banner

እለ ይዘርኡ በአንብዕ ወበኀሤት የአርሩ/ ብንብዓት ዚዘርኡ ብሓጐስ ይዓጽዱ። (መዝ. 125(126)፥5)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እለ ይዘርኡ በአንብዕ ወበኀሤት የአርሩ/ ብንብዓት ዚዘርኡ ብሓጐስ ይዓጽዱ። (መዝ. 125(126)፥5)

ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ወዲ ሰብ ኃዘኑን፡ ሽግሩን ዋላ ውን ገለ እዋን ሓጐሱ ንእግዚአብሔር ወይ ንሰብ ዝገልጸሉ መንገዲ ሓደ ብኽያት እዩ። ብዙኃት ሰባት ስለ ብዙኅ ነገር ካብ ሽግሮም ንኺናገፉ፡ ዝጐደሎም ንኺማልኣሎም፡ ብኃጢኣቶም ተጣዒሶም. . . በኽዮም እዮም። ብኽያቶም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር በጺሑ ድሌቶም ዝተማልኣሎም ኣለዉ፣ ንዘይጠቕሞም ብነፍስን ብሥጋን ከምዚጐድኦም ከይፈለጡ ዝበኸዩ እሞ ኸንቱ ዝተረፉ ውን ኣለዉ።


ቀዳሞት ሰባት ኣዳምን ሔዋንን ብምኽሪ ዲያብሎስ ተታሊሎም ኃጢኦም ብዘምጽእዎ ናይ ነፍሲ ጥሜት ናብ ምድረ ፋይድ ወረዱ፡፡ ዝነበሮም ክብሪ ስኢኖም፣ መከራ ምስ ጸንዖም ናብ እግዚአብሔር ንብዓቶም ኣፍሰሱ። “ወአልቦቱ ካልእ ሕሊና ዘእንበለ ብካይ ላዕለ ኃጢኣቱ/ ብዘይካ ብኃጢኣቱ ምብካይ እንተዘይኮይኑ ኾልእ ሓሳብ ኣይነበሮን” ከምዝብል (ትርጓሜ ውዳሴ ማርያም ዘሰኑይ)። ደቂ ኣዳም ነቢያት’ውን ዘመነ ፍዳ ኰኒንዎም ኣውያቶም ክሳብ ኣርያም ኣስምዑ። እግዚአብሔር ድማ ኣብ መኅደሪኡ ኾይኑ ንብዓት ኣዳምን ደቁን ርኣየ እሞ ፍጹም ሰብ ኮይኑ መከራ መስቀል ተቐቢሉ ንሥልጣነ ዲያብሎስ ስዒሩ ናብ ዝቐደመ ክብሮምን ገነትን መለሶም። ነቲ ነቢያት ብብዙኅ መከራ ዝዘርእዎ ንብዓት፣ ንሕና ድማ ትንሣኤ ዓጸድና፡ ብሓጐስ ተመሊእና ውን “ ትንሣኤከ ለእለ አመነ ብርሃንከ ፈኑ ዲቤነ/ ትንሣኤኻ ንዝኣመንና ብርሃንካ ልኣኸልና” ኢልና ብሓጐስ ዘመርና።

