banner

ትመስል መንግሥተ ሰማያት ኅጠተ ሰናፔ እንተ ነሥኣ ብእሲ ወዘርኣ ውስተ ገራህቱ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ትመስል መንግሥተ ሰማያት ኅጠተ ሰናፔ እንተ ነሥኣ ብእሲ ወዘርኣ ውስተ ገራህቱ/ መንግሥተ ሰማያት ሰብ ወሲዱ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል።” (ማቴ. 13፡31-32)

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌለ መንግሥት ከስተምህር ከሎ ብሥነ ፍጥረት ምሳሌ ገይሩ ይምህር ነበረ። ነዚ ዝገበረ ንሥነ ፍጥረት ምምርማር ናብ ፈጣሪኻ ምፍላጥ ስለዘብጽሕ እዩ። ሰብ ንፈጣሪኡ እንተ ፈሊጡ ድማ ሃይማኖት ይሕሉ፡ ሃይማኖት ምስ ሓለወ ድማ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ይኸውን። ሰብ መኅደሪ እግዚአብሔር እንተ ኾይኑ፡ ይትረፍ ነቲ ዓበይቲ ኃጣውእ፡ ንናኣሽቱ ኃጣውእ’ውን ኣይፍጽምን እዩ።


ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ፦ “አንትሙ ታቦቱ ለእግዚአብሔር / ንስኻትኩም ናይ እግዚአብሔር መኅደሪ ኢኹም” ዝበሎ ሰብ ኣብ ሃይማኖቱ ጸኒዑ ትእዛዛት እንተ ፈጸመን ብሕግን ሥርዓትን እንተተመርሐን መኅደሪ እግዚአብሔር ንምዃን ይበቕዕ።

ዋላ እኳ ዅሉ ክርስቲያን መኅደሪ እግዚአብሔር እንተኾነ፡ ነቲ ክርስቲያን ምዃኑ ዝፍለጠሉ ቤተ ክርስቲያን የድልዮ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ማለት ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ፣ ስብሐታትን ውዳሴያትን ዝበጽሓሉ፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝዳለወሉ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓትን ትውፊትን ዝንገረሉ . . . ቤተ እግዚአብሔር እዩ።

ንቤተ ክርስቲያን ዝበለጸ ጌጻ ቕዱስ ወንጌል እዩ። ቃል ወንጌል ንዘለዓለም ሓድሽ ሕጊ ብምዃኑ ኽስበኽ ከሎ ዅሉ ሳዕ ሓድሽ እዩ። ንሰብ ዘለዓለም ምስ ታሪኹ እናሐደሶ ይነብር። በዚ መሠረት ስብከተ ወንጌል፡ ጊዜን ኩነታትን ዶብን ወሰንን ከይገትኦ ኣብ ኵሉ ኺስበኽ ይነብር።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሳሌ ኺምህር ከሎ፡- “ትመስል መንግሥተ ሰማያት ኅጠተ ሰናፔ እንተ ነሥኣ ብእሲ ወዘርኣ ውስተ ገራህቱ ወይእቲ ትንእስ እምኵሉ አዝርእት ወሶበ ልኅቀት ተዐቢ እምኵሎን አሕማላት ወትከውን ዕፀ ዐባየ እስከ ያጸልሉ አዕዋፈ ሰማይ ታሕተ አዕፁቂሃ/ መንግሥተ ሰማያት ሰብ ወሲዱ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። ንሳ ድማ ኻብ ኵሉ ኣዝርእቲ ትንእስ፡ ምስ በቘለት ግና ኣዕዋፍ ሰማይ መጺአን ኣብ ጨናፍራ ኽሳዕ ዜዕርፋ ኻብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ ዝዓበየት ኦም ትኸውን።” (ማቴ. 13፡31-32) ብፍረ ኣድሪ እተመሰለት ብዛዕባ መንግሥተ ሰማያት እትሰብኽ ወንጌል እያ።

ወንጌል ሓንቲ ፍረ ኣድሪ ኾይና ተዘሪኣ እልፍ ኣእላፍ ፍረ ኣፍርያ። እቶም ዓሠርተው ክልተ ስድራ እግዚአብሔር ንጊዜኡ ቅዱሳን ሓዋርያት ነይሮም። ደኃር ሰብዓን ክልተ ኣርድእትን ሠላሳን ሽዱሽተ ቅዱሳት አንስትን ተወሲኾም፡ ብድምር ሚእትን ዕስራን ስድራ ኾይኖም።

ድኅሪ ዕርገት ጐይታ፡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሉ ሓዋርያትን ኣርድእትን ካብ ምኵራብ ወፃኢ እናሰበኹን እናእመኑን ፈረዩ። በዓል ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘፍረይዎም ኣብ ውሽጢ ቝሩብ መዓልትታት ሸሞንተ ሽሕ ማኅበረ እስጢፋኖስ ዝተባህሉ ማኅበር ኮኑ።

ቅዱሳን ሓዋርያት ናይ ጽድቂ መሃንድሳት ኾይኖም ኣብ ዘዝበጽሕዎ ቦታ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ዓለም፡ ስብከተ ወንጌል እናኣስፍሑ ምእመናን እናኣብዝኁ ሓነፅቲ ቤተ ክርስቲያን ኮኑ። መራሕቲ ሃይማኖት ጓሶት ሕዝቢ ዝኾኑ ጳጳሳት፡ ኤጲስ ቆጶሳት፡ ካህናትን ዲያቆናትን ሸሙ። እዚ ሥርዓትን ሢመትን’ዚ ናብ ሰዓብቶም ዝወራረስ ዝመኃላለፍ ስለዝኾነ ክሳዕ ሎሚ እናቐጸለ ይርከብ።

ቀጺሎም ሓዋርያነ አበው፡ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን፡ መምህራነ መጻሕፍት፡ ንጽሩይ ዘርኢ ቤተ ክርስቲያን ካብ ክርዳድ መናፍቕነት ሓልዮም፡ ትምህርተ ሃይማኖት ኣጽኒዖም ፍትሕ መንፈሳውን ሥጋውን ሠሪዖም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከም ዝሰጋገር ገበሩ።

እንሆ ድማ ዕርበት ዘይብላ ፀሓይ ስብከቶም ንዘለዓለም ብምልኣት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ ክርስቲያንን ተብርህ ኣላ። እዛ ብስሙ ዝተሓንፀት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መሠረታን ሕንፃኣን ሃይማኖት፡ መጽለሊኣን መንደቓን ሥነ ምግባር፡ ቀጽራ ሰላምን ፍቕርን፣ ሓነፅታን ኣዕኑዳን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን ቀሳውስትን ዲያቆናትን፡ ግርማኣ ሕዝበ ክርስቲያን፣ ኣኽሊላን ዘውዳን ባዕሉ እግዚአብሔር ስለዝኾነ ንዘለዓለመ ዓለም ፅንዕቲ ኾይና ትነብርን ትንበርን፡ ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195