እግዚአብሔር ዝፈትወኩም ሕፃናት ከመይ ኣሎኹም፧ ናብዚ ሰዓትን እዝን ዕለትን ብሰላም ዘብጸሓና እግዚአብሔር ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ልበ ኣምላክ ኣቦና ቅዱስ ዳዊት ንዑ ደቂቅየ ወስምዑኒ ፈሪሀ እግዚአብሔር... ይቕጽል
ብኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ኣብ ዓመት ፯/7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኣለዉ። ካብዚኦም ሓደ ዓቢይ ጾም (ጾመ ፵/40) እዩ። እዚ ጾም እዚ መሥራቲኡ ፈጣሬ... ይቕጽል
ትሕትና ማለት ብኃይሊ፡ ምሕረት፡ ጸጋ ፡ ጥበብን ፍቓድን እግዚአብሔር እንተዘይኮይኑ ከንቱ ምዃንካ ፈሊጥካ፡ ንርእስኻ ምትሓት፡ ዘይምዕባይን ዘይምኽራዕን እዩ። እትፈልጥ ከሎኻ ከምዘይፈልጥ፡ ክቡር ከሎካ ከም ኅሱር፡... ይቕጽል
ብዕለት 15 የካቲት 2013 ዓ.ም.ግ (22/02/2021 ዓ.ም.ፈ ) ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ንልምዓታዊ መደባት ዝረድእ ዑደት ብኣባላት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተኻዪዱ!
16 የካቲት 2013 ዓ.ም. ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት ኣብ ኵለን ኦርቶዳክሳውያን ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጢን ወፃኢን ሃገር ክኽበር ከሎ፡ ኣብ ቅድስት ኪዳነ ምሕረት... ይቕጽል
ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል ንኡስ ሃገረ ስብከት በሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ፃዕዳ ክርስቲያን ጥንታዊ ቅርሲ ተረኺቡ።
ብዕለት 13 የካቲት 2013 ዓ.ም. ኣብ ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ድምያና ብኣቕራብነት እመምኔት ገዳም ኢታይ ወለተ መስቀልን ሽማግለ ገዳምን፡ ዓቃቤ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስን ብፁዕ... ይቕጽል
ኪዳን ፦ “ተካየደ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፅአ ኾይኑ፡ “ተመሓሓለ፡ ተሰማምዐ፡ ተወዓዓለ” ማለት እዩ። ኪዳን፥ ንኽልተ ሓደ ዝገብር ናይ ፍቕርን ሓድነትን መሓላ፣ መተኣማመኒ ውዕልን ዘይብተኽ... ይቕጽል
እቲ ክቡር ንጉሥ፡ መልእኽቲ ጥፍኣት ሃገሩ ምስ ሰምዐ ፈርሐን ረዓደን። ነዚ መልእኽቲ ብግብሪ እንተዘይፈጺምዎ፡ ሃገሩ ከምዘይነበረት ከም እትከውን፡ ካብ ሰብ ክሳብ እንስሳ ከምዝጸንት ኣብ ቅድሚ... ይቕጽል
ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ጾመ ነነዌ ኵል ሳዕ ዓቢይ ጾም ቅድሚ ምእታዉ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዘሎ ካብ ሰኑይ... ይቕጽል
ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት እዩ። ኣብ ነነዌ ዝቕመጡ ዝነበሩ ሕዝቢ ጾይሞም ምሕረት ከምዝረኸቡ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ድማ ከምኡ ምሕረት ንክረኽቡን ንመዘከርታ ጾም... ይቕጽል
