banner

“ወይኩን ፈቃድከ/ ፍቓድካ ይኹን” (ማቴ. ፮፥፲/6፡10)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ወይኩን ፈቃድከ/ ፍቓድካ ይኹን” (ማቴ. ፮፥፲/6፡10)

እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝርአን ዘይርአን ኵሉ ካብኡ፡ ብእኡን፡ ንእኡን’ዩ። ንዓለም ብኢዱ ዚጭብጥ፣ ንሰማይ ብኣፃብዑ ዚስድር፣ ንማያት ዚዓሙኽ፣ ቁመት ሰማይ፡ ስፍሓት ምድሪ፡ ማዕሙቕ ባሕርን ዕምቈት ጥበብን ክንደይ ከምዝኾነ ዚፈልጥ ንሱ’ዩ። (ሲራ. 1፡3-4) ንሱ ጽልመት በርባሮስ ንትርኢቱ ዘይሥወሮ፡ ኣብ ኣርያም ኮይኑውን ንዕምቈት ባሕርታት ዚትንክፍ’ዩ። ንልብን ኵላሊትን ዚምርምር ንሱ’ዩ። (1ይ ሳሙ. 16፡7) ንሕና ደቂ ሰባት ድማ ብእኡ እንነብርን ኵሉ ሥራሕናን ምንቅስቓሳትናንውን ብእኡ እዩ። (ግብ. 17፡18)።


እንተኾነ እግዚአብሔር ኣምላኽና አኃዜ ኵሉ ክንሱ ንሕና ነቲ እንሓስቦን እንገብሮን ኣቐዲምና “ፍቓድካ ድዩ፧ ፍቓድካ ይኹን” ክንብሎ ይደሊ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ናይ ዓንቀጸ ጸሎት ትምህርቱ፡ “ወይኩን ፈቃድከ/ ፍቓድካ ይኹን” ኢልና ፍቓዱ ክንሓትት መሃረና። ብቓል ጥራሕ ዘይኮነ’ውን ንዅሉ ዘስግድን ኵሉ ዝሰግደሉን ተቐባሊ ጸሎት ክንሱ፡ ንኣና ኣርኣያ ኪኸውን ግና ኣብ ጌቴሴማኒ ብገጹ ተደፊኡ 3ተ ጊዜ ኪጽሊ ኸሎ፦ “ወባሕቱ ፈቃደ ዚአከ ይኩን ወአኮ ፈቃደ ዚአየ/እንተኾነ ከም ፍቓድካ ደኣ ይኹን እምበር ከም ፍቓደይ ኣይብልን እየ” በለ። (ማቴ. 26፡39)።

ሰብኣዊ ፍጡር ብባህርዩ መጻእያት ስለዘይፈልጥን ርጉጽነት ስለዘይብሉን፡ ንዅሉ ዝውጥኖን ብልቢ ኪዓሞ ዚሓስቦን ኣቐዲሙ ፍቓድ እግዚአብሔር ኪሓትት ግቡእ እዩ። ነዚ ኪምስክር ከሎ ሓዋርያ ያዕቆብ “ንስኻትኩም ኣቱም ሎሚ ወይ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ክንኸይድ ኢና፡ እናነገድና ምእንቲ ክንረብሕ ከኣ ኣብኣ ዓመት ክንቅመጥ ኢና እትብሉ ስምዑ! ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ሕይወትኩም እንታይ እያ፧ ንቑሩብ ጊዜ ተራእዩ ዚበንን ሃፋ ኢኹም። ጐይታ እንተፈቒድዎ፡ ብሕይወት እንተኣሊና ከምዚ ወይ ከምቲ ክንገብር ኢና ኽትብሉ እዩ ዝግብኣኩም ነይሩ፥ሕጂ ግና ትጅሃሩን ትምክሑን ኣሎኹም። እቲ ዅሉ ከምዚ ዝበለ ትምክሕቲ ኸኣ ክፉእ እዩ” (ያዕ. ፬፥፲፫-፲፮/4፡13-16) ይብለና።

ሎሚ ፍቓዱ ኣብ ምሕታት ከመይ ኣሎና! ንዅሉ “ፍቓድካ ይኹን” ኢሉ ዘቐድምን ዚቕበልን ሕይወት ኣሎና ዶ፧ ባዕልና ዝሓለምናዮ ዕዮ ብተግባር ፈጺምና ምስ ዘይሰልጠና፡ ፍቓድ እግዚአብሔር ስለዝኾነ እዩ ምባል ቅኑዕ ድዩ፧ ዋላውን ንኽፍኣትን ኃጢኣትን ፍቓድ እግዚአብሔር ስለዝኾነ ምባል ይግባእ ዶ፧

