banner

ካብ ተኣምር ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ካብ ተኣምር ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ

ውላድ ዘይብላ ሓንቲ መኻን ሰበይቲ ነበረት። ምእንቲ ውላድ ኪህባ ለይትን መዓልትን ናብ እግዚኣብሔር ትልምን ነበረት። 

ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን እናኸደት ከላ ሓንቲ መበለት ረኸበታ። እዛ መበለት ከኣ ብጸሎት ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ ተማኅፂና ብዘሎ ዅሉ ሽግራ እግዚአብሔር ከምዝፈትሓላ ነገረታ።

እዛ መኻን ሰበይቲ ነዚ ነገር እዚ ኻብታ መበለት ምስ ሰምዐት ብፍጹም እምነት፦ “ኣነ ድማ ብጸሎት ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እምኅፀን ኣሎኹ፣ እግዚኣብሔር ሕማመይን መከራይን ርእዩ ብጸሎት ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ውላድ እንተሂቡኒ፣ ኣገልጋሊቱ ኺኸውንን ክሳዕ ዕለተ ሞተይ ዝክሩ ኽገብርን እየ” በለት።

ነዚ ጸሎት’ዚ ኣቕሪባ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣተወት። ደጊማ ድማ ፊት ቤተ መቕደስ ቤተ እግዚኣብሔር ኮይና ሕልናኣ ሰቒላ ኢዳ ዘርጊሓ “ኦ እግዚአብሔር ኣምላኽ ናይ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ፣ ብጸሎት ኣቦና ውሉድ እንተ ሂብካኒ ብቓል ኪዳኑ ኣሚነ ዝኽሩ ኽገብር እየ፣ ካብ ኣገልጋሊትካ ዘቕርቦ መብፅዓይ እዚ’ዩ” በለት። ንመጽሓፍ ገድሊ ኣቦና ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ስዒማ ድማ ናብ ቤታ ተመልሰት።

እንሆ ድማ እግዚአብሔር ጸሎታ ተቐበለላ እሞ ፀኒሳ ወዲ ወለደት። ከምቲ ዝተመባፀዓቶ ድማ ዝክረ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ዕለተ ዕረፍታ ገበረት።

ናይ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ጸሎቱን በረኸቱን ምሕረት ኣምላኹን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ንዘለዓለመ ዓለም ይኹን ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195