ባሕታዊ ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ኣባ ኃይለማርያም ብዕለት 09 የካቲት 2013 ዓ.ም. ዓሪፎም፡ ኣብ ገዳሞም ሥርዓተ ቀብር ተፈጺምሎም።
ኵሉ ካብ እግዚአብሔር ዝተረኽበ፡ ናይ እግዚአብሔር ዝኾነን ንእግዚአብሔር ዝወሃብን እዩ። ንሱ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ኣምጺኡ፡ ብፍቕሪ ዝምግብን ናብቲ ዘዳለዎ ዝእክብን እዩ። “እግዚአብሔር ንምድሪ ኣብ... ይቕጽል
ቅዱስ ሲኖዶስ ብምኽንያት ሕማም COVID 19 ኣብ ወፃኢ ዝርከባ ኣህጉረ ስብከታትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ሓገዝ ከበርክታ ብዘቕረቦ መጸዋዕታ፡ ከም መቐጸልታ እቲ ኣቐዲሙ ካብ ሃገረ ስብከታት ኣሜሪካን... ይቕጽል
በዓል ውዕለትና ገባሬ ሠናይና ንዘፍቅረና'ዶ ዋላስ መዋረዲና ደላይ ክፉእና ዓንቂፉ ከውድቀና ንዝደሊ ጸላኢና ንፈቱ፧ ምስ ሃብታም፡ በዓል ጸጋ'ዶ ወይስ ምስ ንርእሱ ክኸውን ዘይክእል ድኻ ክንጽጋዕ... ይቕጽል
ያዕቆብ ማለት አኀዜ ሰኰና አዕቃጺ (ሓንኳሊ) ማለት እዩ። ነገዱ ካብ ነገደ ጋድ ሃገረ ስብከቱ ኢየሩሳሌም ዕረፍቱ 10 የካቲት ቍጽሩ ካብ 12 ሓዋርያት እዩ።
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ነፍስን ሥጋን ተዋሒዱ ምስ ተወልደ፡ ሕጊ መጽሓፋዊ ንምፍጻም ኣብ 40 መዓልቱ፡ መሥዋዕቲ ንምቕራብ ምስ ዮሴፍን ኣደኡ ድንግል... ይቕጽል
ኦ ጐይታና! ነቶም ዝፈትዉኻን ትእዛዛትካ ዝሕልዉን ኪዳንን ምሕረትን እተጽንዓሎም፡ ዓቢይን እትፍራሕን ኣምላኽ፡ ንሕና ካባኻ ዓሊና ኢና እሞ፡ ምሕረትን ይቕሬታንሲ ካባኻ ኢና እንረክብ። እቲ ኣብ ቅድሜኻ... ይቕጽል
ኣብ ሃገረ ኣንጾክያ ሶፍያ ዝስማ ቅድስት ኣደ ነበረት። ደቃ ሠለስተ ኣዋልድ ኮይነን ‘ጲስጢስ፡ ኣላጲስ፡ ኣጋጲስ’ ይበሃላ። ትርጓሜ ስመን ድማ እምነት፡ተስፋ፡ፍቅሪ ማለት እዩ። ሶፍያ ማለት’ውን ጥበብ... ይቕጽል
ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ሰፍኣ ምብራቕ ካብ ዓዲ ፈለስቲ ኣብ 1760 ሜትሮ ብራኸ ይርከብ። እዚ ገዳም’ዚ ብ1327 ዓ.ም. ብዓቢይ ጻድቕ ኣቦ... ይቕጽል
ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ዝርከብ ኮይኑ፡ ካብ ዓረዛ ንሸነኽ ደቡብ 33 ኪ.ሜ. ከምኡ’ውን ብመራጕዝ ንሸነኽ ምዕራብ ካብ... ይቕጽል
6. ንኡስ መረግድ፥ መዘምራን ቆይሞም፡ ጸናጽሎም ላዕልን ታሕትን እናበሉ፡ ከበሮ እናሃረሙ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት እዩ። ‘ንኡስ’ ዝተባህለሉ ምኽንያት ብኣተሃራርማ ከበሮኡ፡ ብኣወራርዳ ጸናጽሉ ከምኡ’ውን ካብ ጥሬ ዜማ... ይቕጽል
ንጕስነት ዝምልከቱ ኣዋጃት ኣብ ባይታ ንምትግባር ብቐዳምነት ተሠሪዑ፡ ክሥረሐሉ ምእንቲ ብብፁዓን ጳጳሳት ዝተረኽብሉ ናይ መንፈሳውያን ክፍልታት ኃለፍቲ፡ ናይ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ መራሕ ሥራሕን ዝምልከቶም መሣርሕቱን... ይቕጽል
ብዕለት 21 ጥር 2013 ዓ.ም.ግ፡ ሥርዓተ ተቀብኦ መዓርገ ዲቁናን ክህነትን ብብፁዕ ዋና ኣመኃዳሪ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ኣህጉረ ስብከታት ሰሜናዊን ደቡባውን ቀይሕ ባሕርን ዓንሰባን... ይቕጽል
