banner

ዓርቢ 22 የካቲት 2011 ዓ.ም.ግ.፡ ንንጥፈታት ዓመተ 2018 ዓ.ም.ፈ ዝግምግም ጉባኤ ተቓኒዑ!

ዓርቢ 22 የካቲት 2011 ዓ.ም.ግ.፡ ንንጥፈታት ዓመተ 2018 ዓ.ም.ፈ ዝግምግም ጉባኤ ተቓኒዑ!

“ኣብ ልዕሊ’ዚ ከውሒ’ዚ ንቤተ ክርስቲያነይ ክሓንፃ’የ፡ ኣፍ ደገታት ሲኦል ድማ ኣይከናውጽዋን’ዮም” ማቴ. 16፡18 ብዝብል መሪሕ ቃል ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን፡ ኃለፍቲ ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ፡ መራሕ’ቲ ሥራሕ ሃገረ ስብከታትን ካልኦትን ዝተሳተፍዎ ንዓመት 2018 ዓ.ም.ፈ ዝግምግም ጉባኤ 22 የካቲት 2011 ዓ.ም.ግ. ኣብ ኣዳራሽ መንበር ፓትርያርክ ተቓኒዑ።

እቲ ጉባኤ ብጸሎትን ቡራኬን ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተራኅወ፦ ናይ ዝኃለፈ ዓመተ 2018 ዓ.ም.ፈ. ንጥፈታትን ጉባኤያትን ከምኡ’ውን ፈተናታት ቤ/ጽ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝገልጽ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ብምክትል ጸሓፊ ቤ/ጽ ቅዱስ ሲኖዶስ ሊቀ ካህናት ሳሙኤል ጸጋይ ምስ ቀረበ እናተኸታተሉ ኵሎም ኃለፍቲ መንፈሳውያን ክፍልታት ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን፣ ሥልጠና ውሉደ ክህነት፡ ስብከተ ወንጌል፡ ጕስነት ምእመናንን ምእመናትን፣ ጥርናፈ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት . . . ዘተኮረ ጸብጻብ ሥራሕ 2018 ዓ.ም.ፈ. ኣቕሪቦም።

ቀጺሎም ድማ ኣብ ምምኅዳራውን ፋይናንሳውን ልምዓታውን መዳይ ዘተኮረ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ኃለፍቲ ክፍልታት ምምኅዳር ዘመንበረ ፓትርያርክ ኣቕሪቦም።

ኣብ መንጎ’ቲ ጉባኤ “ ሤመክሙ እግዚአብሔር ጳጳሳተ ወቀሳውስተ ከመ ትርዐዩ ቤተ ክርስቲያኑ እንተ አጥረያ በደሙ ወዐተባ በዕፀ መስቀሉ/ ነታ ብደሙ ዘጥረያን ብዕፀ መስቀሉ ዝባረኻን ቤተ ክርስቲያኑ ንኽትጓስዩ እግዚአብሔር ጳጳሳትን ቀሳውስትን ገይሩ ሤምኩም እዩ።” እናበሉ ሊቃውንተ ዜማ ነቲ ጉባኤ ዘዳምቕን ዘነቓቕሕን ያሬዳዊ ዜማ ኣስሚዖም።

ብድኅር’ዚ ነቲ መድረኽ ዝተረከብዎ ሊቃነ ካህናት ናይ ሀገረ ስብከታት እዮም። ናይ ዝኃለፈ ዓመት 2018 ዓ.ም.ፈ. ሓፈሻዊ ጸብጻብ ሀገረ ስብከታት ብኃላፊ ኣድያማተ ስብከት ሊቀ ካህናት ዘሚካኤል ኣብርሃ ምስ ቀረበ ናይ ሃገረ ስብከታት ኣካየድቲ ሥራሕ ነናይ ሃገረ ስብከቶም ዝርዝራዊ ጸብጻብ ሥራሕን ዘጋጥሞም ዘሎ ፈተናታትን ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ብፁዓን ኣቦታት ካብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ተበጊሶም መምርሒ ሥራሕን ኣቦታዊ ምዕዳንን ሂቦም። ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡’ መፍትሕን መሥርሕን መስለጥን ናይ ሥራሕ ቤተ ክርስቲያን ጸሎትን ጾምን ብምዃኑ ስለ ቤተ ክርስቲያን ብመሠረት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣዊጅዎ ዘሎ ኣብዚ ዓቢይ ጾም ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ንጸሎትን ምህላን ክነቅሕ፣ ብጾም ክጸንዕ ይግባእ’ ኢሎም። ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ ብወገኖም፦ “ናይ መጀመርታ ዕዮና ስብከተ ወንጌል ክኸውን ይግባእ፣ እዋናዊ ስግኣት ቤተ ክርስቲያን መናፍቕነት ስለዝኾነ ነቶም ኣብ ሃይማኖት ዘለዉ ከነጽንዖም ነቶም ዝሰሓቱ ድማ ክንመልስ ይግብኣና” ብምባል ኣቦታዊ ምዕዳን ሂቦም።

ብድኅር’ዚ ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ቡራኬን ጸሎትን ምስ ተዋህበ ፍጻሜ ናይቲ ጉባኤ ኮይኑ።

ዝኃለፈ ንጥፈትን ህልው ኵነታትን መጻኢ ራእይን ቤተ ክርስቲያን ብዕምቈትን ስፍሓትን ዝንጸረሉ፡ ዝለዓለ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስን ቤ/ጽ መንበረ ፓትርያርክን ምስ መሓውራቱ ክፍልታትን ሀገረ ስብከታትን ኣብ ሓደ ጉባኤ ዝገብሮ ርክባት ኣገዳስነቱ ርዱእ ስለዝኾነ ንመጻኢ በብጊዜኡ ክቕጽል እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195