banner

ቃለ ምዕዳን ዘአበው

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቀዱስ አሐዱ አምላክ!

ቃለ ምዕዳን ዘአበው

ቃለ ምዕዳን ዘአበው ናይ ንስሓ ሕይወት፦ ኣብ ዕለታዊ ናብራና እንፍጽሞ ኃጢኣት ብፍጹም ልብና ንኣምላኽ ከም ዝበደልና ኣሚንና ተጣዒስና ኃጢኣትና ብምንዛዝ ዳግም ንኃጢኣት ጸሊኢና ንቓል ኣምላኽና ንምፍጻም ቈሪጽና እንነብሮ ሕይወት እዩ። ኵሉ ብንስሓ ተመሊሱ ብሕይወት ክነብር እምበር ብኃጢኣቱ ክጥፍእ ስለዘይደሊ፡ በዚ ሕይወት’ዚ ምእንቲ ክንነብር እግዚአብሔር ኣምላኽና ብዝተፈላለየ መንገዲ ይጽውዓና እዩ። ኃጢኣቶም በዚኁ ዝነበሩ ሕዝበ ነነዌ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቕድሚ ምቕጽዑ ንነቢይ ዮናስ ናይ ንስሓ ሕይወት ክሰብኸሎም ሰደደሎም።

 

ነቢይ ዮናስ ካብ ኃጢኣትኩም ተመለሱ፡ ነነዌ ኣብዘን ኣርብዓ መዓልቲ ክትግልበጥ እያ ኢሉ ሰበኸሎም። ብቕልጡፍ ንቃሉ ተቐቢሎም ምህላ ኣወጁ። ካብ ኣባይቶም ወፅጹ፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቱ ተፈልየ፡ እንስሳታት ከይበልዑን ከይሰትዩን ተኸልከሉ። እቲ ንጉሥ’ውን ካብ ዝፋኑ ወሪዱ ክዳን መንግሥቱ ቀንጢጡ ማቅ(ወጮ) ተከድነ፣ ኣብ ሓሙዅስቲ ተቐመጠ። እንታይ ይፍለጥ ኣምላኽ ካብ ቁጥዓኡ ይምለስ ይኸውን ኢሎም ምህላ ኣበርትዑ። ንሕና’ውን ንድኅን ንኸውን በሉ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ጸሎቶም ሰምዐ፣ መሓሮም እምበር ኣይቀጽዖምን። ንሕናኸ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን እንተ ዘይበዚኁ ካብ ኃጢኣት ሰብአ ነነዌ ዘይውኅድ ኃጢኣት ኣሎና! ስለዚ ኣሰረ ፍኖቶም ስዒብና ብጾምን ጸሎትን ተወሲንና ኵሉ ጊዜ ትእዛዝ ፈጣሪና እናፈጸምናን እዙዛት ንኹን፣ ፍረ መንፈስ ቅዱስ የሃልወና። ገላ. 5፡22

 

ማርያም እንተ ዕፍረት፡ ኣቐዲማ ብዝሙት ሥጋኣ ኣርኪሳ ንደቂ ተባዕትዮ ተስሕቶም ዝነበረት እያ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ግና ነቲ መልክዕ ገጻ ብመስትያት እናረኣየት ብገዛእ መልክዓ ተገረመት እሞ ድኅሪ ብዙኅ ትዕዝብቲ እንታይ እሞ ሞትን ኅልፈት ናይዚ ዓለምን ከሎ፧! ብምባል ብዙኅ ተሸገረት። ክርስቶስ ዝበሃል ኃዳግ ኃጢኣት ኣሎ ክብሉ ሰሚዓ ናብኡ ክኸይድ ኢላ ሓሰበት። ኣብዚ እዋን እዚ ቅዱይ ቅብኢ ዓዲጋ ናብኡ መጸት። ‘መሓረኒ መሓሪ’ እናበለት ኣብ እግሩ ወደቀት፣ ንብዓታ ኣፈሰሰት፣ ብፀጕሪ ርእሳ ደረዘቶ፣ እግሩ ሰዓመቶ፣ ነቲ ቅዱይ ቅብኢ’ውን ቀብኣቶ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንዕለቱ መሓራ። ኣብ ኵሉ ዓለም ብተግባራ ኣብ ወንጌል ክትስበኽ ወሰነን ኣዘዘን። ስለዚ ኦ ሕዝቢ ኣምላኽ ክንደይ ኢና ኃጢኣት ዝሙት ጥራይ ዘይኮነስ ብጽልእን ዓመጽን ቅትለትን ሓሶትን ቅንእን ኵሉ ክፍኣት ግብሪ ሰይጣን ፈጺምና እንነብር ዘሎና። ስለዚ ፀሐይ ዕድሜና ከይዓረበና ከሎ ከም ማርያም እንተ ዕፍረት ንካህናት ረኺብና ተናዚዝና ንጹሓት ክንከውን፣ ብንብዓት ንስሓ ተሓፂብና፣ ብትሕትና ኣብ ቤቱ ወዲቕና፣ ብፍቕሪ መስቀሉ ስዒምና፣ ስለ ክብሩ ጊዜናን ሕይወትናን ክንምጽውት ቅድስት ቤተ ክርስቲያናን ትመኽረና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀል ክብር፡ አሜን!!!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195