
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ሕፃነ ቂርቆስ ወእሙ ኢየሉጣ
እቶም ብምኽንያት ልደት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጡብ ኣደኦም ጸጊቦም ዘይጠበዉ ክልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝኾኑ 144,000 ሕፃናት ብርጉም ሄሮድስ ተሰይፎም ብሰማዕትነት ምኅላፎም ናይ ሕፃናት ሰማዕትነት ፈቃደ እግዚአብሔር ምዃኑ ዘረድእ እዩ። እዞም ሰማዕታት ሕፃናት’ዚኣቶም፡ ነቶም ካብቲ ጊዜ እቲ ጀሚሮም ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ ስለ እግዚአብሔር ብግፍዒ ዝቕተሉ ሕፃናት ርስቶም ኾይኖም ኣብ ገነት መንግሥተ ሰማያት ብኽብሪ ይቕበልዎም።