banner

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ እንቋዕ ናብ በዓለ ትንሣኤ 2011 ዓ.ም. ኣብጽሓና ብምባል ቃለ ቡራኬ ሂቡ!

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ እንቋዕ ናብ በዓለ ትንሣኤ 2011 ዓ.ም. ኣብጽሓና ብምባል ቃለ ቡራኬ ሂቡ! 

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብመንገዲ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ፡ እንቋዕ ናብ በዓለ ትንሣኤ 2011 ዓ.ም. (2019 ዓ.ም.ፈ) ኣብጽሓና ብምባል ቃለ ቡራኬኡ ሂቡ። ኣብ መልእኽቱ፥ ንዅልኹም ኣብ ቀረባ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ ርሑቕ ወፃኢ ሃገራትን ዘለኹም፡ ኣብ ምክልኻል ሃገር ዘለኹም፡ ኣብ ሆስፒታልን ማየ ጸሎትን ቤተ ማእሰርትን ዘለኹም ብሓፈሻ ንኵልኹም ሕዝበ እግዚአብሔር እንቛዕ ናብ ብርሃነ ትንሣኤ ኣብጽሓና ብምባል በዓል ሓጐስን ፍስሓን ክገብረልና ሠናይ ትምኒቱ ገሊጹ።

ንኣዳም ዝሃቦ ተስፋ፡ ብአበው ዝተቐጽረ ሱባኤን ዝተነግረ ትንቢትን ንምፍጻም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ስቓይን መከራን ተቐቢሉ፡ ስቓይናን መከራናን ኣርኃቐልና፣ ብሞቱ ንሞትና ኣጥፍኦ፡ ብትንሣኤኡ ድማ ንኣና ትንሣኤ ሕይወት ሃበና። እምበኣር እዚ ዕለት’ዚ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፣ ካብ ውርደት ናብ ክብሪ፡ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዝተሳገርናሉ፣ ሰብ ሞይቱ ከምዘይተርፍ ትንሣኤ ከምዘለዎ ዝተረጋገጸሉ ክቡር ዕለት እዩ። በዚ መሠረት ዓመት መጸ ናቱ ሕማምን ስቓይን ድኅሪ ምዝካር በዓለ ትንሣኤኡ እናኽበርና ንነብር ኣሎና። ክሳዕ ምጽኣቱ'ውን ከነክብሮ ኢና።  . . . ነዚ በዓለ ትንሣኤ ከነብዕል ከሎና ግና ተሓባቢርካ ብዘይ ምፍልላይ ምብዓል፣ ከምኡ’ውን ንጽጉማት፡ ዘኽታማት ደቂ ስውኣት፡ ረዳኢ ዘይብሎም ኣረጋውያን ድዉያንን ብምርዳእ ከነብዕሎ ይግብኣና። . . . ” ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ድማ “እምይእዜሰ ይኩን ፍስሓ ወሰላም/ ካብ ሕጂ ንደኃር ሰላምን ሓጐስን ይኹነልና ” እናበለት ቤተ ክርስቲያንና እትእውጆን እትሰብኮን፡ ሰላም ምስ ጐረባብትና ፍጹም ክገብረልናን ዝናሙ ከዝንመልናን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። ርሑስ በዓል ድማ ይግበረልና።” ብምባል ቃለ ቡራኬኡ ሂቡ።                                                                    

                                                      

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195