banner

ቀሲስ ብርሃነ ቀሲስ ተስፋማርያም ምስ መበል 118 ፓትርያርክ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቴዎድሮስ ኣብ ከተማ ካይሮ ተራኺቦም!

 ቀሲስ ብርሃነ ቀሲስ ተስፋማርያም ምስ መበል 118 ፓትርያርክ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቴዎድሮስ ኣብ ከተማ ካይሮ ተራኺቦም!

ዕለት 11 የካቲት 2011 ዓ.ም.ግ. (18/02/19 ፈ.) ብቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ካይሮ ግብጺ ዝተመደቡ ቀሲስ ብርሃነ ቀሲስ ተስፋማርያም ምስ መበል 118 ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቴዎድሮስ 2ይ ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ናይ ሌላን ሓፈሻዊ ዝርርብን ርክብ ኣካይዶም።

ብዘይካ’ዚ ቀሲስ ብርሃነ ቀሲስ ተስፋማርያም ኣብ ካይሮ ካብ ዝኣተውሉ ዕለት 08 የካቲት 2011 ዓ.ም.ግ.(15/02/19 ፈ.) ጀሚሮም ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተራኺቦም እዮም። ምስ ኣብ ካይሮ ዝቕመጡ ውሉደ ክህነትን ማኅበረ ምእመናንን ክራኸቡ ከለዉ ምስ ኣመኃዳሪ ኪዳነ ምሕረት ወኣባ እንጦንስ ቤተ ክርስቲያን ግብጻዊ ካህን ኣግናጥዮስ ናይ ምልላይ ርክባት ፈጺሞም። ብተወሳኺ’ውን ምስ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ግብጺ ክቡር ኣቶ ፋሲል ገብረሥላሴ ተራኺቦም።

ቀሲስ ብርሃነ ቀሲስ ተስፋማርያም፡ ኣቐዲሞም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ከም ጸሓፊ ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ ክሠርሑ ዝጸንሑን ኣብ ደብረ ኤፍራታ ልደታ ማርያምን ቅዱስ ዑራኤልን ቤተ ክርስቲያን (ቀሓውታ) ኅዱር ኣገልጋሊ ዝነበሩን ኮይኖም፡ ብጠለብ ውሉደ ክህነትን ማኅበረ ምእመናንን ብቅዱስ ሲኖዶስ ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ጥርናፈ ምእመናንን ናብ ካይሮ ከምዝተመደቡ ይፍለጥ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195