡ በረኸት ሥጋን በረኸት ነፍስን ካብ ፈጣሪኡ ንኸይረክብ ዝተፈላለዩ ፈተናታት የጋጥምዎ እዮም።
ንሕና ከም ክርስቲያን፡ ኣሰር ናይቶም ንዝገጥሞም ዝነበረ መከራ ዘይኮነስ ነቲ ብድኅሪኡ ዘሎ ኣኽሊል ሕይወት እናጠመቱ ብጽንዓት ነዚ ዓለም ስዒሮም ዝኃለፉ ቅዱሳን ንስዕብ ብምዃንና፡ ብዙኅ ጊዜ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና መሰናኽላት የጋጥመና እዩ። እዚ ዅሉ ግና ንውርደት ዘይኮነስ ንኽብሪ፡ ንሞት ዘይኮነ’ውን ንሕይወት ምዃኑ ክንርዳእ ኣሎና።

እምበኣር ካብዚ ብምቕጻል ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና ዘጋጥሙና ፈተናታትን መፍትሒኦምን ሓደ ብሓደ ኽንርኢ ኢና፦

፩. ብገዛእ ርእስኻ ዝመጽእ ሽግር

ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ብገዛእ ርእስኻ ዝፍጠሩ ሽግራት መንቀሊኦም “ባዕልና ንፈልጥ ኢና፡ ሕፃናት ኣይኮንናን፡ ዘእትወናን ዘውፅኣናን ንፈልጥ ኢና፡ ምኽሪ ዓበይቲ ኣቦታትን ኣደታትን ኣየድልየናን እዩ፡ ብሓፈሻ ብዛዕባይ እንታይ ገደሰኩም” ምባል እዩ። ኣብ ገዛና ናይ ሥድራና ፡ ኣብ ቤት ትምህርትና ናይ መምህራንና፡ ኣብ ሥራሕና ናይ ኣማኸርትና፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያና ድማ ምኽሪ ካህናት ምስማዕ ንኣቢ። ኣብ ዓይንና ዘሎ በሰር ስለዘይንርእይ ነቶም ዝመኽሩና ከምዝበደሉና ንኵንን እሞ በዚ እቲ ንነብሮ መንፈሳዊ ሕይወት ስማዊ ይኸውን።
ንኣብነት ፦ “ካብ ትምህርትኻ ምብኳር ኣይተብዝኅ” ዝብለና ሰብ ጸላኢና ንገብሮ። ኣብ ሥራሕ’ውን “ሰዓታት ሥራሕ ኣኽብር፡ ኣብ ሥራሕካ ዕቱብ ኩን” ክንበሃል ከሎና ይጽልኣና፡ ባህ’ውን ኣይብለናን። እቲ ኣዝዩ ዘኅዝን ድማ “ንገንዘብካ ብከንቱ ኣይተጥፍኣዮ፡ ምዝንጋዕ ኣይተብዝኅ፡ ካብ መን ሓሚቐ ብዝብል ከንቱ ኣበሃህላ ምስ ካልኦት ኣይትቀዳደም፡ ከም ዓቕምኻ ንበር” ንዝብለና ሰብ ከም ዘይረብሕ ምቝጻር እዩ። ንኸምዚ ዓይነት ሰብ ድማ “ተቛያቝ፡ ናግራም፡ ለፍላፊ” እናበልና ዝተፈላለየ ስም ንህቦ። ብሓፈሻ ንኣና ሓልዮም ዝመኽሩና ዓበይቲ ሰባት ንምኽሮም ብጽቡቕ ኣይንቕበልን። ጥበበኛ ሰሎሞን “ካብ ደርፊ ዓያሹ ምስማዕሲ መግናሕቲ ጥበበኛታት ምስማዕ ይኃይሽ።” ክብል ንዝመሃረና ዘንጊዕና ካብ ተግሣፅ ብምርሓቕ ዘይሠራሕናዮ ሠሪሕኩም እናተበሃልና ክንውደስ ንደሊ። (መክ. ፯፥፭/7፥5)

