banner

“አነ ውእቱ ኅብስተ ሕይወት/ ኣነ እንጌራ ሕይወት እየ።” (ዮሓ. 6፥39)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! 

ክብርን ምስጋናን ንእኡ ይኹን እሞ! ነዚ ቓል እዚ ዝተዛረበ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ምስ በላዕካዮ ንዘለዓለም ዘየጥሚ እንጌራ ሕይወት ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ገለጸ። ሕይወት ሰብ ዚምግብ፤ እንጌራ ሕይወት ዝህብን ማዕበል ፈተናታት ሥጋ፡ ዓለምን ዲያብሎስን ኣሳጊሩ ናብ ሕይወት መሪሑ ዘእቱ ኅብስተ ሕይወት እንጌራ: ንሱ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

ሰብ ብፍቓዱ ዝተፈጥረ ብዕድል ውን ዝተረኽበ ስለዘይኮነ፡ ወትሩ ናይ ፈጣሪኡ መጋቢነትን ሓለዋን ረድኤትን የድልዮ። ባዕሉ ጐይታ “ብዘይ ብኣይ ሓንቲ እኳ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ከምዝበለና (ዮሐ.15፥5) ሰብ ብዘይ ፈጣሪኡ ሕይወት የብሉን። በዚ ድማ እግዚአብሔር ንሰብ ካብ ዚፈጥሮ ኣትኂዙ ንቕጽበት ዓይኒ'ውን ዝኣክል ተፈልይዎ ኣይፈልጥን። “ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና” ከምዝበለ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ። (ግብ.ሓዋ.17፥26-28)

ንዅሉ ሥነ ፍጥረት ብውሕደትን ሥርዓትን ብዘይምርጻም ይምግብ። ሓዊ ንዓለም ከየንደደ፤ ወርኂ ምስ ከዋኽብቲ ከይተጋጨወ፤ ማይ ንምድሪ ከይደምሰሰ፤ እዋን ዘርእን ማእረርን፡ ክረምትን ሓጋይን፡ መዓልትን ለይትን ካብ ጊዜኡ ፍንትት ከይበለ፡ ሰዓቱን ዓመቱን ሓልዩ ዘመላልስ ሓደ መጋቢ ንሱ እግዚአብሔር እዩ።

በዚ ኸኣ ኣብ ጕዕዞ ሕይወት ወዲ ሰብ ድማ ካብቲ ካብ ኣርባዕተ ባህርያት ዝፈጠሮ ሥጋን፤ ካብታ እምኀበ አልቦ ኀበ ቦ (ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር) ዘምጽኣ ነፍስን ብመጋብነቱ ተፈልዩ ኣይፈልጥን።

1. ሥጋዊ መጋብነት
“ወይኒ ንልቢ ሰብ ኬሐጕሶ፡ ዘይቲ ንገጹ ኬብርሆ፡ እንጌራ ውን ንኃይሊ ሰብ ኬጽንዖስ፡ . . .” ከምዝብል (መዝ. 104፥14-15) እንጌራ: ንልቢ ሰብ ይድግፍ። እንጌራ ዘይበልዕ ግና መርከብ ሕይወት ልቡናኡ ዝተሰብረ እዩ። ስለዚ ንልቡና ደጊፉ ሕይወት ዚህብ መጋቢ ሓደ ንሱ እግዚአብሔር እዩ።
እግዚአብሔር ንሰብ ዘድልዮ“ምርኣዩ ዘብህግ፡ ምብላዑ ኸኣ ጥዑም ዝኾነ ኵሉ ዓይነት ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ንሰብ ከምዚ ዚስዕብ ኣዘዞ፡- ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ . . . ” ብምባል ኵሉ ኣዳለወሉ። (ዘፍ. 2፥8-16) ኣዳም ግና ንመጋብነት እግዚአብሔር ገዲፉ ዘይተኣዘዞ በልዐ። ብሰንኪ እዚ ድማ እንጌራ ብረሃጽ ገጹ ኪበልዕ እኳ እንተፈረዶ መጋቢነቱ ግና ኣየርኃቐሉን። (ዘፍ. 3፥19)።

