banner

ጾም መሠረት ኵሉ ትእዛዝ እዩ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጾም መሠረት ኵሉ ትእዛዝ እዩ

ጾም ዝተጀመረ ኣብ ጊዜ ኣዳም እዩ። እግዚአብሔር ንኣዳም በኣምሳሉን ብመልክዑን ፈጢሩ ውልድነት ሂቡ ኣብ ገነት ኣንበሮ። ብዛዕባ መግቡ ድማ እዚ ብላዕ እዚ ኣይትብላዕ ኢሉ ኣዘዞ። እግዚአብሔር ንኣዳም ንዕፀ በለስ ኣይትብላዕ ዝበሎ ጾምን ተኣዛዝነትን ክምህሮ ማለት ፍጡርነቱ ኸረድኦ ነበረ፡ ነቲ ዝኣዘዞ ምስ ዝፍጽም ድማ ናብ ዝዓበየ ኽብሪ ኸሰጋግሮ ነበረ። ኣዳም’ውን ብሰበይቱ ሔዋን ብምኽሪ ሰይጣን ተታሊሉ ብላዕ ንዝበሎ ገዲፉ ኣይትብላዕ ንዝበሎ ዕፀ በለስ በሊዑ ናይ ፈጣሪ ትእዛዝ ኣፍረሰ። ትእዛዝ ፈጣሪኡ ብምፍራሱ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ሞተ ሥጋ ሞተ ነፍስ ተፈሪድዎ ካብ ገነት ተሰጐ። (ዘፍ. 2:-17-18) ስለዚ ዘይተፈቕደልካ ምብላዕ መሠረት ኃጢኣት፡ ብሥርዓት እንጾሞ ጾም ድማ መሠረት ጽድቅን ትሩፋትን ኮነ።

ክቡር መንእሰይ ኣብ ላዕሊ ከም ዝተጠቕሰ ጸላኢና ዝኾነ ሰይጣን፡ ንኣቦና ኣዳም “ዕፀ በለስ እንተደኣ በሊዕካ ኣምላኽ ክትከውን ኢኻ” ብምባል ሓቂ ብዘይኮነ ትምህርቲ ኣስሒቱ ንሞት ከም ዘፍረዶ ሎሚ’ውን ትምህርቲ ክርስቶስ ዘይኮነ ናይ ሰይጣን ትምህርቲ እናመሃሩ “ጾም ይኹን ትህርምቲ ኣይረብሕን ዝጠቕሞ የብሉን ብልዑ፡ ስተዩ ተሓጐሱ ባህ ይበልኩም” ብምባል ነቶም ሓቀኛታት ክርስቲያን ዘስሕቱ ብዙኃት ኣለዉ። ብዛዕባኦም ድማ “ማንም ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ፡ ብዙኃት ኣነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ብስመይ ክመጽኡ እዮም። ንብዙኃት’ውን ከታልሉ እዮም” ዝብል መጠንቀቕታ ኣቐዲሙ ስለዝተነግረና ጐዳኢናን ጠቓሚናን ፈሊና ምፍላጥ ናትና ብጽሒት እዩ። (ማቴ 24:-4 ማቴ 7:15-19 ምሳ 24:-11)።

ካብ ምንታይ ክንጸውም ይግባእ

ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያንና ናይ ጾም ሃይማኖታዊ ትርጕም ንፈጣሪ መለመኒ ንኃጢኣት መደምሰሲ ስለዝኾነ ኣብ ወርኃት ጾም ንባህታ (ሓጐስ) ንምቾት ንጣዕሚ ዝብልዑ ወይ ድማ ንመንፈሳዊ ኃይሊ ዝቃረኑ ንሥጋዊ ፍትወታት ካብ ዘበራትዑ ምግብታትን ካብ ኣልኮላዊ መስተን፡ ኻብ ጥልላት ከም ጸባን ናይ ጸባ ውፅኢትን ኵሉ፡ ሥጋ ናይ ዝኾነ ዓይነት እንስሳ ኃጢኣትን፡ ክፉእ ግብርን ክንጸውም ኣሎና።

እዚ ሥርዓት እዚ ኻብ ቀደም ካብ ኣቦታትና ዝመጽአ እዩ፦ ነቢይ ዳንኤል “እተን ሠለስተ ናይ ጾም ሰሙን ክሳዕ ዚፍጸማ ጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩን ሥጋን ወይንን ናብ ኣፈይ ኣየእቶኹን፡ ዘይቲ’ውን ኣይተለኼኹን።” ዳን. 10፡2 ዘማራይ ዳዊት “ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ፡ ሥጋይ ከኣ ኻብ ስብሑ ዐበረ” መዝ. 109፡24 ነቢይ ኢሳይያስ ድማ እግዚኣብሔር ጾምና “ብባእስን ብምክርኻርን ብሕሱም ምውቃዕ ጕስጢትን ግዙኣት ብምግፋዕን” ምስ ዝኸውን ከም ዘይቅበሎ የረድኣና። ኢሳ. 58፡3

መጽሓፍ ሕጊ ቤተክርስቲያንና ዝኾነ ፍትሓነገሥት 15 ድማ “ኣብተን ዝተኣዘዛ ሾብዓተ ኣጽዋማት ክሳዕ ሰዓት 3(9) ጹሙ ሥጋን ጥልላትን ኣይትብልዑ። ካብቲ ዝተኣዘዘ ኣብሊጹ ዝጾመ ድማ ዝበዝኀ ዋጋ ይረክብ ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ግና እንትርፎ ጥልላት ኣይትጽሙ።” ይብል።