እዚ ኻብ ሓቂ ዝረሓቐ ፍጹም ጌጋ እዩ። ምኽንያቱ ጥበበኛ ሲራክ “እግዚአብሔር ነቲ ባዕሉ ዚጸልኦ ስለዘይውዕሎ፡ እግዚአብሔር ደፊኡኒ እየ ካብ መንገዲ ሓቂ ዝወፃእኩ ኣይትበል፡ እግዚአብሔር ንኃጥእ ሰብ ስለዘይደልዮ ናብ ኃጢኣት ዘውደቐኒ ንሱ እዩ ኣይበል። እግዚአብሔርን ዅሉ ኽፍኣት ንዝበለ ይጸልእ እዩ. . . .” ኢሉ መሊስዎ ኣሎ። (ሲራ. 15፡11-13)።እግዚአብሔር

* ንፍቓድ እግዚአብሔር ዘፍልጠና መን እዩ፧

1. መንፈስ ቅዱስ የፍልጠና!
“. . . .መንፈስ ውልድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም” (ሮሜ ፰፥፲፬-8፡14) ከምዝብለና፥ ወዲ ኣብ ኣርብዓ፡ ጓል ኣብ ሰማንያ መዓልቲ ሃብተ ውልድነት ረኺብናን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢልናን ኢና፣ መኅደሪኡ (ቤተ መቕደሱ) ውን ንምዃን በቒዕና ኢና። (1ይቆሮ. ፫፥፲፮/3:16)። ስለዚ እቲ ኣባና ኃዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሠናይ ንኽንገብር ዚድግፈናን ዘተባብዓናን፡ ምስ እንጋገ ውን ዚወቕሰና’ዩ። “ንሱ ንትሑታት ብቅኑዕ መንገዲ ይመርሖም። ፍቓዱ ኸኣ ይምህሮም” ከም ዚብል ባዕሉ ፍቓዱ ይምህረናን የፍልጠናን። (መዝ. 25፡4-9)
ነቶም ሰብነቶም ብንጽሕናን ትሕትናን ቤተ መቅደስ ገይሮም ዝሓለዉ ሓዋርያት ባዕሉ ይመርሖምን ፍቓዱ ይምህሮምን ነይሩ እዩ። “ንሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስን ብጾቱን ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ መንፈስ ቅዱስ ከልኪልዎም’ዩ። ናብ ቢታንያ ኪኸዱ ኣብ ዚፈተኑሉ ውን መንፈስ ቅዱስ ኣይፈቐደሎምን” (ግብ.ሓዋ. ፲፮፥፮/16፡6)፣ ዘይፈቐደሉ ምኽንያት ድማ ጊዜኡ ስለዘይበጽሐ’ዩ፡ ጊዜኡ ምስ በጽሐ ግና ሰቢኾምሎም እዮም። (ግብ. ፲፰፥፳፫/18፥23) ሓዋርያ ፊልጶስውን ነቲ ስሉብ ኪምህሮን ከጥምቖን መንፈስ ቅዱስ ፈቒዱሉን መሪሕዎን’ዩ። (ግብ. ፰፥፳፱-፴፱/8፡29-39)።
ስለዚ ንሱ መንፈስ ሓቂ ስለዝኾነ ንዅሉ ዘፍልጠናን ናብ ኵሉ ዝመርሓናን’ዩ። ብኣንጻሩ “ነቲ ንመዓልቲ ምድኃን እተኃተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ኣይተጒህይዎ “ (ኤፌ. ፬፥፴/4፡30) ከምዝተባህለ ሎሚ ሰብነትና ብኃጢኣትን ርኽሰትን ኣርኪስና መንፈስ እንተኣጥፋእና ግና መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ይፍለየና እሞ ንፍቓድ እግዚአብሔር ምፍላጡ ንስእን።

