banner

ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ጉባኤ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ተቓኒዑ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ጉባኤ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ተቓኒዑ!

ብዕለት 11 መጋቢት 2011 ዓ.ም. (20 /03/19 ፈ.) ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ፣ ብኃላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት ዘመንበረ ፓትርያርክ ዝተመርሐ ምስ ናይ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ጉባኤ ተቓኒዑ!

ኃላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት ዘመንበረ ፓትርያርክ ቀሲሲ ተክሎም ተስፋልደት፡ ናይ ኣብያተ ትምህርተ ሰንበት ሓድነትን ኣመራርሓን ዘኀይል፣ መቃን ጊዜ ምርጫ ጠርነፍቲ ኮሚቴ ዘነጽር፣ ንኣከባብራ ዓመታዊ በዓላት ዘድምቕ . . . ሓሳባትን መምርሕን ኣቕሪቦም።

ነዚ መሠረት ብምግባር፡ ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣብ መንጎ ኣብያተ ትምህርቲ ሓድነት ዘጽንዕን መንፈሳዊ ፍልጠት ዘዕብይን ዝተፈላለየ ርእይቶታትን ሕቶታትን ብምቕራብ ሰፊሕ ዘተን ዓሚቝ ምኽክርን ኣካይዶም።

ኣብ መወዳእታ፡ ብመራሕ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሊቀ ካህናት ዘርአ ኣስመላሽ ቃለ ምዕዳን ምስ ተዋህበ ብጸሎት ጉባኤ ተዛዚሙ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195