banner

ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት ብድሙቅ ሥርዓትን መንፈሳዊ ተመስጦን ፍቕርን ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት ብድሙቅ ሥርዓትን መንፈሳዊ ተመስጦን ፍቕርን ተኸቢሩ!

ዓመት መጽአ 16 የካቲት ዝኽበር በዓለ ኪዳነ ምሕረት ብሓፈሻ ኣብ ኵለን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት ብፍላይ ድማ ብስም ኪዳነ ምሕረት ዚተሓንፃ ኣብያተ ክርስቲያን ብስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን ውዳሴን ቅዳሴን ብድሙቅ ሥርዓትን መንፈሳዊ ተመስጦን ፍቕርን ተኸቢሩ።


ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ደብረ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ሰምበል ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ከምኡ’ውን ኣብ ማይ ጻድቃን ደብረ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ማይ ጭሆት ብብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ ድባርዋን ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከልን ዝተመርሑ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ብቃል ኪዳን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እናተማኅፅኑ ንእግዚአብሔር ኣመስጊኖም።

ኣብ ደብረ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ሰምበል ከምቲ ልሙድ ካብ 15 የካቲት ዋዜማ ዝጀመረ ክሳዕ ናብ 16 የካቲት ናብ ዘውግሕ ለይቲ ስብሐተ እግዚአብሔር ምስ በጽሐ ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ።
ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ. ታቦት፦ ብቕድሚት መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበት እናዘመሩ፡ ብድኅሪት ከኣ ሊቃውንቲ እናሸብሸቡ፡ ብየማነ ጸጋም ከኣ ሕዝበ ክርስቲያን እናተማህለሉ ሠለስተ ጊዜ ምስ ዖደ ኣብ ዓውደ ምሕረት ቆይሙ።
ኣስዒቦም ሊቃውንቲ ኣብ ቅድሚ ታቦት ነቲ በዓል ዚምልከት “አንቲ ውእቱ ተስፋሁ ለአዳም አመ ይሰደድ እምገነት/ ኣዳም ካብ ገነት ምስ ተሰጐ ተስፋኡ ንስኺ ኢኺ ነይርኪ” እናበሉ ጣዕመ ዜማ ኣስሚዖም። ተመሃሮ ትምህርት ሰንበት ብወገኖም’ውን “ናብዚ ዕለት ዘብጽሓና እግዚአብሔር ይመስገን” ዝብል ዘሚሮም።

ብድኅር’ዚ ብሊቀ ካህናት ዘርአ ኣስመላሽ ነቲ ዕለት ዝምልከት ሰፊሕ ስብከተ ወንጌል ተዋሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ብጸሎተ ምህልላን ሥርየትን ታቦት ናብ ክብሪ ቦታኡ ምስ ተመልሰ፡ 10፡30 ቅ.ቀ. ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮነ።

ብተመሳሳሊ ድምቀትን ሥርዓትን ድማ ኣብ ኳዜን፡ ደቂጴጥሮስ፡ ፃዕዳ ክርስቲያን፡ እምባደርሆ፡ ኳዜን፡ ዓዲ ቀረጽ . . . ተኸቢሩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195