እስራኤላውያን ብምኽንያት ጥሜት ናብ ግብጺ ወሪዶም ብዙኅ ዘመን ብሓጐስ እኳ እንተነበሩ ጨካን ንጉሥ ፈርዖን ምስ ተንሥአ ግና ዘጨንቕን ዘብክን መከራ መግዛእቲ ኣውረደሎም፡ ለይትን መዓልትን ብሥራሕ ዕረፍቲ ሰኣኑ። ኣብቲ እዋን’ቲ እስራኤላዊት ራሔል ጭቃ እናኣብዓጠት ከላ ብሕማም ሕርሲ ተታኅዘት’ሞ ንደቅኺ ምስኡ ረጊጽኪ ኣብዕጥዮም ከኣ ተባህለት። “ኣብ ራማ ድምፂ ዋይ ዋይታ፡ እወ ድምፂ መሪር ብኽያት ተሰምዐ ደቃ ስለዝተወድኡ ራሔል ትበኪ ኣላ ምድባስ ውን ኣበየት” (ኤር. 31፥15) ከምዝተባህለ ድማ ካብቲ መከራ ናጻ ከውፅኣ ናብ ዝኽእል እግዚአብሔር ጠርዓት፣ መሪር ወኃዚ ንብዓታ ድማ ናብ ሰማይ ነጸገት። እግዚአብሔር ድማ ነቲ ሕዝቢ እስራኤል ዘስምዕዎ ኣውያት ሰምዐ፣ ብኽያቶም ርእዩ’ውን ሃለዋቶም ፈለጠ። ንሙሴ ባርያኡ ኸኣ “ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ሕዝበይ ርእየ ኣሎኹ፡ እቲ ብሰሪ ጨቈንቶም ዜእውይዎ ዘለዉ ኸኣ ሰሚዐ ኣሎኹ፡ ስቓዮም ውን ኣጸቢቐ ፈሊጠ ኣሎኹ. . . . . እምበኣር ሕጂ ነዓ፡ ንሕዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ከተውፅኦም ናብ ንጉሥ ግብጺ ክልእከካ እየ” ኢሉ ኣዘዞ። እንሆ ድማ ከም ቃሉ ብኃያል ኢድን ብብርቱዕ ቅልጽምን ካብ ባርነት ግብጺ ኣውፅኦም። ራሔልን ኵሎም እስራኤላውያንን ብስቡር መንፈስ ብዝዘርእዎ ንብዓት፡ ሓጐስ ዓጸዱ። ንግብጺ ድኅሪት ገዲፎም’ውን ባሕሪ ኤርትራ ተሳጊሮም ንእግዚአብሔር ዘመሩ፡ ምድሪ ርስቲ ኸኣ ወረሱ። (ዘፀ. 3፥9-10)

ቅዱሳን ኣቦታትና እቲ ብመጀመርታ ዝበኸይዎን ዝኃዘንዎን ምእንቲ ኃጢኣቶም’ዩ። ከመይ! ረሳሕ ክዳን ብማይ ከም ዝሕጸብ፡ ነታ ብኃጢኣት ረሲሓ ዘላ ነፍሲ ሓጺቡ ዘጽሪ፣ ካብ ርኽሰታ ዘንጽሕን ንብዓት ንስሓ ስለዝኾነ። ንጉሥ ዳዊትን ሓዋርያ ጴጥሮስን ከም ምሳሌ ንገብሮም ስለቲ ብኃጢኣቶም ዘፍሰስዎ ንብዓት’ዩ። ንጉሥ ዳዊት “ኣይትዘሙ” ዝብል ትእዛዝ ጥሒሱ ምስ ሰበይቲ ኦርዮ ዘመወ፣ እዚ ኃጢኣት’ዚ ንኸይፍለጥ ድማ “ኣይትቕተል” ዝብል ሕጊ ኣፍሪሱ ንኦርዮ ኣቕተለ። ብድኅር እዚ ረአዬ ኅቡኣት እግዚአብሔር ኣብ ነቢይ ናታን ኃዲሩ ወቐሶ። ንጉሥ ዳዊት ድማ ዓስቢ ኃጢኣት ዝኾነ ሞት ከይበጽሖ ከሎ ብዝተዋህቦ ጊዜ ንስሓ ኸይወዓለ ኸይኃደረ ካብ ዙፋኑ ወሪዱ ማቕ ለበሰ፡ ሓመድ ውን ነስነሰ። ብኃጢኣቱ ኣምሪሩ በኸየ። ካብ ብዝኂ ንብዓቱ ዝተላዕለ ውን “ኣነ ብእህህታ ሰልክየ፡ ለይተ ለይቲ ንመደቀስየይ ብንብዓተይ አርሕሶ፡ ንመንጸፈይ ከኣ ብንብዓት አጠልቅዮ ኣሎኹ፡ ኣዕይንተይ ብኃዘን ተበላሸዋ” ይብል። (መዝ. 6፡6-7/ መዝ. 51) መደቀሲ ነገሥታት ብወርቅን ብሩርን ዝመልእ እኳ እንተኾነ መደቀሲ ንጉሥ ዳዊት ግና ብንብዓት ደኣ መልአ።

