banner

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ምድላዋቶም የጻፍፉ ኣለዉ!

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ምድላዋቶም የጻፍፉ ኣለዉ!

ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስን ብማእከልነት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሉ ዝሥራዕ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም ንምስታፍ፡ ነጋድያን በብሃገረ ስብከቶም ድኅሪ ዝተኻየደ ምዝገባን ዕጫን ከምኡ’ውን ቕጥዕታት ምምላእን ገንዘብ ምኽፋልን ዘድሊ መንፈሳዊ ኣኼባታትን ብሓፈሻ ካብ ወርኀ የካቲት ዝጀመረ ምድላዋቶም የጻፍፉ ኣለዉ!


ቀዳም 21 መጋቢት 2011 ዓ.ም. (30/03/19 ዓ.ም.) ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ኣብ ዝተገብረሎም ጉባኤ፡ መሥርሕ ዋሕስ ፈጺሞም ንኤግዚት ቪዛን መምርሒ መገሻን ከምኡ’ውን ኣብ ኢድ ቦርሳን ዓቢይ ባልጃን ዝማልእዎ ንብረት ዝምልከት ሰፊሕ ትምህርትን ሓበሬታን ተዋሂብዎም። ንነፍሲ ወከፎም ድማ ብጽሑፍ ተዓዲሎም።

ብተወሳኺ ኸኣ ቃለ ምዕዳንን ጸሎተ ቡራኬ ዝቕበልሉ ከምኡ ድማ ዕለት ምብጋስን ካልእ ዘድሊ ሓበሬታን ዝወሃብሉ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ንሰኑይ ዕለት 14 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም. (22/04/2019 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ክካየድ ምዃኑ ንዅሎም ነጋድያን ብቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ተሓቢሩ።

ናይ ሎሚ ዓመት ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ብዝኆም ልዕሊ 620 እዩ።

 

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195