እቲ ተማሃራይ መርመራ ምኅላፍ ስኢኑ ክተርፍ፡ እቲ ሠራሕተኛ ካብ ሥራሕ ኪስጎግን ብዘይ ሥራሕ ኪንከራተትን፡ ነጋዳይ’ውን ኪኸስር ከሎ እቲ መረረ ናብ እግዚኣብሔር ይኸውን። እዚ ሥጋዊ ውድቀት ንመንፈሳዊ ወድቀት የቃልዓና። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ መንፈሳዊ ማለት “እግዚኣብሔር ይፈልጥ” እናበልካ ብስንፍና ናብዝን ናብትን እናበልካ ዝንበር ስለዝመስለና እዩ። ኣብ መወዳእታ’ውን ባዕልና ብዘምጻእናዮ ሽግር ተዓንቂፍና ካብ ምውዳቕ ኃሊፍና ንኻልኦት ዕንቅፋት ንኸውን።

ንኣብነት፦ “ኣነ እፈልጥ” ምባል መወዳእታኡ ጽቡቕ ከምዘይኮነ ካብ ታሪኽ ናይቲ ጥፉእ ወዲ ንምሃር። (ሉቃ. ፲፭፥፲፩-፲፯/15፥11-17) ስለዚ ሓደ መንፈሳዊ ሰብ ንርእሱ ካብ ካልኦት ዝኃሸ ገይሩ ብምቝጻር ብትዕቢት ምጕዓዝ ገዲፉ “እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዝመስሎ ከይወድቕ ይጠንቀቕ።” (1ይ ቆሮ. ፲፥፲፪/10፥12) ዝብልን “ማንም ሰብ ዝፈልጥ እንተመሰሎ ኪፈልጥ ከም ዝግብኦ ገና ኣይፈለጠን ዘሎ ንእግዚኣብሔር እንተኣመነ ግና ንሱ ብእኡ ዝተፈልጠ እዩ” እናበለ ንዝመሃረናን ዘኪሩ ብትሕትና ኪጓዓዝ ይግብኦ። “ሃብታምን ፈላጥን እየ፡ ሓደ ዝደልዮ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካ ኅሱርን ዘደንግፅን ሃካይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ። ምእንቲ ክትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ ኅፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ከይቕላዕን ክትክደንን ከኣ ፃዕዳ ክዳውንቲ፡ ምእንቲ ክትርኢ ንኣዕይንትኻ ክትኰሓለሉ’ውን ኵሕሊ ካባይ ክትዕድግ እመኽረካ ኣሎኹ።’’ ይብለና (ራእ. ፫፥፲፯-፲፱/3፥17-19)። እዚ ማለት ኣንታ ካብ መንፈሳዊ ፍልጠትን ትምህርትን ተፈሊኻ ድኻን ምስኪንን ዝኾንካ፡ ሥጋውን መንፈሳውን ጥበብ ዘይተገለጸልካ ካብ ጸጋ እግዚኣብሔር ዝረሓቕካ ሰብ፦ ናይ ጸጋኡ መኅደሪ ኴንካ ክብሪ ኣብ ርእሲ ክብሪ ምእንቲ ኪውሰኸልካ ናብ ኣምላኽካ ተመለስ ማለት እዩ።

ካብ እንዋረደሉ እንኸብረሉን ልዕል እንብለሉን፡ ብሥጋውን መንፈሳውን ጥበብ እንዓብየሉ ተግሣጽ እግዚኣብሔርን ምኽሪ ሰባትን ክንቕበል ይግብኣና። “ምክር ሠናይት ለኵሉ ዘይገብራ/ ነቲ ዝገብራ ኵሉ ምኽሪ ሠናይ እያ” (መዝ. ፻፲፥፲/111፥10) ብምባል ንዝተነግረና ቃል እግዚኣብሔር ክንፍጽም ይግብኣና። (ምሳ. ፩፥፭/ 1፥5፣ ፫፥፲፩/ 3፥11 ፣ ፲፪፥፩/ 12፥1)

