banner

"መድኃኔ ዓለም"

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ መድኃኔ ዓለም ” 

እግዚአብሔር አምላኽ ቅድሚ ኵሉ ዝነበረ’ዩ። ሰማያት ከይተዘርግሑ፡ ገጹ መሬት ከይተራእየ፡ ጐቦታት ከይቆሙ፡ ቀላያት ከይዓመቑን ወሓይዝ ከይወሓዙን ንሱ ብባህሪኡ ዝነበረ እዩ። ብርሃናት ከይበርሁ፡ ጸልማት ከይተቐንጠጠ፡ ብርሃን መዓልቲ ከይበረሀ፡ ለይቲ ከይተፈጥረ፡ ከዋኽብቲ ከየንጸባረቑ፡ መላእኽቲ ከይተፈጥሩ፡ ቅድሚ ነባቢት ነፍስን መዋቲት ሥጋን፡ ቅድሚ ዝርአን ዘይርአን ኣብ ላዕልን ታሕትን ካብ ዘሎ ኵሉ ፍጥረታት፡ መጀመርታ ብዘይብሎ መጀመርታ እግዚአብሔር ብባህሪኡ ነበረ።

ንፍጥረታቱ ዘደንቑን ምልኩዓትን ገይሩ ፈጠሮም። ንሰማያት ብዘይ ዓንዲ ኣቖሞ፡ ንምድሪ’ውን ኣብ ልዕሊ ማያት ሠረታ። ኣብ ጽሩይ ሰማይ ብለይቲ፡ ብድምቐት ዘብርሁ ወርኅን ከዋክብትን፡ ሰዓታ ሓልያ ቀትሪ ብምሥራቕ ወፂኣ ብምዕራብ እትዓርብ ፀሐይ፡ ሾብዓተ ሰማያት፡ ኣዝርእትን ኣትክልትን ኣእዋምን፣ ኣብ ባሕር ኮነ ኣብ የብሲ ዝነብሩ እንስሳታት ኣራዊትን፡ ስሙ ንምቕዳስ መላእክትን ሰብን ብሓፈሻ ዕስራን ክልተን (22) ሥነ-ፍጥረት ብጥበብ ዝፈጠረ ጐይታ፡ ልዕሊ ኵሉ ጥበቡ ሰብ ኮይኑ፡ ሞይቱ ንዓለም ዘድኃነሉ ጥበብ ኣዝዩ ይበልጽ ይብሉ ኣቦታት፡ . . . ግን ስለምንታይ እቲ ዘይመውት ሞተ፧ ንሞት ብዓወት ንኽስዕር ሞተ።

ተሰቒሉ ድኅነት ሃበና፡ ብሞቱ ንምውታን ኵሎም ኣድኃነ። ንሕይወት ዘድኅን ክነሱ ንሱ መከራ ተቐበለ። ንመከራ ሥጋን ነፍስን ከም ናቱ ጌሩ ተቐበለ። ሞት ገንዘቡ ገበረ። ሓደ ንሱ ምእንቲ ብዙኃት ሞተ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ብደሙ ምእንቲ ከድኅኖምን ወገናቱ ንኽገብሮምን ሞተ።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዳም ካብ ሞት ንኸድኅኖ ቃል ኪዳን ብዝኣተወሉ መሠረት፡ 5500 ዘመን ምስ ተፈጸመ፡ ካብ ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ፡ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ሰብ ንክኸውን መጽአ። ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ኣብ ቅዳሴኡ “ካብ ኣቦኡ ከይወፅአ መጽአ፡ ካብ ህልውናኡ ከይተፈለየ ወረደ፡ ካብ ሠለስትነቱ ከይተፈለየ መጽአ፡ ካብ ሓድነቱ ከይተፈለየ ወረደ፡ ካብ ዝፋኑ ከይተፈለየ ኣብ ማኅፀን ድንግል ተፀንሰ። ኣብ ኵሉ ምሉእ ከሎ ኣብ ማኅፀን ተፀንሰ፣ ኣብ ላዕሊ ኸይጐደለ ኣብ ማኅፀን ተወሰነ። ኣብ ምድሪ ከይተወሰኾ ድማ ተወልደ።” (ቍ.25-27) ከም ዝበለ።

ኣካላዊ ቃል ካብ ሰማይ ወሪዱ ካብ ኣዴና ንጽሕት ቅድስት ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ሥጋ ሰብ ኣብ ዝኾነሉ፡ ኣብቲ ዘመን እቲ፡ ኢየሩሳሌም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮማውያን ነበረት። መንግሥቲ ሮም ኣብቲ ጊዜ’ቲ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ጀሚሩ ንእስራኤል ወሲኹ ክሳብ ሃገራት ዓረብ፡ ነቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዝተፈልጠ ዓለም ይገዝእ ነበረ። ኣብቲ ሮም ግንንቲ መንግሥቲ ዝነበረትሉ ጊዜ ሮማውያን ፍሉይ መሰል ዜግነት ነበሮም።

