banner

እንቋዕ ናብ በዓለ ዕርገት ኣብጽሓና!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እንቋዕ ናብ በዓለ ዕርገት ኣብጽሓና! 

ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብኣይሁድ ተታኂዙ መከራ መስቀል ተቐቢሉ ብሥጋ ሞይቱ ናብ መቓብር ወረደ። ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ እኳ ንሞት ስዒሩ እንተ ተንሥአ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብፍርሂ ቤቶም ዓጽዮም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታን ጊዜን ጐይታ ተገሊጹ ሞይቱ ከም ዘይተረፈ ከም ዝተንሥአ ‘ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን’ እናበለ ኣበሠሮም። በዚ ኸኣ ንኣርብዓ መዓልትታት እናተገልጸ መሃሮም።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ ቅድሚ ዕርገቱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ብጉባኤ ሠሪዑ ዝመሃሮም ሠለስተ መዓልቲ’ዩ። ንሳተን ኸኣ፦

1. ትንሣኤ፦ ዮሓ. 20፡19 ሉቃ. 24፡36
2. ዳግም ትንሣኤ፦ ዮሓ. 20፡26
3. ኣብ ባሕረ ጥብርያዶስ፦ ዮሓ. 21፡1-3

ብሓፈሻ ግና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ ቅድሚ ዕርገቱ ኣብ ዝጸንሓለን ኣርብዓ መዓልትታት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንኽልተ ንሠለስተ እናተገልጸ ዘይመሃረሉ ጊዜ የልቦን። ካብዚ ንምጥቃስ ዝኣክል ግና፦

1. ንማርያም መግደላዊት፡- ዮሓ. 20፡11
2. ንቕዱሳት ኣንስት፦ ማቴ. 28፡9-10
3. ንሉቃስን ኒቆዲሞስን፡- ሉቃ. 24፡13
4. ንሓዋርያ ጴጥሮስ፡- ሉቃ. 24፡34 1ይ ቆሮ. 15፡5
5. ንሓዋርያ ያዕቆብ፡- 1ይ ቆሮ. 15፡7
6. ን5ቱ ምእት ቢጽ፡- ማቴ. 28፡16 1ይ ቆሮ. 15፡6 (. . . ወዘይመስሎ)

ካብ ዝትንሥእ ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቱ፡ ደቀ መዛሙርቱ ይጽልይሉ ናብ ዝነበሩ ቤት ከይዱ እምነቶም ኣጽኒዑ እቲ ኺገብርዎ ዚግባእ ምስ ነገሮም ናብ ቢታንያ ኂዝዎም ከደ። ብድኅሪኡ ኢዱ ኣልዒሉ እናባረኾም “እንሆ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ ንስኻትኩም ግና ኻብ ኣርያም ኃይሊ ኽሳዕ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ” ኢሉ ኣዚዝዎም ንሰማይ ዓረገ።

ንሳቶም ጐይታ ኻብኣቶም ብምፍላዩ ኃዚኖም ናብ ላዕሊ ኣንቃዕሪሮም እናጠመቱ ኸለዉ ኽልተ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸድኑ መላእኽቲ ተገሊጾም “ኣቱም ሰብ ገሊላ ስለምንታይ ኢኹም ናብ ሰማይ ኣማዕዲኹም እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ዝረኣክምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኺመጽእ እዩ” በልዎም።

ብድኅር’ዚ ደቀ መዛሙርቱ በቲ ጐይታ ዝሃቦም ተስፋን በቲ መላእኽቲ ዝነገርዎምን ተጸናኒዖም ክሳዕ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዚቕበሉ ኣብ ቤተ እግዚአብሔር ጸኒዖም ጸሎት እናገበሩ ጸንዑ። ሉቃ. 24፡44 ግብ. ሓዋ. 1፡6-11

ወስብሐት ለእግዚአብሔር 
ወለወላዲቱ ድንግል 
ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195