፪. ብዓርከ መሓዛ ዝመጽእ ሽግር

ዓርኪ፦ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ዓርኩ ንውድቀት ኮነ ንብርትዐ ወሳኒ እዩ። ምኽንያቱ ሰብ ንዓርኩ እዩ ዝመስል። ንፉዕ ዓርኪ ናብ መንገዲ ጽድቂ ይመርሕ። ካብቲ ዝተኣልከሉ ዓዘቕቲ ኃጢኣት ጐቲቱ ብምውጻእ ናብ ክብሪ ዘብቅዕ ንፉዕ ዓርኪ ኣሎ። ነዚ እዩ ኸኣ ኣብ መጽሐፈ መነኮሳት “በሊሕ መኻሪ ናይ ምድኃን ተስፋ ዘለዎ ቀጽሪ እዩ።” ከምኡ ውን “ምስ ብቑዓት ሰባት ምውዓል ዘይውዳእ ፈልፋሊ እዩ” ይብል። ብኣንጻሩ ድማ ክፉእ ዓርኪ ነቲ ኣብ ቤቱ፣ ምስ ወለዱ፣ ፈተውቱ፣ ኣኅዋቱ፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን መምህራንን ተሓኒፁ ዝነበረ ናይ ንእስነት ዕድመ ኣበላሽዩ ካብ ክብሪ ናብ ውርደት፤ ካብ ንጽሕና ናብ ርኽሰት፤ ካብ ጽድቂ ናብ ኵነኔ፤ ካብ ሕይወት ናብ ሞት ዝመርሕ፤ ዝጠቅም መሲሉ ዝጐድእ እዩ። ነዚ እዩ ድማ “ክፉእ መኻሪ መአከቢ ኵነኔ እዩ፡ እቲ ሕማቕ መኻሪ ንሰብ መንገዲ ዝመርሕ ዕዉር ይመስል።” ክብል መጽሓፍ ማር ይስሐቅ ይነግር። ስለዚ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ ኣጥፊኡ ኣገልገልቲ ኃጢኣት ከም እንኸውን ዝገብር እዩ። (1ይ ቆሮ. ፲፭፥፴፫/ 15፥33)
ቅዱስ ዳዊት “ምስቲ ኄርሲ ኄር፡ ምስቲ ቅኑዕ’ውን ቅኑዕ ኢኻ፡ ምስቲ ንጹሕሲ ንጹሕ፤ ምስቲ ጠዋይ ድማ ጠዋይ ኢኻ።” (መዝ. ፲፯፥፳፭/18፥25) ክብል ዝገለጾ፡ ሰብ ንመዋዕልቱ ስለዝመስል እዩ። ምስ ደራፊ እናወዓልካ ዘማሪ ፤ ምስ ስሱዕ እናወዓልካ ጸዋሚ፤ ምስ መላገጺ እናወዓልካ’ውን ቅውም ነገረኛ፡ ምስ በቃቕ እናወዓልካ ለጋስ፡ ምስ ሰራቒ እናወዓልካ መጽዋቲ፡ ምስ መናፍቕ እናወዓልካ’ውን ኣማኒ ምዃን ኣይከኣልን እዩ። ንጉሥ ሰሎሞን ኣብ ዝሙትን ኣምልኾ ጣዖትን ዘውደቖ ምስ ጓል ፈርዖን ምሕዝነት ምስ ገበረ እዩ። (2ይ ሳሙ. ፲፫፥፩/ 13፥1, መሳ. ፲፮፥፩/ 16፥1፡ 1ይ ነገ. ፲፩፥፩/ 11፥1) ምሕዝነት ሔዋንን ተመንን ኢዮናዳብን ኣምኖንን ሶምሶንን ደሊላን ጐድኦም እምበር ኣይጠቐሞምን።

