banner

ክብረ በዓል ተረክቦተ መስቀል ኣብ ገዳም መስቀል ጉና ጉና ብክብ ዝበለ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ተረክቦተ መስቀል ኣብ ገዳም መስቀል ጉና ጉና ብክብ ዝበለ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ዓመት መጽአ 10 መጋቢት ዝዝከር ተረክቦተ መስቀል፡ ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክዝከር ከሎ ብፍላይ ግና ኣብ ገዳም ቅዱስ መስቀል ጉና ጉና ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ፡ ገዳማውያንን ሊቃውንት መምህራንን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብክብ ዝበለ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ።


ዕለት 09 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ሥርዓተ ዋዜማ ስብሐተ እግዚአብሔር ምስ በጽሐ ካብ ፍርቂ ለይቲ ዝጀመረ ናብ ዕለት 10 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ዘውግሕ ለይቲ፡ ገዳማውያንን ሊቃውንት መምህራንን ውሉደ ክህነትን ምሉእ ለይቲ ጸሎተ ሰዓታትን ስብሐተ ማኅሌትን ከብጽሑ ከለዉ ምእመናንን ምእመናትን ድማ ኽምህለሉ ኃዲሮም።

ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ’ውን ክብሪ መስቀልን ታሪኽ ገዳም ጉና ጉናን ክሳዕ ዑደተ ታቦት ተነቢቡ።

ሰዓት 10፡30 ቅ.ቀ. ታቦት ብለባስያን ውሉደ ክህነት ተዓጂቡ፡ ብብፁዕ ኣቦናን ሊቃውንትን ተሰኒዩ ዘይሩ ኣብቲ ዝተዳለወሉ ቦታ ደው ምስ በለ፡ ሊቃውንት ነቲ ዕለት ዝገልጽ ያሬዳዊ ለዘብን ሽብሸቦን ኣቕሪቦም።

ቀጺሎም መራሕ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ ሊቀ ካህናት መሓሪ ካብ ዝመሃርዎ ትምህርቲ፦ “ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ ክቡር መስቀል፡ ድኅሪ ትንሣኤኡ ኣብ ክልተ እዋን ተሓቢኡ ብተኣምራታዊ ግብሪ እግዚአብሔር ዕለት 10 መጋቢት ስለ ዝተረኽበ ክብረ በዓል መስቀል ነኽብር ኣሎና። መስቀል ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክቡር ደሙ ዝፈሰሰሉን ቅዱስ ሥጋኡ ዝተቈርሰሉን፡ መርገምና ዝተደምሰሰሉን ሞት ዝተሳዕረሉን መንደቕ ጽልኢ ዝፈረሰሉን፡ . . . ወቦ ዘተርፈ ግብረ ቤዛነት ዝተፈጸመ ኣብ መልዕልተ መስቀል ስለዝኾነ፣ መስቀል ንዘለዓለም ትእምርተ ሰላምን ዓወትን ኃይልን ጽንዓትን ሕይወትን ድኅነትን እዩ” ብምባል ኣስፊሖም ገሊጾም።

ብድኅር’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ፦ “ እዚ ዘለናዮ ቦታ ክቡር መስቀል ካብ ኢየሩሳሌም ተበጊሶም ናብ ግሸን ክወስድዎ ከለዉ ዝዓረፈሉ ቅዱስ ቦታ ብምዃኑ በረኸቱ ምስ ኵልና ይኹን” ብምባል ቃለ ምዕዳን ምስ ኣስምዑ፡ ብጸሎተ ምህላ ተሰንዩ ታቦት ብኽብሪ ኣብ መንበሩ ተቐሚጡ።

ኣብ መወዳእታ ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ኵሉ ተሳታፊ በዓል ድማ በረኸት ቅዱስ መስቀል ተኻፊሉ ነናብ ቦታኡ ተመልሰ። በዚ ኸኣ ፍጻሜ ናይቲ በዓል ኮነ።

ናይዚ ዕለት’ዚ ፍጻሜ ቅዱሳት መጻሕፍትን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንናን ብሰፊሑ ይገልጹልና እዮም።

ብስቕለት ጐይታ ዝኸበረን ደመ መለኮት ዝፈሰሶን መስቀል ከም ፀሓይ እናኣብርሀ ሕሙማት ይፍውስን ምዉታን የተንሥእን ስለዝነበረ፡ ኣይሁድ ብቅንእን ክፍኣትን ተላዒሎም፡ ዓሚቝ ጕድጓድ ኣዅዒቶም ቀበርዎ። ንኸይርከብን ስመ ዝክሩ ንኸይልዓልን ድማ ኵሎም ነበርቲ ኢየሩሳሌም ጐሓፍን ርስሓትን ዘበለ ኵሉ ኣብ ልዕሊኡ ንኽጕሕፉ ኣዘዙ። እቲ ዝቐበሩሉ ቦታ ኸኣ ክሳብ ጎቦ ዝኸውን ንኣስታት ሠለስተ ክፍለ ዘመን (300 ዓመት) ደፈንዎ።

ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ኣብ ሃገረ ቍስጥንጥንያ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ኣብ ዝነገሠሉ ዘመን ግና ኣደ ንጉሥ ዝኾነት ንግሥት እሌኒ ብሓበሬታ ኣረጋዊ ኪራኮስን ምልክት ዕጣንን ካብቲ ተቐቢርሉ ዝነበረ ጎቦ 17 መስከረም ኵዕታ ተጀሚሩ 10 መጋቢት ከም ዝርከብ ገበረት። ኣብዚ ቦታ ኣብያተ ክርስቲያን ኣሕኒፃ ድማ ብኽብሪ ኣብኡ ኣቐመጠቶ። እዚ ቀዳማይ ተረክቦተ መስቀል ኮይኑ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ሻብዓይ ክፍለ ዘመን ዝተፈጸመ እዩ።

ካብዚ ንግሥት እሌኒ ዝሓነፀቶ ቤተ ክርስቲያን፡ ሓደ ካብ መኳንንቲ ፋርስ ናብ ሃገሩ ወሰዶ። ንጉሥ ሕርቃል ድማ ብጸሎት ምእመናን ተሓጊዙ ንፋርስ ወሪሩ ነዚ ክቡር መስቀል ደለዮ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብዕለት 10 መጋቢት ብሓበሬታ ናይ ሓንቲ ጓል ካህን ኣብቲ መኰንን ዝሓብኦ ቦታ ረኸቦ እሞ ኂዝዎ ንቍስጥንጥንያ ከደ።

በዚ መሠረት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ዓመት መጽአ 10 መጋቢት ብልዑል ድምቀት ተኽብሮ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195