በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ጾም፦ “ኣደ ጸሎት፡ ምንጪ ንብዓት፡ መሠረተ ጽድቅ”
ጾም፡ ካብ ‘ጸወመ፡ ጾመ’ ዝብል ግእዛዊ ቃል ዝወፅአ ኾይኑ ተኸልከለ፡ ተዓቀበ፡ ተቘጠበ ማለት እዩ። ብሕጊ ኣብ ዝተሠርዐ ንዝተወሰነ ጊዜ ካብ ዝብላዕን ዝስተን ምኽልካል፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ሕጉግ ጊዜ ጾም ካብ ጥልላት መባልዕን መስተን ማለት ሥጋ፡ ጸባ፡ እንቛቑሖ፡ ጠስሚ . . . ብተወሳኺ ካብ ዘስክር መስተ ምቑጣብ እዩ።
መምርሒ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ መጽሓፍ ፍትሓ ነገሥት’ውን “ጾምሰ ተከልኦተ ብእሲ እመብልዕ በጊዜ ዕዉቅ፣ በውስተ ሕግ/ ጾምሲ ብሕጊ ኣብ ዝተፈልጠ እዋን፡ናይ ሰብ ካብ መግቢ ምኽልካል እዩ” ይብል። ፍትሕ መንፈሳዊ አን. 15፣ ዲድ. አን. 29፣ ዳን. 10፡2-3
ጾም ማለት ንሰብነትና ካብቲ ኵሉ ዝጸበቐን ዝጠዓመን ብምሕሳም ንሕገጋትን ፈቃዳትን እግዚአብሔር ተገዛኢ ምግባር ከምኡ’ውን ኃይልን ፍትወትን ሥጋኻ ብምድኻም፤ ፍቓድ ሥጋኻ ንፍቓድ ነፍስኻ ከም እትግዛእ ምግባር እዩ። (ፍት. መን አንቀጽ 15፤ ማቴ. 6፥16)
ጾም ዓይንኻ ክፉእ ካብ ምርኣይ፣ እዝንኻ ክፉእ ካብ ምስማዕ፣ ልሳንካ ክፉእ ካብ ምዝራብ፣ እግርኻ ናብ ክፉእ ካብ ምኻድ፣ . . . ብሓፈሻ ሕዋሳት ሰብነትካ ካብ ክፉእን ኃጢኣትን ዘበለ ከልኪልካ፣ ካብ ካልእ ጊዜ ብዝተፈልየን ብዝያዳን ናብ እግዚአብሔር ምልማን፤ ምስኡ ዘራኽበካ ሠናይ ግብርን ትሩፋትን ምፍጻም እዩ። ሰማያዊ ርስቲ ክትረክብ ድማ “እግዚኦ ተዘከረነ በውስተ መንግሥተከ” እናበልካ ብዛዕባ ዘይትኃልፍ መንግሥቱ እትምኅጸነሉ ጊዜ እዩ። (ኢሳ 58፥7-14፤ መዝ. 34:11-17፣ መጽ. ድጓ)
ክንጸውም ዝኣዘዘ ባዕሉ እግዚአብሔር እዩ። እግዚአብሔር ጥቕሚ ዘይብሉ ስለዘይእዝዝ ድማ ጾም ዓቢይን ብዙኅን ጥቕሚ ኣለዎ። ጥቕሚ ጾም ዝፈልጡን ኣብ ሕይወቶም ዘስተማቐሩን ቅዱሳን ኣበው ንጾም “ኣደ ጸሎት፡ ምንጪ ንብዓት፡ መሠረተ ጽድቅ” ኢሎም ይገልጽዋ።