banner

ሰንበት 10 የካቲት 2011 ዓ.ም.ግ. ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት “እንቋዕ እንቋዕ ወሀበኪ ኪዳነ ምሕረት . . .” ብዝብል መሪሕ ቃል ተባዒሉ!

ሰንበት 10 የካቲት 2011 ዓ.ም.ግ. ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት “እንቋዕ እንቋዕ ወሀበኪ ኪዳነ ምሕረት . . .” ብዝብል መሪሕ ቃል ተባዒሉ!

ብድሮ ቀዳም 09 የካቲት 2011 ዓ.ም.ግ. ዝጀመረ መርሐ ግብር፦ ንሕፃናት ዝሓንፅ ንወለዲ ዝመክር ብመዝሙርን ግጥምን ሕቶን መልስን ዝተሰነየ ካብ 0 ክፍሊ ክሳዕ 9ይ ክፍሊ ዘለዉ ተማሃሮ ዝተፈላለየ መደባት ኣቕሪቦም።

ብመጀመርታ ካብ 0 ክሳብ 3ይ ክፍሊ ዘለዉ ተመሃሮ፡ ብምዑዝ ሕፃናዊ ልሳን ‘ግነዩ ለእግዚአብሔር ፡ ካብ ፍጡራን ንላዕሊ (ንድንግል ማርያም)፡ አብያተ ዘውቅሮ(ንቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ)” ዝብሉ መዛሙር ምስ ዘመሩ፡ ሕፃን ቤተኤል ንኪዳነ ምሕረት ዝገልጽ ግጥሚ ከተቕርብ ከላ ሕፃን ዕልልታ ድማ “ኣንቡብኒ ይብል ኣሎ መጽሓፍ ቅዱስ” ዝብል ግጥሚ ኣቕሪባ። ብዛዕባ ‘ጥቕሚ ጸሎት’ ቅልል ዝበለ ኣገላልጻ ብሕፃን ሰምሃር ክግለጽ ከሎ፡ “ሓቋፊት ኵሉ”ብዝብል ኣርእስቲ ሕፃን ኣርያምን ሕፃን ሙዚትን እናተቐባበላ ንሕፃናትን ወለድን ዝመሰጠ መልእኽቲ ኣመኃላሊፈን።

ብምቕጻል በብወገኖም ተማሃሮ 4ይን 5ይን ክፍሊ፣ 6ይ - 8ይ ከምኡ’ውን 9ይ ክፍሊ ንእግዚአብሔር ዘመስግን ልዕሊ 10 መዛሙር ምስ ዘመሩ ኣብ ትምህርተ ሃይማኖትን ገድለ ቅዱሳንን ዘተኮረ ውድድር ሕቶን መልስን ተኻይዱ።

ንወለዲ ዝመክር “ዝዘራእካዮ ኢኻ ትዓጽድ” ዝኣርእስቱ መንፈሳዊ ምርኢት ምስ ቀረበ፡ ብኣካያዲ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሊቀ ካህናት ዘርአ ኣስመላሽ ኣቦታዊ ምዕዳን ተዋሂቡ። እቲ ጉባኤ ድማ ብጸሎተ ምህላ ሰዓት 7፡30 ድ.ቀ ተፈጺሙ።

ሰንበት 10 የካቲት 2011 ዓ.ም.ግ. ድኅሪ ጸሎተ ቅዳሴ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ. ክሳዕ 12፡00 ድ.ቀ.፡ ብሥዕላዊ ኣጋላልጻ ዝተሰነየ ዓውደ ምርኢት ቀሪቡ። ነዚ ዓውደ ምርኢት’ዚ ካብ ዝነኣሱ ሕፃናት ክሳዕ ዝዓበዩ ወለዲ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ትምህርተ ሃይማኖት ብሕፃናት እናተገልጸሎም ብኣድናቖት ተዓዚቦሞ።

ሥሩዕ መደብ ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ. ብጸሎትን ንባብ ወንጌልን ጀሚሩ። ዲያቆናት “ እንቋዕ እንቋዕ ወሀበኪ ኪዳነ ምሕረት ወሣህሉ በዘቦቱ ጸዲቀ ኃጥአን ይክሉ” እናዝየሙ ያሬዳዊ ዝማሬ ኣስሚዖም።


ነቲ ጉባኤ ዝመሰጡ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዘለዉ መዘምራንን ዓበይቲ መዘምራንን ተመሃሮ ኮሌጅን ሠራሕተኛታትን ሓደ ድኅሪ ሓደ መዛሙር ኣቕሪቦም። ንመንእሰያትን ወለድን ዕላማ ዝገበረ ዓሚቝ ስብከተ ወንጌል ብሊቀ ካህናት ዘርአ ኣስመላሽ ተዋሂቡ። ቀጺሎም ውሉደ ክህነት ብያሬዳዊ ወረብ ነቲ ጉባኤ ምስ ኣማዕረግዎ ኵሉ ተሳታፊ ጉባኤ በሰቂለ ሕልና በሰፊሐ እድ ብኅብረት “ሰአሊ ለነ ማርያም” እናበሉ ዘሚሮም።

ኣብ መወዳእታ፡ ንኵሎም ዕዉታት ሕፃናትን መንእሰያትን መተባብዒ ሽልማትን ህያባትን ምስ ተዓደለ ብጸሎተ ምህላ እቲ ጉባኤ ተፈጺሙ።

ኣብዚ ጉባኤ ዝተሳተፉ ውሉደ ክህነት፡ ወለዲ፡ መንእሰያትን ሕፃናትን በቲ ዝቐረበ መደብ በረከተ ሥጋ ወነፍስ ከምዝረኸቡ ገሊጾም።

ናይ 2011 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርተ ሰንበት ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን(ሰንበል) ንመበል 16 ጊዜኡ እዩ ዝኽበር ዘሎ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195