banner

ኃምስቱ ከለባት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ኃምስቱ ከለባት

ኣብ ኅብረተሰብና ከልቢ ምስቲ ኣብ ምሕላው ንብረት ቤት፡ ጥሪትን ካልእን ዘለዎ ዕዙዝ ተራ ምስ ሰብ ጽቡቕ ዝምድና እኳ እንተለዎ ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ግና ጽቡቕ ምሳሌ የብሉን። ኣብ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ከም ርኹስን ፍንፉንን ፍጥረት ይረአ ነበረ።ንጉሥ ዳዊት ንርእሱ ብትሕትና “ዝሞተ ከልቢ” ኢሉ ምግላጹ ከልቢ ክሳዕ ክንደይ ንዑቕን ትሑትን ኮይኑ ከም ዝርአ ንርዳእ። (1ይ ሳሙ. 24፥14)። መስፍን ጌዴዎን ብእግዚአብሔር “ከም ከልቢ ብመልሓሱ ንዝሰቲ ዅሉ ንበይኑ ፍለ” ተባሂሉ ምስ ተኣዘዘ፡ ካብቶም ንውግእ ዝተዳለዉ 10 ሽሕ ሰባት ከም ከልቢ ዝሰተዩ 9,700 ሰባት ተሰጕጎም እዮም። (2ይ ሳሙ. 9፥8)። መናፍቃንን መስሓትን ውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኣኽላባት ተመሲሎም እዮም።


ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ፡ “እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመንዝራታትን ቀተልቲ ሰብን መምለኽቲ ጣዖትን፡ ኵሎም እቶም ንሓሶት ዚፈትውዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ግና ኻብታ ኸተማ ወፃኢ እዮም።” (ራእ. 22፥15) ኢሉ ንዝገለጾም ሓደ ብሓደ ምስ ንርእዮም፦

1. ጠንቋሊ
ጠንቈልቲ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ነቲ “ካልእ ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሃልኹም” ዝበለ እግዚአብሔር ክሒዶም፣ ንርእሶም ኣብ እግሪ ኣጋንንቲ ኣግዚኦም ምስኦም እናተራኸቡ ብምትሓትን ብናይ ሓሶት ተኣምራትን ብዘረባ ንሰባት ዘደናግሩ እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ጥንቈላ ዝነበሮም ዝተፈላለዩ ሰባት ተገሊጾም ኣለዉ (1ይ ሳሙ. 28፡7-14፤ ግብ. 8፡9-25፤ ግብ. 16፡1-18)።
ጥንቈላ፡ ቅድም ኣብ ሥዉር ቦታ ካብ ሰባት ርኂቕካ ዝግበር ዝነበረ፡ ሎሚ ግና መልክዑ ለዊጡ፡ ስም እግዚአብሔርን ቅዱሳንን ብምልዓል፡ ቅዱሳን ኣሣእል ብምጥቃም፡ ማየ ጸሎት ብምእዛዝን ባህላዊ መድኃኒት ዝብል ስም ብምጥማቕን ንሰብ ብዘደናግር መንገዲ መጺኡን ይፍጸምን ኣሎ። ከይሓነኹ ውን እዚ ግብሪ እዚ ጸጋ ኣምላኽን ረድኤት ቅዱሳንን ከም ዝኾነ እናነገሩ ንልቢ ብዙኃን ምእመናንን ምእመናትን ይሰልቡ ምህላዎም እዩ። እዚ ግና ጸጋ እግዚአብሔር ዘይኮነ ሥዉር ሰይጣናዊ ምትላል ምዃኑ ኣብ ፍሬኦም ዝርአ ናይ ጐደና ምሥጢር እዩ።
“ናብታ እግዚአብሔር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ከም ጽያፍ እቶም ሕዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሃር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜኅልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደመናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታን ዚሓትት፡ ኣባኻ ኣይረኸብ. . .’’ ብምባል እግዚአብሔር ኣምላኽና ንጠንቈልቲ፣ መሠርያን . . . ከምዚጽየፎምን ከም ዚፍንፍኖምን ይገልጸልና። (ዘዳ. 18፡9-14)።

ስለዚ ዝጠንቈለ፡ ዘጠንቈለ፡ ሥራይ ዝገበረን ዘግበረን፥ ቤቱን ሰብነቱን ካብ ፍቕሪ እግዚአብሔር ዘርኃቐን ካብ ሓለዋ መላእኽቲ ዕንቅፋት ኣጋንንቲ ዝመረጸን ምዃኑ ንፍለጥ። ከምኡ ውን ኵሉ ሓደ ፍርዲ ከምዘለዎ ተረዲእና፥ ኣብ ቤትና ወይ ሰብነትና፥ ሡር፡ ቍጻርን ክታብን ካብ ምግባርን ናብ ጠንቈልትን ሠረይትን ካብ ምኻድን ክንቁጠብ ይግብኣና።