2. ኣማኻሪ የፍልጠና!
ንዅሉ ሰብ ኣማኻሪ ከምዘድልዮ ንኺገልጽ ጥበበኛ ሲራክ፥ “ምስ ብዙኃን ዕርክነት ይሃልኻ ምኽርኻ ግና ካብ ሽሕሲ ምስ ሓደ ጥራይ ይኹን” (ሲራ. 6፡6) ይብል። እቲ ቐዳማይን ቀንድን ኣማኻሪ ኣበ ነፍሲ እዩ። ኣማኻሪ ኣበ ነፍሲ ዘይብሉ ሰብን፡ ቘጽሊ ሓጋይን ሓደ እዮም። እቲ ሰብ ይወድቕን ይሳቐን፡ እቲ ቘጽሊ ድማ ይረግፍ። ኣበ ነፍሲ፡ በቲ ዝተዋህቦ ሥልጣነ ክህነትን ዘለዎ ተመክሮ ሕይወትን፡ ፍቓድ ኣምላኽ የፍልጠና። ካህን ሳሙኤል ንንጉሥ ሳኦል ኣማኻሪኡ ነበረ። ብምኽሪ ነቢይ ሳሙኤል፡ ንጉሥ ሳኦል ፍቓድ ኣምላኽ ይፈልጥን ትእዛዝ ኣምላኽ ይቕበልን፡ ብጸሎቱውን ጸላእቱ ይስዕርን ነበረ። ድኅሪ ጊዜ ሳኦል ምኽሪ ነቢይ ሳሙኤል ዕሽሽ ኢሉ ብድፍረት ምስ ሠውዐን ካብ ኣማሌቃውያን ድማ ንእኡ ዘድልዮ ዘይተኣዘዞ ጥሪት ምስ ኣትረፈን ግና ኣዝዩ ተጐድአ፣ መንግሥቱ ተሳዕረት፡ መንፈስ እግዚአብሔር ካብኡ ረሓቐ’ሞ ኽፉእ መንፈስ ኣሳቐዮ። (1ይሳሙ. 13፡15-16)። ኣብዚ ሳኦል ናይ ምእመናን፡ ሳሙኤል ድማ ናይ ኣበ ነፍሲ ምሳሌ እዮም። መንግሥቲ ሳኦል ምስዓራ ንመከራ ነፍሲ ኸመልክት ከሎ፣ ብኽፉእ መንፈስ ምስቓዩ ድማ ንመከራ ሥጋ የመልክት። ቀዳሞት ኣቦታትውን፡- “ምስ ዝመሲ ናብ ኣበ ነፍሲ” ብማለት ሕሊናኻ ምስ ዝዓርበካን ተስፋ ምስ እትስእንን፡ ኣብ መከራ ሥጋን ነፍስን ወዲቕካ ከይትሳቐ፡ ናብ ዘማኽር ኣበ ነፍሲ ኪድ ይብሉ።

ከም ካልኣይ ውን ኣብ ጽኑዕ እምነት ዝተሠረተ እሙን ዓርኪ ፍቓድ እግዚአብሔር ከፍልጠና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፦ ንጉሥ ዳዊት ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኪሓንፅ ድሌትን ሓሳብን’ኳ እንተነበሮ ፍቓድ እግዚአብሔር ግና ብወዱ ሰሎሞን ከምእትሕነፅ ዘፍለጦ ብእሙን ዓርኩ ናታን ነቢይ ነበረ። (1ይዜና ፳፰፥፪/ 28፡2)።

ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ብኣማኻርን ከምኡ ውን ብኻልእን ፍቓድ እግዚአብሔር እንታይ ምዃኑ ዚፍለጥ እኳ እንተኾነ ሎሚ ኣብዚ እምነቱ ዝሓፀፀ ተግባሩ ዝደኸመ ወለዶ ግና ብሕልሚ፡ ብራእይ ወይ መልኣኹ ልኢኹ ፍቓዱ ክገልጸሎም ስቕ ኢሎም ዚጽበዩ የዋሃነ ልብ ውኁዳት ኣይኮኑን።ድ እግዚአብሔር ብኸመጋግጽ

* እግዚአብሔር እንተደኣ ፈቒድዎ፦

1. ናይ መንፈስ ዕረፍቲ፡ ሰላም፡ ቅሳነት ንረክብ!
እቲ ዝገበርናዮ ፍቓድ እግዚአብሔር ዝተሓወሶ እንተኾይኑ ፍጹም ሓጐስን ፍቕርን ዘለዎ ሕይወት ከም እንመርሕ ይገብረና። ዋላ ውን መከራ እንተኾነ ሓጐስ ኣለዎ። (1ይጴጥ. ፬፥፲፬/4፡14) ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ውን፦ “ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ከም መደቡ ውን ዝተጸውዑ ግና ኵሉ ንሠናይ ከም ዚድግፎም ንፈልጥ ኢና።” (ሮሜ ፰፥፳፰/ 8:28) ይብለና።
ሓዋርያት ኣብ ኵሉ ናብራኦምን ጸሎቶምን “ፍቓድካ ይኹን” ይብሉ ስለዝነበሩ ናይ ትብዓትን ሓጐስን መንፈስ ቅዱስ ተመሊኦም ብኅብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ጸኒዖም ይነብሩ ነበሩ። (ግብ.ሓዋ. ፬፥፳፱-፴፩/ 4፡29-31) እቲ ተግባሩ ፍቓድ እግዚአብሔር ዘይተሓወሶ ንጉሥ ሳኦል ግና ብመንፈስ ጭንቀት ይሳቐ ነበረ። (1ይሳሙ. 16፡14)