ካብ ኣዳም ቀጺሎም ንዝመጽኡ ኣቦታት'ውን ብመጋብነቱ ኣይተፈልዮምን። ካብ ኣርእስተ ኣበው ሓደ ዝኾነ መሳልል ሰማይ ዝረኣየ፡ በረኸት ኣምላኽ ዝተቐበለ ያዕቆብ ኣብ መወዳእታ ሕይወቱ ንደቂ ደቁ ኣብ ዝባረኸሉ ጊዜ “እቲ ካብ ዚውለድ ጀሚሩ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዚጓስየኒ (ዝመገበኒ) ኣምላኽ ይባርኮም” በለ።(ዘፍ. 48፥15) ንመጋብነቱን ጕስነቱን ብምሉእ ዕድሜኡ ከምዝስዕቦ ዝፈለጠ ዘማሪ ዳዊት ድማ “እግዚአብሔር ጓሳይየይ እዩ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሻኻ የውዕለኒ፡ ናብ ዝዓርፈሉ ማይ ይመርሓኒ፡ ንሱ ሓድሽ ኃይሊ ይህበኒ . . .ፍቕርኻን ምሕረትካን ብዅሉ ዕድመይ ምሳይ ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ። ኣብ ቤትካ ኸኣ ንዘለዓለም ክነብር እየ።” ክብል ዘመረ። (መዝ. 123፥1)።

ሕዝበ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ኣብ ዝወፅኡሉ፡ መጋብነት ኣምላኽ ምስኦም ስለዝነበረ፡- ንሶም ኮነ ኣቦታቶም ዘይፈልጥዎ መና ኣብልዖም፤ ክዳኖም ከይበለየን እግሮም ከይሓበጠን ድማ እንጌራ ኣብ ዘይሰኣኖ ኣብ ፍርያም ምድሪ ኣእተዎም። (ዘዳ.8፥3-10)።
ብሓቂ ድማ እግዚአብሔር ንዝፈትዎ ሕዝቢ ብዘይመጋብነት ስለዘይኃድጎ ኸኣ እዩ “እንታይ ክንበልዕ∶እንታይ ክንሰቲ∶ እንታይ ክንክደን ኢና∶ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣሕዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ከም ዘድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግሥቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውስኸልኩም. . .” (ማቴ. 6፥31-32) ኢሉ ብኣምላኻዊ ቓሉ የተስፍወና። ንቕድም መንግሥቱን ጽድቁን እንተደለና ከምዝምግብና እሙን እዩ፤ ነቲ ዝተዛረቦ ከምዝፍጽሞ'ውን ዝተረጋገጸ እዩ።
ነቶም ኵሉ ኃዲጎም ዚሰዓብዎ ሓዋርያት (ማቴ. 11፥27) “ኣብ ሕሽኩልኩም ወርቂ ብሩር ኣይትማልኡ (ማቴ. 10፥9)” ንዝበሎም ቃሉ ፈጸመሎም እሞ ምስ ተመልሱ “ገለ'ዶ ጎዲልኩም ነይሩ” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ “ሓንቲ እኳ” በልዎ። (ሉቃ. 22፥35)

ነቶም ቃሉ ኪሰምዑን መጋብነቱ ደልዮምን ዚስዕብዎ ዝነበሩ ሕዝቢ ደንገፀሎም እሞ ኣበርኪቱ ብጸጋኡ መገቦም፥
* ብኃሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሣን ኣበርኪቱ፣ ኵሎም ብዘይ ቈልዐ ሰበይቲ 5,000 ዚኣኽሉ በሊዖም ጸገቡ። 12ተ መሶብ ተሪፉ'ውን ኣልዓሉ። (ማቴ. 14፥13)
* ብ7ተ እንጌራን ቍሩብ ዓሣን ኣበርኪቱ ብዘይ ቈልዐ ሰበይቲ 4,000 ሰብኣይ ኣብሊዑ ኣጽገቦም። 7ተ መሶብ ተሪፉ ውን ተለዓለ። (ማቴ.15፥33)
* “ነቲ ብዙኅ ዘውኅዶ፡ ነቲ ውኁድ ዘብዝኆ ኣነ እየ እሞ ዘለኩም ኣብ ኢድኩም ኂዝኩም ናብ ሰማይ ጠምቱ” ኢሉ ዝገበሮ ተኣምራት እዩ።

