banner

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ፡ ንሕንፀተ ኣብያተ ክርስቲያናት እምነ መሠረት ተነቢሩ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ፡ ንሕንፀተ ኣብያተ ክርስቲያናት እምነ መሠረት ተነቢሩ!

ብፁዕ አቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ዘሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ ኣብ ወርኀ ጥርን የካቲትን ንሓድሽ ሕንፃ ኣብያተ ክርስቲያናት እምነ መሠረት ኣንቢሮም።

ኣብ ወርኀ ጥር ኣብያተ ክርስቲያናት ንምሕናፅ ብብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰርሐ ዝርከባ ዓድታት፦ ኣብ ዓዲ ፍያሻ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን፣ ኣብ ዓዲ ነድወ ድማ ብስም ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን፣ ከምኡ ድማ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ቀይሕ ዝርከባ ዓድታት፦

ኣብ ዓዲ ኢንቶ ብስም ኣቡነ ቴዎድሮስ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ማይፃዕዳ ኸኣ ብስም ኣቡነ ተክለሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን፣ ብተወሳኺ’ውን ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ጾሮና ዝርከባ ዓድታት፦ ኣብ ዓዲ ማይዓጋም ብስም ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተ ክርስቲያን፣ ኣብ ዓዲ ሃደምትን ማይውራይን ከኣ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን እምነ መሠረት ተነቢሩ።

እዚ ሥርዓተ ምንባር እምነ መሠረት’ዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ጸሎታት እናበጽሐን ስብከተ ወንጌል እናተዋህበን ብንጡፍ ተሳትፎ ምእመናንን ምእመናትን እዩ ተኻይዱ።

ከም መቐጸልታ ናይዚ ብዕለት 19 የካቲት 2010 ዓ.ም. ኣብ ዓዲ ብርኪቶ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ንምሕናፅ እምነ መሠረት ብብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ተነቢሩ። ግቡእ ጸሎትን ሥርዓተ ምንባር እምነ መሠረት’ዚ ምስ ተፈጸመ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን “ወሃቢ እግዚአብሔር እዩ፡ ተቐባሊ ኸኣ እግዚአብሔር እዩ’ሞ፡ ነቲ ዘለካ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ምውዓል ካብዚ ዝዓቢ ትዕድልቲ የለን።” ድኅሪ ምባል ነዚ ዕዮ’ዚ ዝዓዩ ዘለዉ ንዅሎም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢ ሃገራትን ዝቕመጡ ጸሎተ ቡራኬ ሂቦም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195