banner

ጉባኤ ኣድያማተ ስብከት ከምኡ’ውን ጉባኤ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ተቓኒዑ!

ጉባኤ ኣድያማተ ስብከት ከምኡ’ውን ጉባኤ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ተቓኒዑ!

ብዕለት 12 የካቲት 2011 ዓ.ም.ግ. ኃለፍቲ ክፍልታት ቤ/ጽ መንበረ ፓትርያርክን ሃገረ ስብከታትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ሓፈሻዊ ጉባኤ አድያማተ ስብከት ኣብ ኣዳራሽ ቤ/ጽ/መንበረ ፓትርያርክ ተቓኒዑ!

እቲ ጉባኤ ብጸሎት ምስ ተኸፍተ፡ “ወይከውና አሐደ መርዔተ ለአሐዱ ኖላዌ” (ዮሐ. 10:17) ብዝብል ኣርእስቲ ብኃላፊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል መሪጌታ ስምዖን በየነ ትምህርቲ ተዋሂቡ።

ኃላፊ አድያማተ ስብከት ሊቀ ካህናት ዘሚካኤል አብርሃም እናመርሕዎ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ዘተኮሩ ሓድነት ሃገረ ስብከታት ምስ መንፈሳውን ምኅደራውን ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ፣ ሓፈሻዊ ኣሠራርሓ ሀገረ ስብከታትን ከምኡ’ውን ንኣቀራርባ ቅጥዒ፡ ኣተሓሕዛ መዝገብ፡ ምኅደራ፡ ፋይናንስን ወዘይመስሎ ዘትዮም።

ንዝተዋህቡ ርእይቶታትን ሓነፅቲ ሓሳባትን ንዝተለዓሉ ሕቶታትን ማእከል ብምግባር ኃለፍቲ ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ ንሃገረ ስብከታት ዝምልከት መልእኽትታት ምስ ኣኅለፉ እቲ ጉባኤ ብሰላም ተፈጺም።

ጉባኤ አድያማተ ስብከት ኣብ ሠለስተ ወርኂ ሓንሳእ ዝካየድ ኮይኑ ሊቃነ ካህናት ሀገረ ስብከታት፡ ጸሓፍትን ሰበኽቲ ወንጌልን ይሳተፍዎ።

ብተመሳሳሊ ዜና ንጽባሒቱ ዕለት 13 የካቲት 2011 ዓ.ም. ጉባኤ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብ ኣዳራሽ ቤ/ጽ መንበረ ፓትርያርክ ተኻይዱ።

ኣብዚ ኣመኃደርትን ጸሓፍትን ሰበኽቲ ወንጌል ናይ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተሳተፍዎ ጉባኤ፡ ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ምክትታል ካህናትን ዘተኮረ ነይሩ።

ብመራሕ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሊቀ ካህናት ዘርአ ኣስመላሽ ተማእኪሎም መንፈሳውን ምኅደራውን ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ ብፍላይ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል፡ ክፍሊ ትምህርተ ሰንበትን ኣገልግሎት ካህናትን ኣገደስቲ ሓበሬታታትን ሰፊሕ መብርሂን ብምሃብ መልእኽቶም ኣመኃላሊፎም።

ኣብ መደምደምታ ድማ ንዓቕሚ ንቕሓትን ፍልጠትን ውሉደ ክህነት ዘበርኽ፣ ንስብከተ ወንጌል ዘኀይልን ሥልጠናታት ክወሃብ ምዃኑ ተሓቢሩ። ብፍላይ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓቢይ ጾም ኣገልግሎተ እግዚአብሔርን ስብከተ ወንጌልን ጸኒዑ ክሰፍሕ ከምዘለዎ ብሕብረት ተሰማሚዖም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195