banner

ጋሻ ንምቕባል ንቀዳደም!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጋሻ ንምቕባል ንቀዳደም!

ጋሻ ምቕባል፡ ብዙኅ በረኸትን ጸጋን ዘውህብ እዩ። 7 ሓምሌ ኣቦና ኣብርሃም ጋሻ ብምቕባሉ፡ ኣጋእዝተ ዓለም ቅድስት ሥላሴ ኣብ ቤቱ ዝተኣንገዱሉን፡ ብዙኅ ጸጋን በረኸትን ዝሃቡሉን ዕለት እዩ።

1. እግዚአብሔር ብሓድነቱን ሠለስትነቱን ከም ጋሻ ኾይኑ ተገልጸሉ፣

ኣቦና ኣብርሃም ብሥነ ፍጥረት ተመራሚሩ ምስ በጽሖ እግዚአብሔር ኣምላኽ፡-

“ካብ ዓድኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ ዓዲ ኣቦኻን ውፃእ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ኸኣ ኺድ” ኢሉ ኣዘዞ። በዚ መሠረት’ዚ ካብ ቤቱን ሥድራኡን ምእንቲ ፍቕሪ እግዚአብሔር ተፈልዩ ናብቲ እግዚአብሔር ዝኣዘዞ ቦታ ከይዱ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ክነብር ጀመረ። ኣቦና ኣብርሃም ጋሻ ብምቕባል ፍሉጥን ብዘይ ጋሻ ዘይበልዕ ስለዝነበረ፡ ጋሻ እናተጸበየ ብቐትሪ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳኑ ተቐሚጡ ኸሎ እግዚአብሔር ተገልጸሉ። ሥላሴ ብኣምሳል ሠለስተ ሰብኣይ ናባኡ ክወርዱ ረኣየ እሞ፡ “ኦ ጐይታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ በጃኻ ንባርያኻ ጐሲኻኒ ኣይትኅለፍ፡ ኂደት ማይ ከምጽኣልኩም እሞ ኣእጋርኩም ተሓጸቡ ኣብ ትሕቲ እዚ ኦም ድማ ኣዕርፉ። ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ ኃለፍኩም ድማ ቍራስ እንጌራ ከምጽኣልኩም እሞ ብልዑ ብድኅሪኡ ትኃልፉ” በሎም። ንሳቶም ድማ “ኸምቲ ዝበልካዮ ግበር” በልዎ።

2. እግዚአብሔር ውላድ ከም ዝወልድ ኣበሠሮ

ኣቦና ኣብርሃም፡ ዋላ እኳ እግዚአብሔር ብዙኅ ጊዜ እናተገልጸ ኣቦ ብዙኃን ሕዝብታት ከም ዝገብሮ እንተነገሮ ውላድ ግና ኣይነበሮን። በዚ ጋሻ ምቕባል ሠናይ ተግባሩ እግዚአብሔር ብእንግድነት ኣብ ቤቱ ምስ ኣተወ ግና ኣብ እርግናኡ ውላድ ከም ዝህቦ ኣበሠሮ።

3. እግዚአብሔር ንኣቦና ኣብርሃም ዘለዎ ኽብርን ፍቕርን ገለጸ፡

እግዚአብሔር፥ “ነቲ ኽገብሮ ዘሎኒ ካብ ኣብርሃም ኣይኃብኦን እየ። ኣብርሃምሲ ዓቢይን ብርቱዕን ሕዝቢ ኺኸውን እዩ፡ . . . ብሰንኪ ሰዶምን ገሞራን ኣውያት በዝኀ፡ ኃጢኣተን ከኣ እምብዛ ዓቢይ ኾነ። ከምቲ ናባይ ዝበጽሐ ኣውያት ምግባሮምን ዘይምግባሮምን ምእንቲ ኽፈልጥ ወሪደ ኽርኢ እየ” በሎ። ኣቦና ኣብርሃም’ውን እዚ ምስ ሰምዐ ብፍርሃትን ብጥበብን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ደው ኢሉ “ጐይታይ ነቲ ጻድቕሲ ምስ ኃጥእ’ዶ ከተጥፍኦ ኢኻ፧ ምናልባት ኣብታ ከተማ ኃምሳ ጻድቃን. . . ክሳዕ ዓሰርተ ይርከቡ ይኾኑ እሞ ብርግጽ’ዶ ኸተጥፍኦም ኢኻ፧” ኢሉ ምእንቲ ሕዝቢ ሰዶም ለመነ። እንተኾነ ግና ኣብ ከተማ ሰዶም ዕሥራ ጻድቓን ኣይተረኽቡን።

እግዚአብሔር ኃጢኣት ሰዶም ንኣብርሃም ዝነገሮ ለውሃቱን ክብሪ ቅዱሳኑን ንኽገልጽ እዩ።

4. . . .

ስለዚ ጋሻ ምቕባል ካብቲ እግዚአብሔር ዝፈትዎ ሠናይ ግብሪ እዩ እሞ ኣሰር ኣሰር ኣቦና ኣብርሃም ክንስዕብ ይግባእ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195