banner

ምክረ አበው - ጕዕዞ ክርስትና

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ምክረ አበው - ጕዕዞ ክርስትና

• ብጊዜን ቦታን ዘይውሰን ዘወትር እንነብሮ ሕይወት እዩ። ማቴ. 5፡18፣ 2ይ ጢሞ. 4፡2

• ብውሽጢ ፈተና ኃሊፍና ንኽብሪ ንበቕዓሉ እዩ። ማቴ. 7፡12-13

• ናይ ትማሊ ኅሉፍ ረሲዕና ናብ ቅድሜና ዘሎ ምግባረ ጽድቅን ትሩፋትን እናተመጣጠርና እንጐየሉ እዩ። ፊል. 3፡13-14

• ሰብ ኣብ ዝተሳእነሉ ዘመን ሰብ ኴንና ንርከቡ እዩ። 1ይ ነገ. 2፡1 

• ብሰቂለ ሕልና፡ ሰፊሐ ኢድ፡ ኣድንኖ ርእስ፡ ኣትሕቶ ልብ እንነብሮ እዩ። 1ይ ጴጥ. 5፡5

• ንዓለማዊ ትምኒትን ሥጋዊ ፍትወትን ንስዕረሉ ሰማያዊ ኃይሊ እዩ። ሮሜ 8፡12-17

• ኣርዑት ባርነት ዘይብሉ መንፈሳዊ ናጽነት እዩ። ገላ. 5፡1

• ንእግዚአብሔር ብምምስጋን እንረኽቦ ኣማናዊ ሰላም እዩ። ኢዮብ 1፡21-22

• ምውዳቕን ምትንሣእን ዘለዎ ሠናይ ገድሊ እዩ። 2ይ ጢሞ. 4፡7

• ብመጠን ጽንዓት ሃይማኖትናን ስፍሓት ኣእምሮናን በብደረጃኡ ንዓብየሉ መንፈሳዊ መዓርግ እዩ። ግብ. 14፡27

• ክሳዕ ሞት ብእምነት ጸኒዕና ኣክሊል ሕይወት ንደፍኣሉ እዩ። ራእ. ዮሓ. 2፡10

• ብግዳማዊ፡ ገጽ ርአን ግብዝናን ዘይኮነስ ብውሣጣዊ ሓቂ ንልወጠሉ እዩ። ማቴ. 23፡18

• ኣብታ ክርስቶስ ብደሙ ዝመሥረታ ሓዋርያት ዝሰበኽዋ ልዕሊ ኵሉ ዝኾነት ሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብሓድነት እንነብሮ ሕይወት እዩ። 

ኣብ ክርስትና እንተሎና ንሕይወትና ብመስትያት ቃለ እግዚአብሔር ንጠምት። ዝጐድለና ብዙኅ እዩ እሞ ጐደለና ንምእራም ብመንገዲ እቶም መዓርገ ፍጽምና ዝበጽሑ ቀዳሞት ኣቦታትና ንስዓብ። ከመይ! “ ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፣ ከመይ ኢሎም ከምዝነበሩን ከምዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ።” (ዕብ. 13፡7) ከምዝብል ሕይወት ቅዱሳን ብምርኣይ ንክርስትና ብስም ጥራሕ ዘይኮነስ ብግብሪ ንፈጽሞ። 

ነዚ ንምፍጻም እግዚአብሔር ይርድኣና!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195