2. ኣመንዝራ
ምንዝርና ካብ ሕጋዊ መርዓ ወፃኢ ዚግበር ሥጋዊ ርክብ እዩ። ነቲ ኣቐዲሙ እግዚአብሔር ኣምላኽና ብሕገ ልቡና ከም ዚፍለጥ ዚገበሮ፡ ዳኅራይ ድማ ብሕገ ኦሪት “ኣይትዘሙ” ብምባል ዚኣዘዞ ብምጥሓስ ዚግበር ኃጢኣትን ነውርን እዩ። (ዘፍ. 39፥9፤ ዘፀ. 20፥14)።
ዝሙት ናብ ዝተፈላለዩ ናይ ኃጢኣት ደረጃታት ዘቃልዕ፣ ዝተፈላለዩ ሳዕቤናት ከም ክብረ ንጽሕና ምስኣን ዘይተደልየ ፅንሲ፡ ውርደት፡ ፍትሕ፡ ሓሶትን ቅትለትን ኣብ መወዳእታ ድማ ሃይማኖትካ ሸለል ኢልካ ንእግዚአብሔር ክሳዕ ምኽሓድ ዘብጽሕ እዩ። ዝሙት፡ ብሩካቤ፡ ብትምኒት፡ ብስምዒት ኣብ ልቡና ብምምልላስ፡ ብሕልሚ ... ወዘይመስሎ ዚፍጸም እዩ። ማቴ 5፥27-28።
ኣብ (ዘዳ 23፥18) ኣመንዝራታት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላኽ ፍንፉናትን ኣኽላባትን ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ።
ስለዚ ሎሚ ካብዚ ኃጢኣት እዚ ምእንቲ ክንሃድም ብኣካይዳናን ኣተሓሳስባናን ክንጥንቀቕ፡ ናብኡ ካብ ዝደፋፍኡ ነገራት ክንሃድም፣ ጊዜና ኣብ ጸሎት፡ መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ክርስቲያናዊ ምግባራትን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምንባብን ከነኅልፎ፣ ንነብረሉ፡ ንውዕለሉ ከባብን ኣዕሩኽን ብጥንቃቐ ክንመርጽን ፍቕሪ እግዚአብሔር ክንሓስብን ክንዝክርን ይግባእ።

3. ቀታሊ ሰብ
ሰብ ንኻልእ ዝበደሎ ኪኽሕስ፡ ንዝጸረፎ ይቕረታ ኪሓትት፡ ንዘኅደጎ ኪመልስ ይኽእል ይኸውን፡ ቅትለት እንተ ፈጺሙ ግና ነቲ ዚቐተሎ ሰብ ሕያው ኪገብሮ ኣይክእልን እዩ። ብተወሳኺ እቲ ዝሞተ ሰብ ዘይተነስሐ ምስ ዚኸውን እቲ ብንስሓ ዚርከብ ተስፋ ዘለዓለማዊ ሕይወት ፈጺሙ ስለዝጽልምት ኃጢኣት መዋትን ቀታልን ዝኸበደ ይኸውን። (ዘፍ. 4፡10፤ ዘፍ. 4፡14-15፤ ማቴ. 23፡35-37)።
ቅትለት ዓይነቱ ብዙኅ እዩ። ብግብሪ ጥራሕ ዘይኮነስ ብሓሳብን ትምኒትንውን ዚፍጸም እዩ፥ “እቲ ንኃዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ።” (1ይ ዮሓ. 3፡15) ከም ዝብል።
ብካልእ መንገዲ፡ ብዘጸይፍ ጠባይ ንሰብ ምጕሃይ፣ ንሰብ ምንዓቕን ምጽራፍን ብሓፈሻ ንሕሊና ሰብ ዘቝስሉ፡ ዕረፍትን ሰላምን ዚኸልኡ፡ ቀስ ብቐስ ውን ናብ ሞት ዚመርሑ ብምዃኖም ገለ ካብ ዓይነታት ቅትለት እዮም። ብኸምዚ ምኽንያት ናይ ዝሞተ ሰብ፡ ኣማውታኡ እግዚአብሔር እምበር ሰባት ኣይፈልጥዎን እዮም።
እምበአር ንሕና ውን፣ ፈሊጥና ብድፍረት፡ ከይፈለጥና ብስሕተት ኣብ ምኽንያት ሞት ሰብ፡ ኢድ ከይህልወና ንጠንቐቅ።

