banner

ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳሳት ዘሃገረ ስብከት መንደፈራ ንሕንፀተ ቤተ ክርስቲያን እምነ መሠረት ኣንቢሮም!

ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳሳት ዘሃገረ ስብከት መንደፈራ ንሕንፀተ ቤተ ክርስቲያን እምነ መሠረት ኣንቢሮም!

ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳሳት ዘሃገረ ስብከት መንደፈራ ኣብ ዓዲ ሰረዋት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ከምኡ ድማ ኣብ ገዳም ደብረ ሣህል ቤተ ክርስቲያን ንምሕናፅ እምነ መሠረት ኣንቢሮም።

ብፁዕ ኣቦና፡ ብዕለት 18 የካቲት 2011 ዓ.ም. ናብታ ካብ መንደፈራ 70 ኪሎ ሜትር ርኂቓ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኩዶብዑር እትርከብ ዓዲ ሰረዋት ብምኻድ እምነ መሠረት ምስ ኣንበሩ፡ ብሊቀ ካህናትን ነጋሲ ባህረ ሰፊሕ ትምህርቲ ተዋሂቡ። ሊቀ ካህናት ነጋሲ ኣብ ትምህርቶም፦ “ቤተ ክርስቲያን ምሕናፅ ማለት ትምህርተ ሃይማኖት ንመሃረሉ፡ ተጠሚቕና ውልድነት ንረኽበሉ፡ ንቘርበሉ ናብ እግዚአብሔር ጸሎትና ነዕርገሉ ቤት ምሕናፅ ስለዝኾነ ሕንፀት ተጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ ብኵለንትናና ክንውፈ ይግባእ ኢሎም።

ብምቕጻል ብፁዕ ኣቦና ብዕለት 21 የካቲት 2011 ዓ.ም.ግ. ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ማይድማ ናብ ገዳም ደብረ ሣህል ኣቡነ ዮናስ ብምብጻሕ እቲ ጥንታዊ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘለዎ ከሎ ፡ ገፊሕ ቤተ ክርስቲያን ንምሕናፅ እምነ መሠረት ኣንቢሮም። ነቶም ኣብዚ ዕለት እዚ ዝተሳተፉ ድማ ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ሂቦም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195