2. ምስክርነት መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎ!
ኵሉ እግዚአብሔር ዝፈቐዶ ዘበለ መጽሓፍ ቅዱስ ይድግፎ፣ እንተዘይፈቒድዎ ግና ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚፃረር እዩ። ንምሳሌ፥ ምስ ዘይትኣምን ሰበይቲ ንኺመድ ፍቓዱ ድዩ ኣይኮነን ከረጋግጽ ዚደሊ ሰብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣይትቈረኑ” (2ይቆሮ. ፮፥፲፬/6፡14) ስለዝብል ፍቓድ ኣምላኽ ከምዘይኮነ ከረጋግጽ ይኽእል።

3. ምስ ኵነታት ይጋጠም!
ፍቓድ እግዚአብሔር እንተኾይኑ ምስ ኵነታት ዝጋጠም፡ ምስ ጊዜን ቦታን ዝሰማማዕ እዩ። ንምሳሌ፦
* ሙሴ ኣብ ባሕሪ ምድርባዩን፣ ጓል ፈርዖን ናብ ሩባ ወሪዳ ምርካባን (ዘፀ. ፪፥፩-፲/2፡1-10)።
* ኣቦና ኣብርሃም ንወዱ ይስሓቅ ሰበይቲ እትኾኖ ኺመርጸሉ ንኢያውብር ኣገልጋሊኡ ምልኣኹን፣ ርብቃ ኣብኡ ምጽንሓን (ዘፍ. ፳፬፥፩-ፍ/24፡1-ፍ)።
* መውስቦ ጦብያ ምስ ሣራ ጓል ራጉኤል (መጽ. ጦቢት)።

“ጸጒሪ ርእስኹም ኵላተን’ኳ ቍጹራት እየን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ካብኣተን ሓንቲ እኳ ናብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ”። (ማቴ. ፲፥፳፱-፴/10፡29-30) ከም ዝበለ ኣብዚ ምድሪ ኾነ ኣብ ሰማይ ብዘይ ፍቓድ እግዚአብሔር ዚፍጸም ሓደ’ኳ የልቦን። እቲ መጻርርትና ዲያብሎስውን ብዘይ ፍቓድ እግዚአብሔር ዝገብሮ የልቦን። ኣባ ጳውሊ ኣብ መንጎ ኃጥኣን እናጸለየ ከሎ፡ ሰይጣን ካብቶም ኃጥኣን ናብኡ መጽአ እሞ፡ ኣባ ጳውሊ ድማ “ኣንታ ሰይጣን ስለምንታይ ኢኻ ብዘይ ፍቓድ እግዚአብሔር ተስሕት ዘሎኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ሰይጣን ድማ “ኣነ ብዘይ ፍቓዱ ዝኾነ ኽገብር ሥልጣን የብለይን” ኢሉ መለሰ። (ስንክሳር ፳፬/24 ታኅሣሥ) ንኣቦና ኢዮብ ኪፍትኖ ኸሎ ውን ኣቐዲሙ ፍቓድ እግዚአብሔር ሓቲቱ እዩ። ጸላኤ ሠናያት ካብ ሓተተ ደኣ’ሞ ንሕና ኸ . . . !

ስለዚ፡ መሠረት ናይ ድኅነትን ሕጕስ ሕይወትን ፍቓድ እግዚአብሔር ምሕታትን ምግባርን’ዮም። ጐይታናውን “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፡ ጐይታይ ጐይታይ ዚብለኒ ዅሉ ናብ መንግሥተ ሰማያት ኣይኣቱን እዩ. . . ” (ማቴ. ፯፥፳፩/7፡21) ከምዝብለና ኣብ ኵሉ ናብራ ሕይወትና ብፍቓዱ ክንመላለስ ይግብኣና ነዚ ንምግባር እግዚአብሔር ብጸጋኡ ይደግፈና!

ስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195