ሓዋርያ ጴጥሮስ’ውን ኣብቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣይሁድ ተታኂዙ ዝነበረሉ እዋን፡ ንጐይታ ‘ኣይፈልጦን’የ’ ኢሉ እኳ ብልሳኑ እንተኸሓደ፡ ብኡ ንብኡ ግና በደሉ ተኣሚኑ ብንብዓት ንስሓ ተመልሰ። “ኣታ ሰብኣይ እዚ ትብሎ ዘሎኻ ኣይፈልጦን እየ በሎ፡ ሽዑ ገና እዚ ኪዛረብ ከሎ ደርሆ ነቀወ፡ ጐይታ ኸኣ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ጴጥሮስ ከኣ ሎሚ ደርሆ ከይነቀወ ሠለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከረ። ናብ ወፃኢ ኸይዱ ውን መሪር ብኽያት በኸየ” (ሉቃ. 22፥60-62)። “ሃልሃልታ ኃጢኣት እምብዛ ብርቱዕ እዩ፣ ብቑሩብ ንብዓት ግና ዝጠፍእ እዩ” (ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ) ከምዝበለ ንጉሥ ዳዊትን ሓዋርያ ጴጥሮስን ስለ ኃጢኣቶም ኣብ ዝበኸይሉ ጊዜ፡ እቲ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኪበጽሑ እምበር ሓደ እኳ ኪጠፍእ ዘይፈቱ ጐይታ ይቕረ በለሎም። ብንብዓት ስለ ዝዘርኡ ድማ ንጉሥ ዳዊት - ልቢ ኣምላኽ፣ ሓዋርያ ጴጥሮስ ድማ ሊቀ ሓዋርያት ተባህሉ።

ሎሚ’ውን ንኣና እግዚአብሔር ከምቲ ንጉሥ ዳዊት ምስ በደለ ንነቢይ ናታን ዝለኣኸሉ፡ ምስ ንብድል ዘነስሑ ኣቦታት ካህናት ልኢኽልና ኣሎ። ከምቲ ደርሆ ምስ ነቀወ፡ ንሓዋርያ ጴጥሮስ ግልጽ ኢሉ ዝረኣዮ፡ ሎሚ ውን ንኣና ንኽንሳሕ ብዓይኒ ትዕግሥቱ ይርእየና ምህላዉ ነስተውዕል። (2ይጴጥ. 3፥9)።

እግዚአብሔር፥ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ምድረ እስራኤል ኣብ ዝተመላለሰሉ ጊዜ ንትምህርትና ባዕሉ ነቢዑን፥ ንብዓት ኃጥኣን ተቐቢሉ እዩ። ንምሳሌ፥ ጐይታ ኣብ ቤት ስምዖን ፈሪሳዊ (ምሁር ሕጊ ኦሪት)፣ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ ሓንቲ ኃጥእት ሰበይቲ (ኣመንዝራ) ኣብ ጥቓ እግሩ ቖይማ ትእምርቲ ጣዕስኣ እናበኸየት በቲ ንብዓታ እግሩ ኣጠልቀየቶ፣ መግለጺ ትሕትናኣ ድማ ብጸጕሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ሰዓመቶን ቅዱይ ቅብኢ ቀብኣቶን። መፍቀሬ ንስሓ ጐይታ ድማ ‘ኃጢኣትኪ ተኃዲጉልኪ እዩ’ በላ። (ሉቃ. 7፥35-50) ብሓቂ ጐይታ ካባና ዝጽበዮ ፈላጥ ምዃን ጥራሕ ዘይኮነስ ንብዓት ንስሓ ካብ ኮነ ልቡናና ጠርኒፍና፡ ሕልናና ሰቒልና ፥ “ኦ ጐይታ ከምቲ ነታ ኃጢኣተኛ ሰበይቲ ብዙኅ ፈልፋሊ ንብዓት ንስሓ ዝሃብካያ ንኣይ’ውን ሃበኒ። ምእንቲ እቲ ‘ኃጢኣትካ ተኃዲጉልካ’ ዝብል ሓጐስ ዝመልኦ ድምፂ ኪሰምዕ፡ ብንስሓ ንጹሕ ሕይወት ክመርሕ ሓግዘኒ።” እናበልና ክንጽልይ ይግባእ። ከመይሲ ሓደ ካብ አበው ከምዝበሎ “ጐይታ፡ ተኣምራት ኣይገበርኩምን መምህራን ሊቃውንቲ ኣይኮንኩምን ብማለት ኣይወቕሰናን ይኸውን። ብርግጽ ግና ‘ብኃጢኣትና ንብዓት ብዘይ ምፍሳስና’ ንዝሓተና ግና መልሲ ካብ ምሃብ ኣይነምልጥን ኢና።”