በዞም ዝተጠቕሱ ቓላትን በዚ ተኣምራትን ሎሚ ጸኒዕና ዶ ኣሎና∶
ብሰንኪ ናይ ትማልን ሎሚን መጋብነቱ ዘይምስትውዓል ንጽባሕ “እንታይ ክንበልዕ∶ እንታይ ክንሰቲ∶ እንታይ ክንክደን ኢና∶ ብዝብል ማዕበል ጭንቀት ተናዊጽና ከይንህሉ ርእስና ንመርምር!
እምበር ንሱስ “እምበኣርከስ ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ፤ ንመዓልቲ መከራኣ የኣኽላ እዩ።” ዝበለ ጐይታ፡- እቲ ምሳና ትማሊ ዝነበረ፡ ሎሚ ምሳና ዘሎ፡ ጽባሕ ድማ ምሳና ኪህሉ እዩ።

ጥርሑ ናብዚ ዓለም ዝመጽአ ባዶ ሕይወትና፥ ብጸጋኡን መጋብነቱን ኢድና፡ ጁባናን ከብድናን ዝመልኣልና ሰባት፦ ንውዕለቱ ብምስጋና እንዝክር ከ ክንደየኖት ኢና∶
ከም ሕዝበ እስራኤል በሊዖም ምስ ጸገቡ፡ ዘለዎም ኵሉ ምስ በርከተ፤ ጽቡቓት ኣባይቲ ሓኒፆም ምስ ተቐመጡ ብልቦም “ኃይልናን ጽንዓትናን ኢድናን እዚ ዅሉ ሃብቲ ደለበልና” እናበሉ ብወርቂ ምራኽ ሠሪሖም ዘምለኹን ዚዘመዉን፡ ሎሚ እዚ ዘኅዝን ጥልመት ኣብ ዘመንና ገዲዱ ምህላዉ ግሉጽ እዩ።(ዘዳ. 8፥11-19) እንሆ ድማ እግዚአብሔር “ኪዳነይ ስለ ዘፍረስኩም . . . እንጌራ ክኽልክለኩም ከሎኹ ዓሠርተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ እቶን ክስንክታ እየን። እንጌራኹም ድማ ብመቝነን ይወሃበኩም፡ በሊዕኩም ከኣ ኣይትጸግቡን ኢኹም” ። (ዘሌ. 26፥26) እግዚአብሔር ብእንጌራ እንክቐጽዕ ዝኸፍአ እዩ። ነዚ ዘስተውዓሉ ኣቦታት “ብእኽለ ማይ ኣይትቕጽዓና” ኢሎም ዚጽልይዎ ዓሚቝን ሰፊሕን መልእኽቲ ዘለዎ እዩ።

2. መንፈሳዊ (ነፍሳዊ) መጋብነት

“ኣነ እንጌራ ሕይወት እየ” ክብል እንከሎ ከምቲ ምግበ ሥጋ ዚህብ ንነፍሲ ሕይወት ዚህብ፡ ኃይልን ጽንዓትን ዚዕድል ንሱ ምዃኑ ዘረድእ እዩ። እዚ ነፍሳዊ መጋብነቱ ድማ ካብቲ ብዙኅ ብኽልተ ከጠቓልል ይከኣል፡-

2.1 መግቦተ ቃሉ
ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወፅእ ኵሉ ቃል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ። (ማቴ. 4፥4) እግዚአብሔር "ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኮነን፡ መንገድታትኩም መንገድታተይ ኣይኮነን” ከምዝበለ (ኢሳ. 55፥8) ሓሳባት ኣምላኽ ንፈልጠሉን ብመንገድታቱ ንምርሓሉን ብቓሉ እዩ። 

ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ጕዕዞ ወዲ ሰብ፡ ኣምላኽ ብዙኅ ሳዕን ብብዙኅ መንገድን ብቓሉ ዚምግብ ዘሎ። (ዕብ.1፥1)።
ሊቀ ነቢያት ሙሴ፡ ሕዝቡ ዝመርሓሉ፡ ዝመኃድረሉን ዝኣልየሉን ጥበብን ጸጋን ዝረኸበ ካብ ኣፍ እግዚአብሔር ብዝወፅእ ዝነበረ ዅሉ ቓል እዩ።
ንቓላት እግዚአብሔር ምስ ተመገበ ንኣፉ ካብ መዓር ብዝበልጽ እምብዛ ዝጠዐሞ ንነቢይ ሕዝቅኤል እዩ። ባዕሉ እንክዛረብ “ኣታ ወዲ ሰብ ነዛ ጥቕልልቲ ብራና ብልዓያ። ኬድካ ድማ ንሕዝቢ እስራኤል ተዛረቦም በለኒ፡ . . . ኣነ ኸኣ በላዕኽዎ ኣብ ኣፈይ ከኣ ከም መዓር ጠዓመኒ።” በለ። (ሕዝ.3፥1)።
ከምቲ ንሱ ንኽፉኣትን ሕያዎትን ፀሓይ ዘብርቕ፡ ንጻድቃንን ኃጥኣንን ድማ ዝናም ዘዝንም (ማቴ.5፥44-45) እዚ መግቦት ቃሉ ድማ ንጻድቕን ኀጥእን ንቃኤል (ዘፍ.4፥9)፤ ንበለዓም (ዘኊ.21፥22) ከምኡ ውን ንዓበይትን ሕፃናትን ንሳሙኤል (1ይ ሳሙ. 3፥4-14) ንዅሉ ብዘይ ኣፈላላይ እዩ።
እንተኾነ ግና ሎሚ ከምቲ ሃብታም መንእሰይ ነዚ መግቦት ቃሉ ኃዲግና ከይንህሉ ርእስና ንመርምር∶ (ማቴ. 19፥22)
መንበር ተዘርጊሑን መኣዲ ተሠሪዑን ቃል እግዚአብሔር ኅብስተ ሕይወት ብዝግባእን ኣብ ጊዜኡን ዘይምስታፍ ሳዕቤኑ ዝኸፍአ ምዃኑ እግዚአብሔር ከጠንቅቕ ከሎ፡ “ጥሜት ዝሰደለን መዓልትታት ኪመጽኣ እየን። እዚ ጥሜት እዚ ግና ንምስማዕ ቃል እግዚአብሔር እምበር ጥሜት እንጌራን ጽምኢማይን ኣይኮነን። ኣነ እግዚአብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ፥ ቃለይ ቃል እግዚአብሔር ኪሰምዑ ናብዝን ናብትን ኪብሉ እዮም። . . .ግና ኸ ካባይ ቃል ኣይኪሰምዑን እዮም። ብጽምኢ ኬሕለልዉ እዮም” ይብል። (ኣሞ.8፥11)።

 

 

2.2. መግቦተ ሥጋኡን ደሙን

እዚ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ሥጋ ወዲ ሰብ እንተዘይበላዕኩም ደሙ'ውን እንተዘይሰቲኹም ሕይወት ከም ዜብልኩም ብሓቂ ብሓቂ እብለኹም ኣሎኹ፡ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይ ውን ዚሰቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣላቶ። . . . ኣባይ ይነብር፡ ኣነ ውን ኣብኡ እነብር . . . ብኣይ ሕያው ኮይኑ ይነብር” ከምዝበሎ ንዘለዓለም ሕያዋን ዝገብር ኅብስተ ሕይወት ቅዱስ ሥጋኡ፤ ጽዋዕ መድኃኒት ድማ ክቡር ደሙ እዩ። (ዮሓ.6፥56)

፨ እምበኣር ተስፋ መግቦትና ንሱ እቲ እንጌራ ሕይወት እግዚአብሔር ኣምላኽና እዩ እሞ “እዚኣቶም ኵሎም ምግቦም በብጊዜኡ ኽትህቦምሲ፡ ንኣኻ ይጽበዩ ኣለዉ። ንስኻ ትህቦም፡ ይእክቡ ንስኻ ኢድካ ትዝርግሕ ብጸጋኻ ውን ይጸግቡ ኣለዉ።” ከምዝበለ (መዝ. 104፥27-28)፡ ብጸጋኡ መግቦተ ሥጋን ነፍስን ኪህበና ብጥቡእ ልብን ብስቑል ሕሊናን ከምቲ ዝመሃረና “ናይ ዕለት እንጌራና (ምግበ ሥጋ፡ ቃሉ፡ ንስሓን ቍርባንን) ሎሚ ሃበና. . .” (ማቴ. 6፥11) ኢልና ክንጽሊ ይግባእ።
                                    ብምሕረቱ ይቕረ ኢሉ ብጸጋኡ ኪምግበና ቅዱስ  ፍቓዱ ይኹነልና!

                                                                                                                                    ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195