banner

ትንሣኤ፡ ብርሃን ወሰላም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ትንሣኤ፡ ብርሃን ወሰላም

በዓለ ትንሣኤ፡ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሞትን ትንሣኤን እንሓስበሉ፡ ምእንታና ዝተቐበሎ መከራ መስቀል እንዝክረሉ፡ መንፈሳዊ ናፅነትን ክብርን ዝረኸብናሉ ዕለት እዩ። ኣብዚ ዕለት'ዚ ሰብ ካብ ማእሠርቲ ኃጢኣት ተፈቲሑ ብቅድስና ተሓዲሱ ሓዲሽ ሕይወት ለቢሱ ንኽነብር፡ መርገም ተሪፉ፡ በረኸት ሥጋን ነፍስን ዝተጸገወሉ፣ ካብ ሞት ናብ ሕይወት፣ ካብ ኃጢኣት ናብ ጽድቂ ዝተሰጋገረሉ መዓልቲ ብርሃን እዩ።

ግና ብዛዕባ ትንሣኤ ክርስቶስ ብኸመይ መንገዲ ኢና ንሰብኽን ነብዕልን፧ ብሠናይ ትምኒት ‘እንቋዕ ኣብጽሓና’ ብምባል፣ ብድግስ መብልዕን መስተን፡ ክዳን ብምፅዕዳውን ብሓፈሻ ሥጋዊ ተግባራት ብምፍጻም ጥራሕ እንተኾይኑ ትርጕም ትንሣኤ ክርስቶስ ብዝግባእ ኣይተረድኣናን ዘሎ ማለት እዩ። ምኽንያቱ፡ ትንሣኤ ክርስቶስ፡ ሞት ዝተሳዕረሉ፡ ምዉታን ዝተንሥእሉ ነፍሳት ካብ ሲኦል ናብ ገነት ዝተሳገራሉ መዓልቲ ብርሃን እንከሎ ንሕና ብመንገዲ ሞት እናተመላለስና ኣብ ጸልማት ኃጢኣት እናነበርና በዓለ ትንሣኤ እንተኣኽበርና ትርጕሙ እንታይ እዩ፧ ብሓቂ ትንሣኤ ክርስቶስ ትርጕም ዝህልዎ ናትና ትንሣኤ ልቡና ምስ ዝስዕቦ እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ ተበራበር፡ ካብ ምዉታን’ውን ተንሥእ፡ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ እዩ’ ከምዝበለ፡ ካብ ዓራት ጸልማት፡ ካብ ድቃስ ኃጢኣት ብፍረ ብርሃን ሠናይን ጽድቅን ሓቅን ነቒሕና ብትንሣኤ ልቡና ክንትንሥእ ኣሎና። ኤፌ. 5፡14።

በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፡ ብትንሣኤኡ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” ኢሉ ዘይውዳእ ዘለዓለማዊ ፍጹም ሰላሙ ዝሃበሉ ዕለት እዩ።
ሎሚ ግና ምንጪ ሰላምና ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ፡ ቤትናን ሓባሪት ሰላምን ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምዃና ዝተኸወለና ይመስል። ብግብሪ ኃጢኣትን ብሥጋዊ ፍትወትን፣ ብብዝኂ ገንዘብን፣ ብጥዑም መባልዕን ብምቁር መስተን፣ ብዘጌጹ ኽዳውንቲ፣ . . . ወዘይመስሎ ኣብን ካብን ዓለም ንሰላም ንደሊ ኣሎና። ነዚ እዩ ኸኣ ቅዱስ መጽሓፍና “ንመንገዲ ሰላም ኣይትፈልጡዋን፥ ኣብ ኣካይዳኹም ቅንዕና የልቦን፥ ንመንገድታትኩም ትጠዋውይዎ፥ እቲ ብእኡ ዚኸይድ ዘበለ ንሰላም ከቶ ኣይፈልጣን” (ኢሳ. 59:8, ሮሜ 3፥7) ዝብለና።

ኣብዚ ዘሎናዮ ጊዜ ኣብ መድረኽ ዓለም ብዛዕባ ሰላም ብምሩጻትን ምቁራትን ቃላት “ሰላም/ peace” እናተባህለ መደረ ይስማዕ እዩ፥ ከምኡ'ውን ብመንገዲ ሥጋ ኣብ ዓለም እናደለዩ ‘ሰላም ዘየልቦስ ሰላም ሰላም እናበሉ . . . ’ (ኤር. 6፥14) ዘተ፡ ዋዕላ፡ ኣኼባ ይገብሩ እዮም፣ ‘ሰላም ኮይኑ እዩ እናበሉ . . . ሰላም ግና የልቦን’ (ሕዝ. 13፥10) ነፋስ ሰላም ዘስተንፍስ ኣዝዩ ውኁድ እዩ፣ ምስ’ቲ ሠናይ ድሌትን ጻዕርን ‘ኦ እግዚአብሔር ንዅሉ ተግባርና ንስኻ ኢኻ እትፍጽመልና እሞ ሰላም እትህበና ንስኻ ኢኻ’ ምባል እዩ ዝግባእ (ኢሳ. 26፥3)፣ ከመይሲ ወሃቢ ሰላም ንሱ “ሰላም እኃድገልኩም ኣሎኹ፤ ሰላመይ’ውን እህበኩም ኣሎኹ፣ እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኮነን” ኢሉና እዩ። (ዮሓ. 14፥27)።