ዓመት መጽአ 21 ጥሪ፡ ‘አስተርእዮ’ እናተባህለ ዝኽበር በዓለ ዕረፍተ ሥጋሃ ለማርያም ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ብዝማሬን ማኅሌትን፡ ብቅዳሴን ውዳሴን፡ ብሓፈሻ ብመንፈሳዊ ሥነ... ይቕጽል
እግዚአብሔር በቲ ዘይምርመር ጥበቡ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ንሰብ ከድኅን ኣብ ዝመደበሉ እዋን፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ምኽንያት ናይዚ ግብረ ምድኃን ኮነት። ከመይ! ንሳ ወሊዳ ዘረከበት፡ ሓዚላ ዝተሰደት... ይቕጽል
‘ኤጲፋንያ’ ዝብል ቃል መሠረቱ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝተወርሰ ኾይኑ፡- አስተርኣየ፡ ተራእየ፡ ተጋህደ፡ ተገልጸን ተፈልጠን ማለት እዩ። እቲ ‘ተራእየ፡ ተገልጸ፡ ተጋህደ፡ ተፈልጠ’ ዝተባህለ መን እዩ፧ እንተበልና ጐይታናን... ይቕጽል
ሰማያዊ መርዓዊ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ምስ ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ኣርድእቱ ቅዱሳን ሓዋርያትን ኣብ ቃና ዘገሊላ ኣብ ቤት መርዓ ተረኺቡ ከምዝባረኸ ንምዝካር ካብ መጀመርታ... ይቕጽል
ዓመት መጸ ዝበዓል ክብረ በዓል ቅዱስ ቂርቆስ ወኢየሉጣ 15 ጥር 2013 ዓ.ም. ብስሙ ኣብ ዝተጸውዓ ኣብያተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምዕሩግ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ።
ሕብሪ ገጻ ከምዛ ፀሓይብመንፈስ ግን ዘይረኣይ
13 ጥር ዝኽበር ዕለተ ሰማዕትነት ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምስ ኣርብዓ ደቃ ኣብ ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና (ገዛ ባንዳ) ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ብድምቀት ተባዒሉ።
ካብቶም ዓበይቲ በዓላት ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነ ንደቂ ሰባት እውን ዓበይቲ ምሥጢራተ ድኅነት ዝተፈጸመልና፡ ዝቓወመና ዕዳ ደብዳቤ ዝተደምሰሰሉ ምሥጥረ ሥላሴን ሥጋዌን ብዕሙቀት ዝተረዳዕናሉ... ይቕጽል
ቀዳማይ ሰብ ኣዳም፡ ሕገ እግዚአብሔር ብምጥሓሱ ኣብ ደቂ ሰባት ውርደትን መርገምን ን5500 ዓመት ጸኒዑ ነበረ። እንተኾነ ግና ባዕሉ እግዚአብሔር ዝሃቦ ተስፋን፡ ነቢያት ዝተነበይዎ ትንቢትን ንምፍጻም፡... ይቕጽል
‘ማኅሌት’፦ ‘ኀለየ፡ዘመረ፡ኣመስገነ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ቃል ዝወፀ ኮይኑ ምስጋና፡ መዝሙር፡ ንእግዚአብሔር ዝቐርብ መንፈሳዊ መሥዋዕት ማለት እዩ። ብሰንበት ዝቅወም ‘መዝሙር መወድስ’ ክበሃል ከሎ፡ ኣብ ናይ ወርኅን... ይቕጽል
ዓመት መጽአ 3 ጥር ዝክረ ዕረፍት ኣቡነ ሊባኖስ ዝኽበር ኮይኑ ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ገዳሞም ክብረ በዓል ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ብድምቀት ተባዒሉ። ካብ በረኸትን... ይቕጽል