4. መምለኺ ጣዖት
ኣምልኾ ጣዖት ኪበሃል ከሎ “ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሃልዉኻ” (ዘፀ 20፡3) ንዝብል ኣምላኻዊ ትእዛዝ ጥሒስካ ንእግዚአብሔር ገዲፍካ ንሥራሕን ዝናን እዚ ዓለም’ዚ ምምላኽን ምስዓብን ማለት እዩ።
ጐይታ “ብዙኃት ኣኽላባት ከቢቦምኒ ኣለዉ” ንዝብል ናይ ነቢይ ዳዊት ቃል ብምጥቃስ ነቶም ንግብርታት ኃይሉ ዚኸሓድዎ ኣይሁድን ሮማውያንን ብኣኽላባት መሲልዎም እዩ (መዝ. 21፡6)። “ዝተቀደሰ ነኽላባት ኣይትሃቡ” ማለት ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ንመናፍቓን ኣይትግለጹ ኢሉ ውን ጐይታ ንመናፍቓን ብኣኽላባት መሲልዎም እዩ።(ማቴ. 7፡6) ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ውን “ካብ ኣኽላባት ተሓለዉ” ብምባል ካብ ትምህርቲ መናፍቓን ክንሕሎ ከም ዝግብኣና ምሂሩ እዩ። (ፊል. 3፡2) ኣሕዛብ ውን ብምኽንያት ጠባዮም ብኣኽላባት ይምሰሉ እዮም(ማቴ. 15፡26)።
ሎሚ፡ ብፍላይ ኣብ ሃገርና፡ ንፍጥረታት ከም እኒ ፀሓይ፣ ወርሒን ከዋኽብቲን ወይ ንዝተጸርበ ዕንፀይቲ ብግሉጽ ዘምልኽ የልቦን። ኣብዚ ጊዜ እዚ ዘሎ ዓይነት ጣዖት ግና፡ ካብቲ ብቕርጽን ምስልን ዝነበረ ቐዳማይ ዘመን ዚፍለን ጥበብ ሰይጣን ዚተሓወሶን ዓይነት እዩ። ንሱ ድማ ፍቕሪ ገንዘብ፡ፍቕሪ ንዋይ፡ ትውክልቲ ኣብ ስሙያት ሰባት(ሃብታማት፣ ሰበሥልጣን፣ ደረፍቲ፣ ገጠምቲ፣ ስፖርተኛታት ፣ ተዋሣእቲ፣ ኣዝማድካ. . . (ግብ. 5፡29)፤ ኣብ ርእስኻ ምውካል (ትዕቢት፣ ንዝና ምጽዓት፣ ፈላጥ ፡ ቅኑዕ እየ ምባል (ግብ. 12፡21-23)፤ ንኣጋንንትን ልኡኻቶም ንዝኾኑ ጠንቈልቲ፤ ኮኾብ ቈጸርቲ፤ ዕንቊ ዚብትኑ. . . ምስዓብ (መዝ. 95፡5) እዩ።

5. ሓሳዊ
ሓሶት ማለት ንኣሉታዊ እወታዊ፣ ንእወታዊ ድማ ኣሉታዊ ጌርካ ንኻልእ ሰብ ጊጉይ መረዳእታ ምሃብ ማለት እዩ። መጠኑ ዝኃለፈ ምስጋናን ኣድናቖትን ውን ሓቅነት ዘይብሉ ሓሶት እዩ። እዚ ብልሳን ዚፍጸም ኃጢኣት ኮይኑ፡ ኣቦ ሓሶት ድማ ዲያብሎስ እዩ። (ዮሓ. 8፡44) ዚሕሱ ዘበለ ዅሉ ውን ብግብሩ ይኃብሮ።
ሓሶት፡ ንጊዜኡ ዋላ’ኳ ሠናይ መሲሉ እንተቐረበ ናይ ሓሶት ናብራ ግና ክፉእ እዩ። ሓሶት፡ንድፍረት ከም ጅግንነት፣ ንዕሽነት ከም ጥበብ፣ ንደጋዊ ትሕትና ከም ጽድቂ ከም ዚቝጸር ዚገብር ብሠናይ ግብሪ ዝተሸፈነ ግና ኸኣ ክፉእ ግብርታት ዝመልአ እዩ። ነዚ ዚገብር ኵሉ ድማ ካብ ፍቕሪ እግዚአብሔር ዚረኃቐ እዩ።
ሓሶት ብእግዚአብሔር ዝተጸልአ ኃጢኣት እዩ (ምሳ. 12፡22)። ሓሶት ብርእስኻ ካብ ዘይምትእምማን፣ ፍርሂ፣ ኃላፍነትካ ብግቡእ ካብ ዘይምፍጻምን ካብ ድኹም ጠባይን ዚምንጩ እዩ። ዚሕሱ ሰብ ብሰባት ኣይእመንን፣ ሓቂ እንተተዛረበ ውን ዚቕበሎ ኣይረክብን እዩ።
ምእንቲ እዚ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ካብ ሓሶት ክንርኅቕ ይምህሩና። (ዘሌ. 19፡11፤ ኤፌ. 4፡25) ኣቦታትና ውን ብሓሶት ንዝበደልናዮ ይቕሬታ ክንሓትት፣ ሓሶት ከይንዛረብ ስቕታ ክንመርጽ፣ ሓቂ ንምዝራብ ክንተግህን ካብ ብዙኅ ምዝራብን ወረን ክንርኅቕን እዮም ዚምህሩና።

* ስለዚ ምስ’ዞም ኣብ ላዕሊ ዝረአናዮም ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽ ኅብረት ዘይብሎምን፣ ካብታ ቅድስቲ ኸተማ ወፃኢ ዘለዉን ኣኽላባት ኢሉ ቅዱስ መጽሓፍ ዚመሰሎም ከይንኃብር ንጠንቀቕ።

ነዚ ኸኣ ናይ እግዚአብሔር ምሕረት፣ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት፣ ናይ ኵሎም ቅዱሳን ጸሎትን ረድኤትን ኣይፈለየና፣ ኣሜን።

ስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195