ንኽርዳድ ኃጢኣቶም ብንብዓት ንስሓ ኣጽርዮም ምስ እግዚአብሔር ዝተዓርቑ ኣቦታት፡ “ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብል ትእዛዝ ስለዝዝክሩ፡ እቲ ናብኦም ክበጽሕ ዘይደልይዎ ሽግር ናብ ካልኦት ምእንቲ ከይበጽሕ ካብ ጸሎት ንብዓት ኣይበዅሩን እዮም።

ሕዝቢ እስራኤል ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔር ምስ ኣጒረምረሙ፡ ቍጥዓ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊኦም ነደደ፡ ንሊቀ ነቢያት ሙሴ ኸኣ ከጥፍኦም ምዃኑ ነገሮ። ሊቀ ነቢያት ሙሴ ድማ “ኦ እግዚአብሔር ንቝጥዓ ደንጓዪ ብዙኅን ዘይውዳእን ምሕረት ዘሎካ ኢኻ፡ በደልን ኃጢኣትን ይቕረ እትብል ኢኻ. . . . ነዚ ሕዝቢ እዚ ከምቲ ዓቢይ ምሕረትካ፡ ከምቲ ካብ ግብጺ ኂዝካ ክሳዕ ናብዚ ይቕረ ዝበልካሉ፡ ሕጂ ኸኣ እልምነካ ኣሎኹ ኃጢኣቱ ኅደገሉ” ፣“ሕጂ ድማ ኃጢኣቶም ይቕረ በለሎም እንተዘይኮነስ ስመይ ካብቲ ስም ሕዝብኻ ዝጸሓፍካሉ መጽሓፍካ ሕኸኮ” ኢሉ ኣምሪሩ ስለዝጸለየ ንሕዝቡ ካብ መቕጻዕቲ ኣድኃነ።(ዘኊ. 14፥17-19)

“ብዘይ ብኣይ ሓንቲ እኳ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” (ዮሓ. 15፥5) ከምዝብለና ብዘይ ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ለውሃትን ብናትና ጥበብን ብቕዓትን ግብሪ ጽድቂ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና’ሞ፡ ጽቡቕ እንተገበርና፡ ናይ ገዛእ ርእስና ጥራይ ክንሓስብ ዘይኮነስ፡ ስለ ብጾትና ውን ክንበክን ክንሓልን ይግባእ’ዩ። ምኽንያቱ ንብጾትና ምስ እንርኅርኅ’ዩ እግዚአብሔር ዝርኅርኃልና።

ኣብ ርእሲ’ዚ ምእንቲ ቤተ እግዚአብሔርን ሃገርን ንብዓትካ ምፍሳስ’ውን ይግባእ እዩ። እቶም ብሃይማኖቶም ጽኑዓት ዝነበሩ ደቀ መዛሙርት ነቢይ ኤርምያስ ዝኾኑ ኣቤሜሌክን ባሮክን ቅድስት ሃገር ኢየሩሳሌም ከም እትዓኑ፡ ሕዝባ’ውን ከም ዝማረኽ ምስ ሰምዑ፡“ ኢታርእየነ ሙስናሃ ለኢየሩሳሌም / ጥፍኣት ናይ ኢየሩሳሌም ኣይተርእና” እናበሉ ይልምኑ ነበሩ።እግዚአብሔር ድማ ጥፍኣታ ምእንቲ ከየርእዮም ኢሉ ብጥበቡ ሠወሮም። (ተረፈ ኤር. 9)።