ሓደ ካብተን ትሽዓተ ንኡሳን በዓላት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ግዝረት’ዩ። ሠራዔ ሕግ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ በይና ኃጢኣት ፡ ሕጊ መጽሓፋዊ ፈጺሙ’ዩ። ሓደ ካብ ሕጊ... ይቕጽል
ግዝረት፡ ማለት ሕፃን ዕልቦኡ ዝኽንሸበሉ ኵነት እዩ። ዕልቦ ፆታዊ ኽፍሊ ኣካል ናይ ሕፃን ብምቕራጽ ዝፍጸም እዩ።
ኣብ ትኅቲ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዝመሓደር ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መደብ ፓልቶክ መበል 11 ዓመት ኣብ ትሕቲ “መስቀሉ ኣልዒሉ ደድኅረይ ዘይስዕብ ንዓይ ኣይበቕዕን እዩ”... ይቕጽል
ካብ 29 ታኅሣሥ ክሳዕ 5 ጥር ዘሎ ጊዜ ኾይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኅቱም ድንግልና ተፀኒሱ፡ ብኅቱም ድንግልና ከም እተወልደ ብሰፊሑ ይንገር። ከምኡ’ውን ምስጋና መላእኽት፡ ሓጐስ... ይቕጽል
ኣብ ሥነ ፍጥረት ብዕለተ ረቡዕ፡ ካብ ዝተፈጥሩ ሓደ ከዋክብት እዮም። “እግዚአብሔር ድማ ‘ንመዓልቲ ካብ ለይቲ ዝፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹኑ፥ ንዘመናትን ንመዓልታትን ዓመታትን ከኣ... ይቕጽል
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን እትነብሩ ሕዝበ እግዚኣብሔር፡ ኣብ ሆስፒታል ዘለኹም ሕሙማነ ሥጋ፥ ሕዝብኹም ንምድኃን ኣብ ኃያል ጻዕሪ እትርከቡ ሰብ... ይቕጽል
ብዕለት 15 ታኅሣሥ 2013 ዓ.ም. ላዕለዎት ኃለፍቲ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ምስ ተማሃሮን ምምኅዳርን ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ብዛዕባ ኣብ ምምሃርን ምስትምሃርን፡ ማኅበራዊ ሕይወትን ተማሃሮ... ይቕጽል
ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ ብምኽንያት ኮረና ቫይረስ ናይ ዙም ርክባት በብጊዜኡ ይቕጽል ኣሎ።
ኣብቲ ጸልሚ-ጭንቂ ዓዘቕቲ ታኼላ፣ወጥሪ በዚኅወን ኣዕይንተይ ክኾላ፣ ውሽጠይ’ውን እናበለ፥
24 ታኅሣሥ 2020 ዓ.ም.ፈ ከም መቐጸልታ ናይቲ ብ23 ታኅሣሥ ምስ ገዳማውያን ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ወከልቲ ገዳማት ኤርትራ ገዳም ደብረ ሲና፡ ገዳም ኣቡነ ብፁዓ... ይቕጽል
ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ናይ ረቡዕ ውዳሴ ማርያም ‘ኦ ገብርኤል መልአኽ በዓል ዓቢይ ብሥራት ነኣኻ ዝተዋህበ ክብሪ ዓቢይ እዩ፣ ናባና ዝመጸ ልደት ጐይታ ነገርካና፡ ኣቐዲምካ’ውን ነታ... ይቕጽል
ዓመታዊ 12 ታኅሣሥ ዝኽበር ክብረ በዓል ኣባ ሳሙኤል ምስ ድርብ ወርሓዊ በዓል ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ኵለን ብስሞም ዝተቐርጸ ታቦት ዘለወን ኣድባራት ክበዓል ከሎ... ይቕጽል
ገዳም ደብረ ድማኅ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ገዳማት ሃገርና ኾይኑ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ቈላ ሠራየ፡ ካብ ርእሲ ከተማ ኣሥመራ ኣስታት 102 ኪ.ሜ. ርሒቁ... ይቕጽል