ሎሚ’ውን እንተኾነ ንሕና ኣዕሩኽትና በዓል መን ምዃኖም ክንፈልጥ ይግብኣና እዩ። “ንጹም፡ ንጸሊ፡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ንኺድ፡ ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ ንሳተፍ፡ ንነሳሕ፡ ንቝረብ፡ ንመጽውት፡ ንቤተ ክርስይቲያን ነገልግል” ዝብለና ሰብ ከም ድኁርን ዘይፈልጥን ጌርና ብምቝጻር ዝጠቕመና ዘይንፈልጥ ውኁዳት ኣይኮንናን። ብኣንጻሩ ድማ ናብ ጓይላ፡ ናብ ቤት መስተ፡ ናብ ዝሙትን ናብ ካልእ ርኽሰትን ዝዕድሙና ሰባት ዝሠልጠኑን ዘመናውያንን ጌርና ንቘጽሮም ክርስቲያን መንፈሳውያን ኢና በሃልቲ ብዙኃት ኢና። እዚ ዅሉ ግና ጊጉይ መረዳእታ እዩ። ዘይድቅስ ጸላኢና ዲያብሎስ ዘዳለዎ ናይ ሞት መኣዲ ምዃኑ ፈሊጥና ናብ ሞት ከይንግስግስ ጥንቃቐ የድሊ። ዝተጻሕፈ ገዲፎም ዘይተጻሕፈ ካብ ዘንብቡ፤ ዝተሓገገ ገዲፎም ዘይተሓገገ፡ ዝተኣዘዘ ገዲፎም ዘይተኣዘዘ ካብ ዝሠርሑን ዘሥርሑን ኣዕሩኽ ምርሓቕ ከድልየና እዩ። “ካብቲ መንፈስ እግዚኣብሔር ዘይብሉ ዕላል ኣረገውቲ ኣንስቲ ዝመስል ተረት ርሓቕ። ንርእስኻ ግና ብመንፈሳዊ ሕይወት ክትነብር ተላመድ። ነፍስኻ ንሥጋዊ ነገር ምልማድ ንቝሩብ እዋን ጥራይ እዩ ዝጠቅም መንፈሳዊ ምልምማድ ግና ነዛ ሕጂ ዘላ ሕይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ተስፋ ስለዘለዎ ንዅሉ እዩ ዝጠቅም። እዚ ዅሉ ሰብ ኪቕበሎ ዝግባእ እሙን ቃል እዩ። በቲ ንዅሉ ሰብ፡ ምናዳ ንኣመንቲ ዘድኅን ሕያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና ኸኣ ንጽዕርን ንጋደልን ኣሎና።” (1ይጢሞ. ፬፥፯-፲/4፥7-10) ብምባል ቅዱሳን ሓዋርያት ከም ዝመሃሩና ምእንቲ ክርስቶስ ክንብል ዓያሹ መሲልና እንተ ተረኣና ባህ ክብለና እምበር ከኅፍረና ኣይግባእን እዩ። ካብ ጐደና ሕመቕ ወፂእና ክንብርትዕን ዝጀመርናዮ መንፈሳዊ ጕዕዞ ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ክንጽዕር እምበር ንድኅሪት ክንምለስ ኣይግብኣናን እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ዝጀመርካዮ ገዲፍካ ንድኅሪት ምምላስ ንእግዚኣብሔር ዘሐጕስ ኣይኮነን። (ዕብ. ፲፥፴፰/ 10፥38)

፫. ብሥድራ ዝመጽእ ሽግር

ወለዲ ኣብ ልዕሊ መንፈሳዊ ሕይወት ደቆም ዓቢይ ጸቕጥን ጽልዋን ይፈጥሩ እዮም። ብኸመይ እንተተባህለ “ወልድ ይገብር ግብረ አቡሁ/ ውሉድ ሥራሕ ኣቦኡ ይሠርሕ” ከም ዝበሃል ውሉድ ናይ ወለዶም ሃብትን ንብረትን ጥራሕ ዘይኮነስ ተግባሮም’ውን ይወርሱ እዮም። በዚ ድማ ካብ ዘይጸውም፡ ዘይጽሊ፡ ዘየቐድስ፡ ዘይቈርብ. . . ብሓፈሻኡ መንፈሳዊ ተግባር ካብ ዘይብሉ ቤተ ሰብ፡ ንፉዕ መንፈሳዊ ውላድ ምጽባይ ማለት ልክዕ ከምቲ ኣብ ከብቲ ዘይወዓላሉ ቦታ ኵቦ ክትኣሪ ከም ምሕሳብ እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ኣነ ነቲ ኣብ ኣቦይ ዝረኣኽዎ እዛረብ ኣሎኩ። ንስኻትኩም ከኣ ነቲ ኣብ ኣቦኹም ዝረኣኹምዎ ትገብሩ ኣለኹም” ብምባል ንኣይሁድ መሃሮም። (ዮሓ. ፰፥፴፰-፵/8፥38-40)። ስለዚ ካብ መንፈሳዊ ሕይወት ተፈልዮም ካብ ዘመንዝሩ፡ ካብ ዝሰኽሩ፡ ካብ ዘታልሉ፡ ካብ ዘጠፋፍኡ ንኽፉእ ነገር ቀዳሞት ኮይኖም ካብ ዝርከቡ ሥድራቤታት ዝርከብ ውሉድ ንእኦም ስለዝመስል መንፈሳዊ ሕይወት ዝበሃል የብሉን። ስለምንታይ እንተ ተባህለ ‘ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ስለ ዝዓጽድ እዩ’። (ገላ.፮፥፯/ 6፥7)