ሎሚ! ክንዲ ምዕባለን ዘመናውነትን ዝዓበየ፡ ካብ ካልእ ጊዜ ንላዕሊ ገንዘብ፣ ጥበብ፣ ፍልጠትን ቴክኖሎጅን ክንዲ ዝበዝኀ፥ ዝበዝኅ ሰብ ብፍርሂ፡ ስግኣትን ጭንቀትን ተወሪሱ ይርከብ ኣሎ፣ ሕዝቢ ምስ ሕዝቢ፡ መንግሥቲ ምስ መንግሥቲ፡ ብዘይ ሥምረት እግዚአብሔር ንረብሓኦም ብዘገድሶም ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል ኣነነት ስለዝነብሩ ሰላም የሎን። ሰብኣይን ሰበይትን፡ ወላድን ውሉድን፡ ሓድነትን ምትእምማንን ስለዘየሎ ብገመድ ጽልኢ ብምስሕሓቡ ኣብ ቂምታን ባእስን ስለዝነብሩ ካብቲ ብትንሣኤኡ ዝተኣወጀ ብርሃንን ሰላምን ርኁቓት ኮይኖም ኣለዉ። “እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙኅ ሰላም ኣለዎም። ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን” (መዝ. 119፥165) ከምዝብል እቶም ነቲ ሕጊ እግዚአብሔር ተቐቢሎም ብሥምረት ዚሕልዉ ሰብኣይን ሰበይትን ኮኑ ወላድን ውሉድን ግና ብዙኅ ሰላም ኣለዎም፣ ኣብ ውሽጢ ሕይወት ሰብ በይኑ'ውን ውሽጣዊ ሰላም፡ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዝርከብ፡ ኽልቲኦም ሥጋኡን ነፍሱን ምስ ዝዕረቑን ዝሰማምዑን እዩ፣ ብሥጋዊ ትምኒቱ ንሰላም ዚደሊ ግና ኣይረኽባን እዩ፣ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ክገልጽ ከሎ፡- “ትምኒት ሥጋ ምስ መንፈስ መፃርርቲ እዩ፤ መንፈስ ከኣ ምስ ትምኒት ሥጋ መፃርርቲ እዩ፣ ስለዚ ነቲ እትደልዩዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ ክልቲኦም መፃርርቲ እዮም፣ . . .” (ገላ. 5፥17-18) ይብል እሞ ኣብ ናይ ሮሜ መልእኽቱ ድማ “እቲ ሓሳብ ሥጋ ሞት እዩ፤ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ሕይወትን ሰላምን እዩ” (ሮሜ ፰፥፮/ 8፥6) ብምባል እቲ ኣብ ግራት ሕይወቱ ሓሳብ መንፈስ ዚዘርእ ሰብ፡ ፍረ መንፈስ ዝኾነ “ሰላም” ከምዚዓጽድ የረድእ፣ ብኣንፃሩ ነቶም ብትምኒት ሥጋን ብግብሪ ኃጢኣትን ንሰላም ዚደልዩ ‘ረሲኣን ግና ሰላም የብሎምን ይብል እግዚአብሔር’ (ኢሳ. 48፥22) ።
ሕዝበ ክርስቲያን! ንቅዱሳን ሓዋርያት “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” (ዮሓ. ፳፥፲፱/ 20፥19) ኢሉ ሰላሙ ዝሃበ ጐይታ ሰላም፡ ባዕሉ ኵሉ ሳዕን ብዅሉ ወገንን ናይ ትንሣኤኡ ብርሃንን ሰላምን ክህበና ኣብ ማዕፆ ሕንፃ ሕይወትናን ናብራናን ይዅሕኵሕ ኣሎ እሞ ብፍቓድና እንኸፍተሉ ሎሚ እዩ፣ ከመይ! ቅዱስ ያሬድ “ካብ ሎሚ ንንየው ሰላም ምእንቲ ኪኸውን፡ ክርስቶስ ብኃይልን ሥልጣንን ተንሥአ፤ ንሰይጣን ኣሰሮ፤ ንኣዳም ናጻ ኣውፅኦ፤” ከም ዝብል ኣብ ኵሉ ናብራና፤ ኣካይዳና፤ ዘረባና፤ ጽሑፍና. . . ፍኖተ ብርሃንን ኣሰር ሰላምን ክንስዕብ ይግባእ።
እግዚአብሔር ኣምላኽና ‘ብርሃን ይኹን’ ኢሉ ጸልማት ኃጢኣትን ገዛእቲ ጽልመትን የርሕቐልና፡ ከምኡ’ውን “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” ኢሉ ንዅሉ ዓለም ሰላሙ ይሃበልና!
                                                                                   ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195