banner

“ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃልኹም” ማር. 9፡48 - ካልኣይ ክፋል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃልኹም” ማር. 9፡48 - (ካልኣይ ክፋል)

2. ትሕትና

ትሕትና ማለት ብኃይሊ፡ ምሕረት፡ ጸጋ ፡ ጥበብን ፍቓድን እግዚአብሔር እንተዘይኮይኑ ከንቱ ምዃንካ ፈሊጥካ፡ ንርእስኻ ምትሓት፡ ዘይምዕባይን ዘይምኽራዕን እዩ። እትፈልጥ ከሎኻ ከምዘይፈልጥ፡ ክቡር ከሎካ ከም ኅሱር፡ ሠናይ ግብሪ እናሠራሕካ ከምዘይሠራሕካን ዝግብኣኒ እየ ዝሠራሕኩ ምባልን እናሃለወካ ከም ዘይብልካ ንርእስካ ኣትሒትካ ምርኣይን ማለት እዩ።

ትሕትና ማለት ግና ግቡእካ ንከይትሠርሕ ዝዓግት ሕመቕን ድሕረትን ከምኡ’ውን ድክመትካ ዝሽፍን ጥበብ ኣይኮነን።

እቶም ትሑታት ቅዱሳን ንዝተጸውዕሉ መንፈሳዊ ዕዮ ብትሕትና ይፍጽሙ፡ እናገበሩን ምስ ፈጸሙን “ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዝግብኣና ኢና ዝገበርና” ይብሉ። (ሉቃ. 17፡10) ጸጋኦም ሸፊኖም ብትሕትና የገልግሉ እምበር ከምቶም ሥራሖም ምእንቲ ኽፍለጠሎም መጥቅዕ ሃሪሞም ዝእውጁን ግኑን ስም ንኽረኽቡ ውዳሴ ከንቱ ዝናፍቑን ምሁራትን ጥበበኛታትን ኣይኮኑን። በዚ ከኣ ቅዱሳን ሕይወቶም ኣመቂሮም፡ ንኣመንቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዘይኣመንቲ ኣሕዛብ’ውን የመቅሩ።

ካብ ጕስነት ክሳብ ንጉሥነት ጸጋ እግዚአብሔር ዘይተፈለዮ፡ ከም ልበይ ዝተባህለ፡ ሃብተ መዝሙርን ሃብተ በገናን፡ ሃብተ ትንቢትን ራእይን ዝተዋህቦ ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ክዛረብ ከሎ፦ “ኣነ ግና ሓሰኻ እምበር ሰብ ኣይኮንኩን፡ ብሰብ ዝተነዓቕኩን ኵሉ ሰብ ዜላግጸለይን እየ።” በለ።(መዝ. 22፡6) ኵሉ ጊዜ ኃጢኣቱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ነበረ። (መዝ. 51፡3) ምሉእ ለይቲ’ውን ንመደቀሲኡ ብንብዓት የጠልቅዮ ነበረ። (መዝ. 6፡6)

መምህረ ትሕትና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ካባይ ተመሃሩ ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይ’ውን ትሑት እዩ” ክብል ምሂሩና እዩ። (ማቴ. 11፡29) ካብ ክርስቶስ ዝተማህረን ኣሰሩ ተኸቲሉ ንእኡ ዝመሰለን (1ይ ቆሮ. 10፡1) ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ “ኣነስ ነታ ማኅበር ኣምላኽ ስለዘሳጐግክዋ፡ ምንኣስ ኵሎም ሓዋርያት እየ እሞ ሓዋርያ ክስመ ብቑዕ ኣይኮንኩን፡” (1ይ ቆሮ. 15፡9) ይብል ነበረ። ዋላ’ውን መዓርገ ፍጽምና በጺሑ እንተነበረ “. . . ቅድሚ ሕጂ ከምዝረኸብክዎ ወይሲ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከምዝኾንኩ ኣይኮነን” ይብል። (ፊልጵ. 3፡12-13)

ስለዚ ነቲ ንእግዚአብሔር እነቕርቦ መሥዋዕቲ ዘመቅር (ቅቡል ዘግብር) ትሕትና እዩ። “መሥዋዕቲ ባህ ኣይብለካን እዩ . . . መሥዋዕቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ፡ ንስቡርን ቁጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ” ከምዝብል። (መዝ. 51፡17) መሥዋዕቲ ርእስናን ኣገልግሎትናን ብዘይ ትሕትና ከንቱ ምዃኑ ዝተረድኡ ቅዱሳን ክምዕዱ ከለዉ “እግዚአብሔር ጸጋኡ እንተሃበካ ንዕኡ እትፆረሉ ምስኡ ትሕትና ክህበካ ሕተቶ፡ እንተዘይኮይኑ ነቲ ጸጋ ክወስዶ ለምኖ” ይብሉ። ከመይ! ጨው ኣገልግሎት ትሕትና ስለዝኾነ። ኣገልጊልካ ከይሰጎምካ ጕያይ ወዲአ ኢልካ ምእዋጅ፡ ርእስኻ ኣልዒልካ ንካልኦት ምውራድ ናብ ኣምላክ ዘየቕርብ ጽዩን ኣገልግሎት እዩ። ሃብትና፡ ውህበትና፡ ፍልጠትና፡ ኃይልና . . . ካብ ኣምላኽና ምዃኑ ፈሊጥና ጨው ትሕትና እንተኃዝና መቐረት ሕይወት ነስተማቕር።

ብኣንጻሩ ትሕትና ዘይብሉ ሕይወት ትዕቢት እዩ። ኣነ እበልጽ፡ ኣነ ዓቢይ፡ ኣነ እፈልጥ፡ . . . ዝብል ኣነነት ውፅኢቱ ውርደትን ውድቀትን እዩ። ንዲያብሎስ ክሳዕ እስከ ዘይብሉ ጸናፌ ጸልማት ዝተደርበየ ብትዕቢት እዩ። ብዛዕዛ’ዚ ጥበበኛ ሰሎሞን ክገልጽ ከሎ፦ “ንውርደት ትዕቢት ይቕድሞ፡ ንውድቀት ድማ ኩርዓት” ይብል። (ምሳ. 16፡18) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን “እስመ ኵሉ ዘአዕበየ ርእሶ የኀስር፡ ወዘአትሐተ ርእሶ ይከብር/ ርእሱ ልዕል ልዕል ዘብል ይዋረድ፣ ርእሱ ዘትሕት ግና ልዕል ይብል” ይብለና።

ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ብወገኑ፦ “ኣቱም መንእሰይ! ከምኡ ነቶም ዝዓብዩኹም ተገዝእዎም። ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ ትሕትና ተዓጠቑ። ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ከብለኩም ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ።” ብምባል ትሕትና ኽንለብስ ይምዕደና። (1ይ ጴጥ. 5፡5-6)

እግዚአብሔር ንዕቡያት ዝመዓቶም፡ ኣብቶም ትሑታት ግና ጸጋ ኣምላኽ ዝዓዝዝ ካብ ኮነ ብመንገዲ ትሕናት ከነሳጉም ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ትምዕደና።

መንፈስ ትዕቢት ኣርኂቕና ትሕትና ክንለብስ እግዚአብሔር ጸጋኡ የብዝኃልና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

 

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195