banner

ዳግማይ ትንሣኤ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዳግማይ ትንሣኤ

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቱ ብኃይሊ ሥልጣኑን ግርማ መለኮቱን ንሞት ስዒሩ ተንሥአ። “ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምዉታን ተንሥአ። በዚ ኸኣ ናይቶም ዝሞቱ በዅሪ ትንሣኤ ኾነ” ኢሉ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝተዛረቦ፡ ጐይታ ምስ ተንሥአ፡ እቶም ኣቐዲሞም ዝተነበዩ ትንቢታትን ዝተመሰሉ ምሳሌታትን ተዘንጊዖም፡ ብትንሣኤኡ ሓደ እዃ ዝኣመነ ኣይተረኽበን ነበረ።

ከምቲ ወንጌላዊ ዮሓንስ ዝገለጾ ፡ “በታ ቐዳማይቲ መዓልቲ ሰሙን ማርያም መግደላዊት ገና ጸልማት ከሎ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጽአት እቲ እምኒ ኸኣ ኻብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ። ስለዚ ንሳ ጐይያ ናብ ስምዖን ጴጥሮስን ናብቲ ኢየሱስ ዜፍቅሮ ኻልእ ወደ መዝሙርን መጺኣ ‘ንጐይታና ኻብ መቓብር ወሲዶምዎ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኣይንፈልጥን’ በለቶም።”

በዚ እቶም ደቀ መዛሙርት ንቓል ጐይታ ረሲዖም ካብ መቓብር ዝወሰድዎ መሲልዎም ጐይዮም ናብ መቓብር ከይዶም እንተሰኣንዎ፡ ፈሪሆም ናብ ገዛ ብምእታው መዓፆኦም ሸጕሮም ይጽበዩ ነበረ። እታ ተስፋ ዘይቈረጸት ማርያም መግደላዊት ደጋጊማ ናብ መቓብር ጐይታ ብምምልላስ ሬሳ ጐይታ ብምድላያ ትንሣኤ ጐይታ ንኽትርእን ንኽተበሥርን በቕዐት።

እቶም ደቀ መዛሙርት ነቲ ዝኸውን ይጽበዩ ብምንባሮም ጐይታ ከምቲ መቃብር ክፈቱሉይ ከይበለ ዝተንሥአ መዓፆ ክፈቱለይ ከይበለ ኣትዩ ትንሣኤኡ ኣበሠሮም።

ኣብዚ ጊዜ ግና ምስኦም ዘይነበረ ኻብቶም ደቀ መዛሙርት ሓደ ዝኾነ ቶማስ ትንሣኤ ሙታን ካብቶም ዘይኣምኑ ሰዱቃውያን ብምንባሩን ንሳቶም ትንሣኤ ክርስቶስ ርእዮም እቲ ዚርኣይዎ ክምህሩ ኸለዉ ኣነ ድማ ሰሚዐ ኽብል ብምባል፡ ትንሣኤ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተበሠረ “ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኣእዳዉ እንተ ዘይረኣኹ፡ ኣጻብዐይ ድማ ኣብቲ ዝተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹ፡ ኣብ ጐድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ ኣይኣምንን እየ” በሎም። (ዮሓ. 20፡25)

በዚ ምኽንያት እዚ ጐይታ ድኅሪ ሸሞንተ መዓልቲ ዳግማይ ኵሎም ከም ቀደሞም ኣብ ዕጽው ቤት ኸለዉ ተገሊጹ ‘ሰላም ንኣኻትኩም’ ኢሉ ደጊሙ ትንሣኤኡ ኣበሠሮም፡ ንቶማስ’ውን ጸዊዑ ‘ነቲ እተሸንከረ ኣእዳወይን ዝተወግአ ጐነይን ረኣ’ ብምባል እምነቱ ኣጽንዓሉ። ቶማስ'ውን ከምቲ ድሌቱ ነቲ ዝተሸንከረ ጐድኑ ዳሕሲሱ ኣምላኽነት ጐይታ ኣሚኑ "ጐይታይን ኣምላኸይን" ብምባል መስኸረ። ነዚ ደጊሙ ትንሣኤኡ ዘበሠረሉ ዕለት ድማ ‘ዳግማይ ትንሣኤ’ እናተባህለ ይጽዋዕ እዩ።

ስለዚ ሕዝበ ክርስቲያን ፡ ነዚ ብትንሣኤኡ ዝረኸብናዮ ተስፋ ድኅነት ክንሕጐስ ከለና፡ ጐኒ ጐኒ’ውን ናብኡ ዘብጽሓና መከራ መስቀል እናዘከርናን እናኣስተንተንናን ከነብዕሎ ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ትንሣኤ ዝተረኽበ ዓወት ብዋጋ’ቲ ኣብ መስቀል ዝተገብረ መሥዋእትነት ስለዝኾነ።

ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ፡ ድኅሪ በዓለ ትንሣኤ ዘለዉ 50 መዓልትታት “ወርኀ ትንሣኤ” ዝበሃሉ ወርኀ ፍሥሓን ሓጐስን ብፍጹም መንፈሳውነት ከነኽብር ሠሪዓትልና ኣላ። ብጐይታና “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” ዝተባህሉን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሉን ሓዋርያት ንትንሣኤኡ ብትብዓት ከምዝመስከሩ (ዮሓ. 20፡21-22) ንሕና ድማ “ክርስቶስ ብኃይልን ሥልጣንን ተንሥአ፡ ንሰይጣን ኣሰሮ፡ ንኣዳም ናፃ ኣውፅኦ፡ ካብ ሕጂ ሰላምን ፍሥሓን ኮይኑ እዩ።” እናበልና ነገረ ትንሣኤኡ ክንእውጅ ይግባእ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195