ብዛዕባ እዞም ናይ ወለዶም ክፉእ ጠባይ ወሪሶም ከም ወለዶም ብሕማቕ ጐደና ዝተጓዕዙ ሰባት መጽሐፍ ቅዱስና ኣስፍሕ ኣቢሉ ይነግረና እዩ። ኢዮሳፍጥ ወዲ ኣሳ ኣብ መበል 35 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ይሁዳ ነገሠ። ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ 25 ዓመት ገዝኣ። ንሱ ንዅሉ መንገዲ ኣቦኡ ሰዓበ። ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቅኑዕ ዝኾነ ተግባር ይፍጽም ነበረ። ነቲ በረኽቲ ግና ኣየርሓቕዎን፡ እቶም ሕዝብስ ገና ኣብ በረኽቲ ደኣ ይሥውዑን ይዓጥኑን ነበሩ (1ይ ነገ. ፳፪፥፵፩-፵፫/ 22፥41-43)። እዚ ሰብ እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሠናይ ተግባር ኪገብር እኳ እንተኸኣለ ካብ ኣቦኡ ንዝወረሶ ኣምልኾ ጣዖት ግና ኣይገደፎን። ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሓልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዝኸውን እዩ እሞ ሠናይ ነገር ምግባሩ ጥራይ ንሕይወት ኪኾኖ ኣይክእልን እዩ። (ያዕ. ፪፥፲/2 ፥10)። ብድኅሪ ንጉሥ ኢዮሳፍጥ፡ ወዲ ኣክኣብ ኣካዝያስ ምስ ነገሠ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክፉእ ገበረ፡ ብመንገዲ ኣቦኡን ኣደኡን ስለዝኸደ’ውን ንጣዖት በዓል ኣምለኸን ሰገደን። ከምቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ኵሉ ገይሩ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣቘጥዐ። (1ይነገ። ፳፪፥፶፩-፶፫/22 ፥51-53)

ብልጣሶር ዝተባህለ ወዲ ናቡከደነፆር ውን በቲ ኣቦኡ ዝኸደሉ መንገዲ ከምዝኸደ መጽሐፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይነግረና “ንጉሥ ብልጣሶር ንኣሽሓት መኳንንቱ ዓቢይ ግብጃ ገበረሎም . . . ብልጣሶር ወይኒ ሰትዩ ኣብ ዝሰኸረሉ እዋን ንሱን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቑባቱን ምእንቲ ክሰትዩ፡ ነቲ ኣቦኡ ናቡከደነፆር ካብ ቤት መቅደስ ኢየሩሳሌም ዝወሰዶ ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን ከምጽእዎ ኣዘዘ።” (ዳን. ፭፥፩-፪/5፥1-2) በዚ ኸኣ እቲ ኣቕሑ ቤት መቅደስ መብልዕን መስተይን ስለዝገበሮ በዚ እግዚኣብሔር ኃዘነ። ብድኅሪ እዚ ብልጣሶር ብሚዛን እግዚኣብሔር ተመዚኑ ቀሊሉ ከም ዝተረኽበን መንግሥቱ ድማ ተመቒላ ንኻልእ ከምዝተዋህበት፡ መወዳእታኡ’ውን ብመቕዘፍቲ ዕድሚኡ ከምዝሓፀረ ትንቢተ ዳንኤል ይነግረና። (ዳን. ፭፥፳፭/ 5፥25) እዚ ኵሉ ዝተጠቕሰ ኣብነታት ጸቕጢ ቤተ ሰብ ክሳብ ክንደይ ኣሸጋሪ ከም ዝኾነ የረድኣና።

ብኣንጻሩ ድማ ሕያዎት ቤተ ሰብ ንውላዶም መንገዲ ጽድቂ ዝመርሑ ኣለዉ። ብመሠረቱ ናይ ሓደ ክርስቲያን ሥድራ ቤቱ ወለዱን ኣዝማዱን ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ዋላ’ውን ብመንገዲ ሃይማኖት ብፍጹም ሓድነትን ምትሕልላይን ዝጓዓዙ ናይ መንግሥተ ሰማያት ተጓዓዝቲ ምእመናንን ምእመናትን ኵላቶም ውን ሥድራ ቤቱ እዮም። ነዚ እዩ ኸኣ ዮናታን ወዲ ሳኦል መንገዲ ኣቦኡ ባህ ስለ ዘየበሎ፡ ነቲ ኣቦኡ ዝሰጎ ዝነበረ ዳዊት ዓርኩ ዝገበሮ፡ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ከምዘፍቀሮ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። (1ይ ሳሙ. ፳፥፲፯/ 20፥7)

