banner

ንቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ኣሥመራን ሃገረ ስብከት ማእከልን ዘገልግል ሓድሽ ሕንፃ ተመሪቑ!

ንቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ኣሥመራን ሃገረ ስብከት ማእከልን ዘገልግል ሓድሽ ሕንፃ ተመሪቑ!

ብዕለት 22 የካቲት 2011 ዓ.ም.ግ. ኣብ ንኡስ ዞባ ካምቦፖሎ ኣሥመራ ዝርከብ ሓድሽ ሕንፃ ብቡራኬ ብፁዓን ኣቦታት ተመሪቑ!

ኃለፍቲ ክፍልታት ዘመንበረ ፓትርያርክ፡ ሊቃነ ካህናት ዘሃገረ ስብከታት ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ብፁዓን ኣቦታት ብጸሎትን ቡራኬን መሪቖም ምስ ከፈትዎ፡ ንክፍልታት ናይቲ ሕንፃ እናተዘዋወሩ ተዓዚቦም። ኣብ መወዳእታ ድማ “ሕንፃ መንፈስ ቅዱስ” ክኸውን ብሓባር ጸሎት ምስ ገበሩ ማየ ጸሎት ነቲ ሕንፃ ነጺጎምሉ።

እዚ ሕንፃ እዚ ብፋይናንሳዊ ወፃኢታትን ክኢላዊ ዓቕሚ ሰብን ብሓፈሻ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓርትያርክ ዝተሓንፀ ኮይኑ 14 ክፍልታት ቤት ጽሕፈትን ካልእን ዘለዎ እዩ። ከም ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ኣሥመራን ሃገረ ስብከት ማእከል ኮይኑ ድማ ኣገልግሎት ክህብ እዩ። 

ምስ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተጸጊዑ ዝጸንሐ ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ናብዚ ሓድሽ ሕንፃ ዝሰጋገር ብምዃኑ ኣብ ቤ/ጽ መንበረ ፓትርያርክ ዝጸንሐ ጽበት ክፍልታት ከቃልል እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195