banner

ኣብ ሃገረ ስብከት ጋሽ ባርካ መንፈሳዊ ጉባኤ ተቓኒዑ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ጋሽ ባርካ መንፈሳዊ ጉባኤ ተቓኒዑ!

ብዕለት 29 የካቲት 2011 ዓ.ም. ህልው ኵነታት ሃገረ ስብከት ጋሽ ባርካ ዝግምግም፡ ኣብ ሃገረ ስብከት ጋሽ ባርካ ከተማ ባረንቱ ኣርባዕተ ኃለፍቲ ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ፣ ኃላፊ ምክትታል ኣድያማተ ስብከት ሊቀ ካህናት ዘሚካኤል ኣብርሃም፣ መራሕ ሥራሕ’ቲ ሃገረ ስብከት መሪጌታ ኣኽሊሉ፡ መራሕቲ ሥራሕ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት፡ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ መንፈሳዊ ጉባኤ ተቓኒዑ።

እቲ ጉባኤ ብጸሎት ምስ ተኸፍተ፡ “እፎ ይእቲ ኢየሩሳሌም(ቤተ ክርስቲያን)”ብዝብል ኣርእስቲ ብመሪጌታ ስምዖን በየነ ትምህርቲ ተዋሂቡ። ቀጺሎም ኃላፊ ምክትታል ኣድያማተ ስብከት ሊቀ ካህናት ዘሚካኤል ኣብርሃም፡ ኣብ ሃገረ ስብከት ዞባ ጋሽ ባርካ መንፈሳውያን ክፍልታት ዝኅይላሉ መንገዲ ብዕቱብነት ይሥርሓሉ ከምዘሎ ድኅሪ ምግላጽ ክፍሊ ስብከተ ወንጌልን ኣገልግሎት ካህናትን ዘገልግሉ መምህራን ተመዲቦምሎም ከምዘለዉ ኣበሢሮሞም።

ኃለፍቲ መንፈሳውን ምምኅዳራውን ክፍልታት ዘመንበረ ፓትርያርክ ብወገኖም ነንኽፍሎም ዝምልከት ሕፅር ዝበለ ሓበሬታ ንተሳተፍቲ ኣቕሪቦም።

ቀጺሎም ተሳተፍቲ’ቲ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ስብከቶም ብዝተመደብሎም መምህራን ሓጐሶም ድኅሪ ምግላጽ፡ ትምህርተ ሰንበት ዓምደ ሃይማኖት ስለዝኾነ ብዝግባእ ክጸንዕን ክስፋሕፋሕን፣ ምስ ኵሉ ፈተናታት ኦርቶዶክሳዊ ሥርዓትን ባህልን ኽኅይል፣ ክርዳድ ሃይማኖት ዝኾኑ መናፍቕነትን ኣምልኮ ባዕድ ጥንቁልናን ዝመሓውሉን ዝቃልዕሉን ሓዋርያዊ ዕዮ ክትግበር፣ ኣብ ዓቕሚ ሰብን መጓዕዝያን ዘለዎም ጸገማት ክፍታሕ . . . ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ጉባኤ ልክዕ ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ. ብጸሎት ተዛዚሙ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195