banner

መጽሐፍ መዝገበ ቃላት ግእዝ - ትግርኛ ተመሪቓ!

መጽሐፍ መዝገበ ቃላት ግእዝ - ትግርኛ ተመሪቓ!

20 መጋቢት 2011 ዓ.ም. (29 /03/19 ዓ.ም.ፈ.) ብመሪጌታ ሄኖክ ገብረሚካኤል ዝተዳለወት “ምእላደ ቃላት” ዘርእስታ መዝገበ ቃላት ግእዝ-ትግርኛ ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ተመሪቓ።

ብፁዓን ጳጳሳትን ኃለፍቲ ክፍልታት ዘመንበረ ፓትርያርክን፡ ሚኒስተራትን ኣካላት መንግሥትን፡ መምህራን ኮሌጃትን፡ ደረስትን ተመራመርትን ብሓፈሻ ልዕሊ 200 ዕዱማት ኣብ ዝተረኽብሉ ሥርዓተ ምረቓ፣ መምህር ሳሙኤል ዓምደማርያም ብዛዕባ ጥንታውነትን ኣበርክቶን ህልው ኵነታትን ልሳነ ግእዝ ብምጥቃስ ብዛዕባ’ታ መጽሓፍ ሞያዊ ትንተና ሂቡ።

ቀጺላ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ቱሪዝም ወ/ሮ ኣስካሉ መርቆሬዎስ፦ ልሳነ ግእዝ ኣብ ጽላት ቱሪዝም ዘለዎ ኣበርክቶ ድኅሪ ምዝርዛር ንረቂቅን ነገራውን ባህሊ ኣብ ምድኅሣሥን ምጽናዕን ዓቢይ ግደ ስለ ዘለዎ ከምዚ ዝበለ መጽሓፍ ምድላው ኣዝዩ ኣገዳስን ሓጋዝን ምዃኑ ገሊጻ።


ኣብ ኮሌጅ ንግድን ማኅበራዊ ሥነ ፍልጠትን ዓዲ ቀይሕ መምህር ኣንትሮፖሎጂ(ሥነ ሰብ) ፕሮፌሰር ኣበበ ክፍለኢየሱስ ብወገኑ ልሳነ ግእዝ ጥንታዊ ሃብትን ጸጋን ምድርና ከም ዝኾነ፡ ምልክታትን ኣሰራትን ናይ ኣዱሊስ፡ ቆሓይቶን መጠራን ሕያው ምስክር ኮይኑ ክጥቀስ ከም ዝክኣል ድኅሪ ምሕባር፦ ኣብ ካሪክሉም ኣትዩ ኣብ ኮሌጅ ንግድን ማኅበራዊ ሥነ ፍልጠትን ከም ዓውዲ ኣብ መሥርሕ ምስትምሃር ከምዝርከብ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ኣዳላዊ ናይዛ መጽሓፍ መሪጌታ ሄኖክ ገብረሚካኤል ብልሳነ ግእዝ ቃል ምስጋና ከስምዕ ከሎ፡ ብፁዓን ኣበው ድማ ብመንገዲ ምክትል ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ቀሲስ ሳሙኤል ጸጋይ ንተበግሶን ትግሃትን መሪጌታ ሄኖክ ሞጊሶም። 

እቲ ጉባኤ ብጸሎት ምስ ተዛዘመ፡ ተጋባእቲ መጽሓፍ እናዓደጉ ነናብ ቤቶም ከይዶም።

እዛ መዝገበ ቃላት ግእዝን ትግርኛን ዝኾነት መጽሓፍ’ዚኣ ኣስታት 20,000 ቃላት ክህልዋ ከሎ 723 ገጻት ድማ ኂዛ ትርከብ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195