፬. ናይ ኣከባቢ ሽግር

እንነብረሉ ከባቢ ሠናይ እንተዘይኮይኑ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና ዓቢይ ተጽዕኖ ይፈጥር እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኣብርሃም “ኣብርሃም፡ ኣብርሃም ፃእ እምብሔርከ ወተፈለጥ እምአዝማዲከ/ ኣብርሃም ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝምድካን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ” (ዘፍ. ፲፪፥፩/ 12፥1) ብምባል ንካራን ገዲፉ ንኽወጽእን ናብ ከንኣን ክኸይድን ምእዛዙ፣ ንያዕቆብ ንሴማኤም ገዲፉ ናብ ቤትኤል ከም ዝኸይድ ምግባሩ (ዘፍ. ፴፭፥፩/ 35፥1)፣ እቲ ሕዝቢ ውን ንባብሎን ገዲፉ እግዚኣብሔር ናብ ዘርእዮ ከባቢ ንኽኸይድ “ካብ ባቢሎን ህድሙ፡ ነፍስ ወከፍ ሰብ ነፍሱ የድኅን።” (ኤር. ፶፩፥፮/ 51፥6) ኢሉ ምእዛዙ፡ እቲ ዝነበርዎ ኣካባቢ ንመንፈሳዊ ሕይወት ምሹእ ስለዘይነበረ እዩ። ጣዖት ዝምለኸሉ፡ ዝሙትን ርኽሰትን ዝፍጸመሉ፡ ንእግዚኣብሔር ክወሃቦ ዝግባእ ክብርን ኣምልኾን ንጣዖት ዝወሃበሉ ዝነበረ ከባቢ ስለዝኾነ እዩ ካብኡ ንክፍለዩ ዝተኣዘዙ። ጐይታና ውን ንደቀ መዛሙርቱ “ናብ ከተማ ሳምራውያን ኣይትእተዉ” ዝበሎም እቲ ከባቢ ተጽዕኖ ስለዝነበሮ እዩ። (ማቴ. ፲፥፭/ 10፥5)

ብሓፈሻ ዲና ጓል ያዕቆብ ካብ ክብሪ ዝተዋረደትሉ (ዘፍ. ፴፬፥፩/ 34፥1)፤ ሥድራ ያዕቆብ ኣጋይሽ ኣማልኽቲ ካብ ምምላኽ ኃሊፎም ናይ ጣዖታት ምስሊ ከም መመልክዒ ክሳብ ምንጥልጣል ዝበጽሑ (ዘፍ. ፴፭፥፪/ 35፥2)፤ እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብፂ ብብርቱዕ ኃይሊ ንዘውጽኦም እግዚኣብሔር ገዲፎም ኣብ በረኻ ሲና ናይ ወርቂ ምራኽ ክሳብ ምምላኽ ዝበጽሑ (ዘፀ. ፴፪፥፪/ 32፥2)፤ ምስ ደቂ ሞኣብ ኣመንዚሮም ንእግዚኣብሔር ብምቝጥዖም ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ክሳብ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ሕዝቢ ክቕዘፉ ዝኸኣሉ (ዘኁ. ፭፥፩-፱/5፥1-9)፤ ከምኡ’ውን ንዴማስ ናብ ተሰሎንቄ ዘኾብለሎ (2ይ ጢሞ. ፬፥፱/4፥9) ናይ ከባቢ ተጽዕኖ እዩ። ኣብ ከባቢና እንርእዮን እንሰምዖን ክፉእ ነገር ንመብዛኅትና ተጽዕኖ ስለዝገብረልና ከምቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተመሃርናዮ ክነብር ንጽገም። ብፍላይ ናይ ከባቢ ኵነታት ንሕይወት መንእሰያት ከዐሪ ኾነ ከበላሹ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ። ከመይ! ብዙኅ ጊዜ ሰብ ንዝነብረሉ ከባቢ ስለዝመስል እዩ።