ስለዚ ጾም

* ሰብነት ኻብ ኵሉ ዝድልዮም ነገራት ምኽልካልን ንዝተወሰነ ጊዜ ካብ ጥልላትን ዝኾነ ዓይነት ምግብን ምኽልካል እዩ። (ፍት.መን ኣን 15 ማቴ 6፦16)
* ዋና ዕላማኡ ፈቃደ ሥጋ ንፈቃደ ነፍስ ክትእዘዝ ምግባርን በደል ንምስትስራይን ናይ ነፍሲ ዋጋ ንምብዛኅ እዩ። 
* ምስ ሃይማኖት ርክብ ስለዘዎ ናይ ኣፈጻጽምኡ ሥርዓት ይፈላለ እምበር ንዅሉ ሃይማኖት ንዘለዎ ጾም ኣለዎ። ብፍላይ ኣብ ብሉይ ኪዳን ጾም ክብ ዝበለ ቦታ ነይርዎ። ናይ ብሉይ ኪዳን ነቢያት ምስ እግዚአብሔር ኣብ ዝራኸብሉ ወርኃት እኽለ ማይ ብኣፎም ኣየእትዉን ነይሮም። (ዘፀ 34:-28) ብኃጢአት ብዝኂ ዝተኣዘዘ ናይ እግዚአብሔር መዓት ቁጥዓ ዝምለስ ሕዝቡ ብጾም ክልምንዎን ክማልድዎን እንከለዉ እዩ። (ዮና 3:7-10 ኢዩ 2:12-18) “ብጾምን ብብኽያትን ብቁዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ ኽዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደአ ቕደዱ” ይብል ኣሎ።
* ቅኑዓት ሰባት ኵሉ ዝደለይዎ ዝረኽቡ ብጾምን ጸሎትን ንፈጣሪኦም ለሚኖም እዩ። (መጽ.ዕዝ. 8፡21-23 ነህ 9:1-3 ኣሰ 4:16-17 ግብ.ሓዋ. 10:-31፣ 13:2-3)
* ጾም ሓደ ኻብ መንፈሳዊ ሥነ ምግባር ብቐዳምነት ዝጥቀስን እዩ። “እስመ ጾም እማ ለጸሎት ወእኅታ ለአርምሞ፡ ወነቅዓ ለአንብዕ፡ ወጥንተ ኵሉ ገድል ሠናይት” ይብል መጽሓፈ መነኮሳት። ጾም ብብልዒ ምኽንያት ናብ ዓለም ንዝመጽአ ኃጢኣትን ንሱ ዘኸተሎ ሞትን ኻብ ሱሮም ተነቒሎም ዝጠፍኡሉን፡ ዝጠፍአ ናይ ሰብ ሕይወት ዝተሓደሰሉን እዩ።

ክቡር መንእሰይ ክርስቲያን ዝኾንካ! ንጉሥ ሰሎሞን ንሰብ ናይ ጭንቂ መከራ መዓልቲ ከይመጽኣካ (ከየርከበካ ኸሎ)ብጊዜ ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክር (ሕሰብ) ንእግዚአብሔር ፍራህ ንትእዛዙቱ ድማ ሓሉ ብምባል ይመኽረና ። (መክ. 12:1-3) ምዕባለ ነቲ ኽፉእን ነቲ ጽቡቕን ኣጉሊሑ ዘርኢ መሣርሒ ኺኸውን ከሎ ንሕና ግና ቤተክርስቲያን ምኻድ፡ ጾም ምጻም ብፍላይ ናይ ካህናትን ናይ ኣረጋውያንን ተግባር እዩ ብምባል ነቲ ዅሉ መንፈሳዊ ሥራሕ ጠቕሊልና ናብ ውቅያኖስ ባሕሪ ኣጥሒልናዮ። መንእሰይ ኮነ ዓቢይ (ሽማግለ) ጽቡቕ ሥራሕ ዝሠርሑ ናይ እግዚአብሔር መንግሥቲ ንምውራስ እዩ። ንእስነት ይኃልፍ ጽቡቕ ሥራሕ ግና ኣይሓልፍን፡ ሞት ኮነ መቓብር፡ መንእሰይ ሽማግለ ከይበሉ ንዅሎም ይወስዱ።

ስለዚ ንጉሥ ሰሎሞን “ቈልዓ ዝኾነ መሳፍንታ ድማ ክበልዑን ክሰትዩን ዝኃድሩ ሃገር ወይልኣ። ንጉሥ ወዲ ክቡራን ዝኾነ መሳፍንት ድማ ንምስካር ዘይኮነስ ኃይሊ ኽረክቡ ብግቡእ ጊዜ ዝበልዑ ሃገር ብርኽቲ እያ። (መክ 10:16-18) ብምባል ዝተዛረቦ ቓል ምኽርን ተግሣጽን ኣስተውዒልና ፍልጠትን ምዕባለን ዝርከብ ኣንጊህኻ ብምብላዕን ጾም ብምስዓርን ከምዘይኮነ ተረዲእና ከም በዓል ዳንኤልን ሠለስቱ ደቂቅን ኣብ ጊዜ ንእስነትና ንእግዚአብሔር ኣገልገልቲ ንኹን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195