እቲ ስለ ኃጢኣቱ ዝበኸየ ንጉሥ ዳዊት ስለ ቤተ እግዚአብሔር’ውን በኽዩ እዩ። “ኣነ ንሱ ኣብ ብጽሕድን ብዝግባን ዝተሠርሐ ቤት ተቐሚጠ፡ ታቦተ ጽዮን ግና ኣብ ድንኳን ተቐሚጣ ኣላ” እናበለ ይኃዝን ነበረ። (1ይዜና 17፡1-12) ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ስለ ቤተ እግዚአብሔር ዘለዎ ቅንኣት ክዛረብ ከሎ “ንርእሲ እዚ ዅሉ ከኣ እቲ ብዛዕባ ዅለን ኣብያተ ክርስቲያን ዘሎኒ ኃልዮት ኣብ ጸጽባሕ የጽብበለይ ኣሎ” ይብል። (2ይቆሮ. 11:28)።

ሕዝበ ክርስቲያን! ሎሚ ግና ብዙኃት ኣብያተ ክርስቲያንን ገዳማትን ኣገልገልቲ ተካኢ ወለዶ እናወኃደን፡ ገብርኄር ኣገልገልቲ እናሰኣና፡ ጓሳ ከም ዘይብለን ኣባጊዕ ምእመናን ብሥውር ዝኾነ መናፍቕነትን ፈተና ዓለምን እናተጠቕዑ፡ ብኽፉእ ወረ ምእመናን እናተጐድኡ . . . ስለ ቤት ገዛእ ርእስና ጥራይ ክንሓስብ ኣይግባእን’ዩ። ኣቦ ኣደ ሞይቶሙኒ፡ ኣኅዋት ኣኃት ስኢነ፣ ርስቲ ጕልቲ ተወሲዱኒ ኢልና እነውኅዞ ንብዓትን ጓሂ ዓለም እንጕህዮን ዘይግባእ ኃዘን ደረቱ ዝኃለፈ ኾይኑ ይርአ እዩ። ክንዲ ሎሚ ብኽያትን ኃዘንን ከምዘይበዝኀ፣ ስለ መን ከም እንበኪ ግና ፍልጠትን ርድኢትን ይጐድለና ኣሎ።

ስለዚ ሎሚ ምእንቲ ኃጢኣትና፥ ስለ ፈታዊናን ጸላኢናን፣ ንሃገርን ቤተ ክርስቲያንን ንብዓትን ኃዘንን እንተዘራእና ጽባሕ ክብሪ ብፅዕና ብዕልልታ ክንዓጽድ ምዃንና እሙን እዩ። ጐይታ’ውን “ብፁዓን እለ ይላህዉ ይእዜ እስመ እሙንቱ ይትፌሥሑ/ ዚኃዝኑ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም።” ከምኡ ኸኣ “ ኣምላኽ’ውን ካብ ኣዕይንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዝ እዩ” (ራእ. 7፥17) ክብል ተስፋ ሂቡና እዩ።

ስለዚ እግዚአብሔር ዝቕበሎ ንብዓት፡ ብነፍስን ብሥጋን በረኸት ዘውህብ፡ ከምኡ’ውን ንርእስናን ንኅብረተ ሰብናን ሃገርናን ሰላምን ፍቕርን ዘውርድ ብኽያት ኣየናይ ምዃኑ ኣለሊና ንብዓትና ከነውኅዝ ይግብኣና።

ንብዓት ኣቦታትና ርእዩን ብኽያቶም ሰሚዑን ጸሎቶም ዝተቐበለ እግዚአብሔር፡ ንብዓትና ርእዩ ጸሎትና ኪሰምዕ፡ ዘይውዳእ በረኸቱን ንብዓት ዘፈልፍል ስቡር ልቦና ኪዕድለናን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195