ብኣንጻሩ፡ ሽሕኳ ዝነብርሉ ከባቢ ንመንፈሳዊ ሕይወት ዘይምሹእ እንተኾነ ንርእሶም ዝፈለዩ፡ ኣብ ኃጢኣት ዘይተጸንበሩ ከምዝነበሩ ቅዱሳት መጻሕፍቲ የረድኡና። ንኣብነት፦ ሎጥ እቶም ሕዝበ ሰዶምን ገሞራን ብልሳን ዓለም ክጭፍሩ እንከለዉ ንሱ ግን ምስኣቶም ኃቢሩ ዝጭፍር ዝነበረ ሰብ ኣይነበረን። ነዚ እዩ ድማ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ “ነቲ ብኣበሳኦምን ብርዅስ ንብረቶምን ዝሳቐ ዝነበረ ሎጥ ግና ኣድኃኖ። ማለት እቲ ጻድቕ ሎጥ ኣብ ማእከሎም ክነብር እንከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ በቲ ዝርእዮን ዝሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመፃኦም እቲ ጻድቕ ነፍሱ ትሳቐ ነበረት። እምበኣርከስ ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሔር ካብ ፈተና ከውጽኦም፡ ንገበርቲ ዓመፃ ግና እናቐጽዐ ንመዓልቲ ፍርዲ ክሕልዎም ይፈልጥ እዩ።” (2ይ ጴጥ. ፪፥፯-፲/2፥7-10) ብምባል ሎጥ ኣብ ናይ ኃጥኣን ሕማቕ ተግባር ከምዘይተሓባበረ፡ ብኣንጻሩ ግን ይኃዝንን ይትክዝን ከምዝነበረ ይነግረና። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብዝፈጠሮም ፍጥረታት ኣዝዩ ክሳብ ዝቝጣዕ፡ ሰብ ኃጢኣት ክሠርሕን ክፍኣት ከኣ ኣብ ምድሪ ክስስን ከሎ፡ ንጽድቂ ዝሰብኽ ዝነበረ ኣብ ማእከል ኃጥኣን ጻድቕ ኮይኑ ዝተረኽበ ኖኅ ውን ነይሩ እዩ። (ዘፍ. ፮፥፭-፯/ 6፥5-7)። ሎሚ ውን ሰባት ናብ ገደል ኃጢኣት እናጸደፉ ምስኦም ሓቢሩ ዘይጸድፍ እግዚኣብሔር ጸጋኡ ዘብዝኃሉ ብዙኅ ሰብ ኣሎ። “ክኸርም ዘይበሎ ኣድግስ፡ ዝብኢ ክንቁ እንተሰምዐ ምስኡ ሓቢሩ ይንቁ” ከም ዝበሃል ንኽብሪ ዘይኮነስ ንውርደት፡ ንጽድቂ ዘይኮነስ ንኵነኔ ፡ ካብ መን ንኢሰ እናበልካ ንኃጢኣት ሰባት ፈጺምካ ምብሃግ ከምኡ’ውን ሰባት ጉቦ ስለዝተቐበሉ ጉቦ ምቕባል፡ ስለዘታለሉ ምትላልን ሰባት ኣብ ርኽሰት ተግባር ስለዝተዋፈሩ ናይ ርኽሰት ሥራሕ ምሥራሕን ናብ ዘይውፃእ ጣዕሳ ኣእትዩ ክሳብ ሞት ዘብጽሕ እዩ። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ “ኃጢኣት ምኽንያት ረኺቡ ብትእዛዝ ኣስሓተኒ ብእኡ’ውን ቀተለኒ።” (ሮሜ. ፯፥፲፩/ 7፥11) ከምዝበሎ ንሞትና ምኽንያት ካብ ዝኸውን ኃጢኣት ርእስና ክንሕሉ ይግብኣና እዩ። እዞም ፈቃዳተ ሥጋ ንሰብነትና ዓውደ ኲናት ገይሮም ዝወግኡና እንተ ኾይኖም እቲ ሽግር ኣብዚ ጥራይ ዘብቅዕ ኣይኮነን። ኣብ ሥነ ምግባር ዝመጽእ ጕድለት ኣብ ሃይማኖት ውን ሕጸጽ የምጽእ እዩ። ብፍላይ ድማ ብጾም፡ ብጸሎትን ብስግደትን ዘይተጸምደ ሕይወት፡ ንሥጋዊ ፍትወታት ስለዝቃላዕ ብዙኅ ጥንቃቐ ምግባር የድሊ። ነዚ ውን ቅዱስ ጳውሎስ “ኣነስ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ሥጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም እብለኩም ኣሎኹ። ሥጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነ፡ መንፈስ ውን ነቲ ምስ ሥጋ ዚጻረር እዩ ዝምነ።” (ገላ. ፭፥፲፮/ 5፥16) ዝበለ እሞ ሥጋና ንነፍስና ጐዲኡ ካብ ሃይማኖትና ከየስሕተና ምጥንቃቕ ይግብኣና።

