banner

‘ጸልዩ ባሕቱ ከመ ኢይኩን ጕያክሙ በክረምት / እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ከይከውንሲ ጸልዩ’ (ማቴ. 24፡20)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

‘ጸልዩ ባሕቱ ከመ ኢይኩን ጕያክሙ በክረምት / እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ከይከውንሲ ጸልዩ’ (ማቴ. 24፡20)

ጊዜ ኽረምቲ፡ ዝናም ንዘርኢ፡ ጠሊ ንምድሪ ዝህበሉ፡ ዝተዘርአ ዝቦቝለሉ፡ ዝተተኽለ ዝጸድቀሉ፡ ነቒጾም ዝነበሩ ኣትክልቲ ዝልምልሙሉ፡ ኣቝጽልቲ ዝጥጥዕሉ፡ ኣዕጽምቶም ክሳዕ ምርኣይ ዓቢሮም ዝነበሩ እንስሳታት ተሓዲሶም ዝጥንክርሉ፣ ሩባታትን ኣፍላጋትን ዝውኅዝሉ ሠናይ ጊዜ እዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ወቕቲ ክረምቲ ኸኣ ብዙኅ ሽግር ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ።

እዋን ክረምቲ፡ ብላዕሊ ማይ ብታሕቲ ጭቃ ስለዝኸውን ንመንገዲ ኾነ ሥሩዕ ዕዮኻ ክትገብር የጸግም እዩ። ሩባታት ስለዝመልኡ፡ ሰባት ምስ ቤተ ሰቦም ዘይራኸቡሉ፡ ዓይን ንዓይኒ ዘይረኣዩሉ፡ ብሓፈሻ ካብ ከበሳ ናብ መታሕት እናተዘዋወሩ ከም ድሌቶም ነጊዶም ክነብርሉ ዘይክእልሉ ጊዜ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ቆፎ ዘሎ ቐዳማይ እኽሊ ዝውድኣሉን፡ እቲ ዳኅረዋይ ዝተዘርአ ኣብ ፍረ ዘይበጽሓሉን እዋን ስለዝኾነ ክብደት ናብራ የስዕብ፣ መሸጣ ዕዳጋ’ውን ይኸብር። እዚ ዅሉ ድማ ንሰባት ጸቕጢ ይፈጥረሎም።

ጐይታናን ኣምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ዳግም ምጽኣቱን ኅልፈተ ዓለምን ኣብ ዝተዛረበሉ ጊዜ፡ “እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ከይከውንሲ ጸልዩ” ዝበለ ፡ ክረምቲ ቘጽሊ እምበር ፍረ ዘይርከቦ ንስኻትኩም ድማ ብቘጽሊ ዝምሰል እምነት ጥራይ ኂዝኩም ፍረ ጽድቂ ከየፍረኹም ከለኹም ሞት ከየርክበኩም ጸልዩ ንኽብል እዩ። (ማቴ. 24፡20)

ከምቲ ቤት ብዘይ መሠረት ዘይቀውም፡ መሠረት ዘለዓለማዊ ድኅነት ድማ ሃይማኖት (እምነት) እዩ። ነዚ ዓለም’ዚ ሠራዒ፡ መጋቢ ኣለዎ፡ ንሱ ድማ “ብሓድነቱን ብሠለስትነቱን ዚምለኽ፡ ዝነበረን ዘሎን ዚነብርን እግዚአብሔር እዩ ኢልካ ምእማን እዩ። ከምኡ’ውን ካብ ንጽሕት፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሥጋ ዝተወልደ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽ እዩ ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ እያ” ኢልካ ምእማን እዩ።

እንተኾነ እምነት ብዘይ ግብሪ፡ ወይ ድማ ግብሪ ብዘይ እምነት ክልቲኡ ነንበይኑ ትርጕም ከም ዘይብሉ ሓዋርያ ቅዱስ ይዕቆብ ኣብ መልእኽቱ “ሥጋ ብዘይ መንፈስ ምውት ከም ዝኾነት፡ እምነት ውን ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (ያዕ. 2፡26) እምነት ግብርን ከም ሥጋን ነፍስን ኪወሓዱ ስለዘለዎም ሃይማኖት ብዘይ ግብሪ ወይ ድማ ሠናይ ግብሪ ብዘይ እምነት ካብ ዳግማይ ሞት ዘድኅን ኣይኮነን። ሓደ ካብቲ ሓደ እንተተፈልዩ ከምቲ ነፍሲ ዘይብሉ ሥጋ እዩ። ሠናይ ግብሪ ዝህልወና ብትእዛዝ እግዚአብሔር ምስ እንምራሕ ብምዃኑ ሕገጋት ምሕላው ሓደ ካብ መንገዲ ድኅነት እዩ። (1ይ ዮሐ. 2፡9፣ 3፡9-10) እምነት ኣሎኒ እናበለ ሠናይ ግብሪ ዘይብሉ ዲያብሎስ እዩ፡ ምኽንያቱ ሠናይ ተግባር መርኣያ ቅኑዕ ሃይማኖት እዩ።

ስለዚ ‘እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ከይከውንሲ ጸልዩ’ ዝብል ኣምላኻዊ ኃይለ ቃል ብምስትውዓል ሃይማኖትና ኣጽኒዕና ግብርና ኣጸቢቕና ተዳሊና ክንነብር ይግባእ። ከመይ! ‘ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን’ ተባሂሉ ተጻሒፉልና እዩ። ማቴ. 26፡41

ብኣንጻሩ ነዚ ኃይለ ቃል’ዚ ሸለል ኢልካ፡ ከምቲ ብጊዜ ኽረምቲ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ዝዘዋወር ሰብ ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ፡ ከምኡ ድማ እቲ ሃይማኖት ኣሎኒ ክርስቲያን እየ ዝብል ንኃጢኣት ብሓልዮ ፀኒሱ፡ ብነቢብ ወሊዱ፡ ብገቢር ምስ ዝፍጽሞ ካብ ዳግማይ ሞት ሞተ ነፍስ ኣየምልጥን። ከመይ! ዓስቢ ኃጢኣት ሞት እዩ።

                                                                                ካብ ዳግማይ ኃዘን ካብ ዳግማት ሞት የድኅነና!
                                                                      ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195