መደምደምታ
ኣቦታትና “ሽግር ምፍላጥ ፍርቂ ፍታሕ እዩ” ይብሉ። ሕሙም ነቲ ሕማሙ ብዝግባእ እንተ ደኣ ፈሊጥዎ፡ እቲ ዝፍወሶ መድኃነት ዓዲጉ ክጥቀም ይኽእል። ሽዑ ንሽዑ ውን ክሓዊ ይኽእል። ሕማሙ እንታይ ከምዝኾነ እንተ ዘይፈለጠ ግና ዝተኣዘዘሉ መድኃኒት ከሕውዮስ ይትረፍ ካልእ ሳዕቤን ከምጽኣሉ ይኽእል። ብተመሳሳሊ ሓደ መንፈሳዊ ሰብ ዘለዎ መንቀሊ ሽግርን ፈተናን ምፍላጡ ናይ መፍትሒኡ ስጕምቲ ንምውሳድ እቲ መጀመርታ ምዕራፍ እዩ። ሽግሩ ድኅሪ ምፍላጡ ድማ ናይ ሽግሩ መፍትሒ ካብ ዝተፈላለዩ መምህራንን ኣበ ነፍሱን ይረክብ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ርእሱ ክምርምርን ዝጐደሎ ነገር ክምልእን ይግባእ። ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ንኸይንዓቢ ዕንቅፋት ዝኾነና ነገር እንታይ እዩ፧ ብገዛእ ርእሰይ ዝፈጥሮ ሽግር ድዩ፧ ወይ ከኣ ኣብ ቤተ ሰበይ ሽግር ኣሎ፧ ኣከባቢየይ ከ ከመይ ኣሎ፧ ዝኣመሰሉን ካልኦትን ሕቶታት እናቕረበ ገዛእ ርእሱ ክሓትትን ክምርምርን ይግብኦ። “ኣብ እምነት እንተ ኣሊኹም ርእስኹም መርምሩ” ተባሂሉ እዩ። (2ይ ቆሮ. ፲፫፥፭/13፥5) ኣብ ራእይ ዮሓንስ ውን “እምበኣርሲ ካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪ ውን ግበሮ።” (ራእ. ፪፥፭/2፥5) ብምባል ዝተገልጸ ዘሎናዮ ሕይወት ክንምርምርን፡ ዝበደልናዮ ነገር እንተሎ ውን ብንስሓ ከነጽርዮን ኣቐዲምና ንሠርሖ ንዝነበርና ሠናይ ነገር ምሥራሕ ኣቋሪጽና እንተኔርና ድማ ናብቲ ሠናይ ሥራሕና ክንምለስ የድልየና። በዚ መሠረት “ብመንገዶም ንጹሓት ዝኾኑ፡ ብሕጊ እግዚኣብሔር ዝመላለሱ ብፁዓን እዮም።” (መዝ. ፩፥፪/1፥2) ከም ዝተባህለ ካብ ኃጢኣት ርሒቕና፡ ብሕጊ እግዚኣብሔር ብምምልላስ ንሕይወት ክንቅድሳን ካብ ሞት ክነድኅናን ይግብኣና። “ክፉእ መዓልታት ከይመጻ፡ ባህ ኣይበላንን እትብለሉ ዓመታት ከኣ ከይቀረበ ከሎ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።” (መክ. ፲፩፥፩/11፥1) እዩ እሞ ብፍለይ ሕጂ ጐይና ምቕዳም፡ ኂዝና ምጭባጥ ብእንኽእለሉ ጊዜ ንእስነትና ሠናይ ተግባራት ብምሥራሕ ሕይወትና ንመንግሥተ እግዚኣብሔር ነዳልዋ።

ነዚ ንምፍጻም ድማ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት፡ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት፡ ናይ ኵሎም ቅዱሳን ተራዳእነት ኣይፈለየና። ኣሜን!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195