ዕዳን በደልን ኣዳም ኣርኂቑ ካብ ባርነት ሲኦልን ግዝኣት ዲያብሎስን ሓራ ንኸውፅእ ሥጋ ኣዴና ንጽሕት ቅድስት ድንግል ማርያም ለቢሱ ናብ ምድሪ ዝመጽአ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ምድሪ ጽቡቕ ኣቀባብላ ኣይረኸበን።

ብብሥራት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ካብ ድንግል ማርያም ክውለድ እንከሎ ኵሉ ዘለዎ ሓደ’ዃ ዘይጐድሎ፡ ኣብ ሰማያት ብኢድ ዘይተሠርሐ ግዝኣት ዘለዎ፡ ንሱ ዝኾነ ከምዘይብሉ ኣብ መብልዕ ማል ተወልደ። ብጥበብን ሞጐስን ንኣደኡ እናተኣዘዘ ዓበየ። ኣብ 30 ዓመት ዕድመኡ ብኢደ ዮሓንስ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠመቀ። ኣብኡ ንዝነበረ ናይ ዕዳ ደብዳቤና ሓኸከልና።

ወንጌል እናሰበኸ፡ ንድውያነ ሥጋ ብተኣምራቱ፡ ንድውያነ ነፍስ ከኣ ብትምህርቱ ይፍውሶም ነበረ። ኣብ ዝወዓሎ እናወዓሉ፡ ኣብ ዝኃደሮ እናኃደሩ ትምህርቱ ዝሰምዑን ዝስዕብዎን ቍጽሮም በዝኀ። ኃሙሽተ ዕዳጋ ዝኸውን ሕዝቢ፡ ገሊኡ ቃሉ ንኽሰምዕ፡ ገሊኡ ነቲ ማራኺ መልክዑ ኽርእይ፡ ገሊኡ ኅብስቲ ኣበርኪቱ ይምግብ ስለ ዝነበረ ኣብቲ መኣዲ ንኽሳተፍ፡ ገሊኡ ካብ ሕማም ደዌ ሥጋ ንኽፍወስ፣ ገለ ድማ ካብ ልሳኑ መኽሰሲ ንኽረክብ ዝጸናጸን ነበረ። 
ኣብ ኵርባታትን በሪኽ ቦታታትን ኣብ ጃልባን ምኵራብን ኮይኑ ወንጌል ይሰብኽ ነበረ።

ንዅሎም ከከምዝግብኦም ብምስላ እናገበረ ሕይወት ዝኾነ ቃል ፡ ሕይወት ዝኾነ ኣምላኽ፡ ርእሰ መምህር፡ ሊቀ ካህናት ጐይታ ወንጌል መሃረ። ኵሎም እቶም ኣብ ኃዘንን መከራን ዝነበሩ ቃሉ ክሰምዑን ተኣምራቱ ክርእዩን ከለዉ ይጸናንዑን ይሕጐሱን ነበሩ። ንዅሎም እቶም ዝኃዘኑ ዘጸናንዕ፡ ንዝደኸሙ ዘበርትዕ፡ ንዝወደቑ ዘልዕል፡ ንዝተጸገሙ ዝረድእን ንዝጐደለ ዝምልእን ኣቦ በረኸት ፡ ኣብ ቃና ዘገሊላ መርዓ እንዳ ዶኪማስ ምስ ኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ቅዱሳን ሓዋርያትን ተረኽበ። ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ለወጦ፡ ንእንጌራ ኣበርኪቱ ክሳብ ዝተርፍ መገቦም፡ ኣብ ልዕሊ ማያት ሰጐመ ማዕብላት ንቃሉ ሰሚዖም ተገዝእሉ፡ ኣጋንንቲ እናፈርሁ እናንቀጥቐጡን ሰገድሉ፡ ካብ ብዙኃት ሰባት’ውን ገሢፁ ኣውፅኦም። ድውያን ፈወሰ፡ ንምውታን ኣተንሥአ፡ ብሞቱ ሕይወት ዝህብ ጐይታ፡ ምድሪ ግና ንእኡ ሞት ለገሰትሉ። ንዝጠመዩ ስለ ዘብልዐ፡ ወንጌል ሕይወት ሰቢኹ ብሓድሽ ጐደና ሕይወት ስለዘቕንዐ ሠናይ ብምግባሩ ተሰቒሉ ንኽመውት ፈረደቶ።

ሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንክርስቶስ ብኸመይ ምስ ጲላጦስ ከም ዘባእስዎ ውዲት ይኣልሙሉ ነበሩ። እቲ ሕዝቢ ንዕኦም ገዲፉ ንክርስቶስ ስዒቡ፡ ኣብ ዝወዓሎ ምውዓሉን ኣብ ዝኃደሮ ምኅዳሩን ደንጺዎም እዩ።
ፋሲካ ዝብሃል በዓል ቅጫ ቀረበ። ጸሓፍትን ሊቃነ ካህናትን ብኸመይ ከም ዘትኅዝዎ እናሓሰቡ እንከለዉ፡ ሰይጣን ኣብ ልቢ’ቲ ሓደ ካብ ዓሠርተ ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ይሁዳ ኃደረ። ንሱ ከመይ ጌሩ ኣኅሊፉ ከምዝህቦም ምስ ሊቃነ ካህናት ተወዓዓለ። ሠላሳ (30) ዲናር ተመንሉ፡ ስዒሙ ክህቦም፡ ንሳቶም ከኣ ሠላሳ ዲናር ክህብዎ። መድኃኔ ኵሉ ዓለም ብሠላሳ (30) ዲናር ተሸጠ።

ከም ልማዱ ናብ ደብረ ዘይቲ ከይዱ ኣብ ጌቴሴማን ኣብቲ ልሙዕ ስፍራ እንከሎ፡ ኣስቀሮታዊ ይሁዳ ዝመርሖም ሰይፍን ኣባትርን ዝኃዙ ጸሓፍትን ሊቃነ ካህናትን ምስ ገላውኦምን ጭፍራ ወተሃደራት ናብኡ ገጾም ኣምርሑ። “እቲ ዝስዕሞ ንሱ እዩ ኃዝዎ” ኢልዎም ስለዝነበረ፡ ናብ ጐይታ ቅርብ ኢሉ ሰዓሞ “ሰላም መምህር” ኢሉ’ውን ሓቖፎ። እዚ ንኣይሁድ ካብ ይሁዳ ዝተዋህበ ምልክት እዩ ኔሩ። ኣይሁድ ድማ ተሓጕሶም ኃዝዎ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣብ ናይ ጸሎተ ቅዳሴ ድርሰቱ “ነቲ ኵሉ ዝኅዝ ኃዝዎ፡ ንዅሉ ዝገዝእ ኣሰርዎ፡ ንወዲ እቲ ሕያው ኣምላኽ ኣሰርዎ፡ ብቁጥዓ ጐተትዎ ፡ ብፍቕሪ ሰዓቦም” ከምዝበለ።(ቍ.46)

ካብ ሓዋርያት ፈልዮም ኃዝዎ። መከራኡ ካብታ ምሽት እቲኣ ፈለመ።

“ሥጋይ ቈሪሰ፡ ደመይ ኣፍሲሰ፡ መሥዋዕት ኮይነ ከድኅነካ እየ” ኢሉ ቃል ኪዳን ንዝኣተወሎም ጐይታ፣ ሞት ንኸጥፍእ፡ ኵናት ሞት ንኽሰብር፡ ንማሕረድ ከም ዝኹብኮብ ኣብ ቅድሚ ጠባሕቱ ዘይዛረብ ከም ለዋህ ገንሸል ደድኅሪኡ እናሰዓቡ ከትከትዎ። እናዳፍኡን እናጋፍዑን ናብ ጲላጦስ ወሰድዎ።

ሓዋርያት ብምትኃዝ ጐይታ ፋሕ ኢሎም እዮም። ምትኃዝ ናይቲ ጓሳ ነቲ መጓሰ ፋሕ ፋሕ ኣቢልዎ እዩ። ይሁዳ ንጐይታ ኣኅሊፉ ንሊቃነ ካህናትን ወተሃደራት ሮምን ምስ ሃበ ናብቲ ከባቢ ቅል ቅል ኣይበለን።

ቅድስት ድንግል ማርያም ምትኃዝ ወዳ ምስ ሰምዐት ናብቲ መከራ ዝቕበለሉ ዘሎ ንኽወስድዋ ካብ ሓዋርያት ደለየት። ንኣይሁድ ስለዝፈርሑ ኵሎም ሃዲሞም እዮም። ምስ ጴጥሮስ ንኽትከይድ ደለየቶ፡ ንሱስ ንኣይሁድ ፈሪሑ ንወድኺ ኣይፈልጦን እየ ኢሉ ሃዲሙ ተሓቢኡ ኣሎ በልዋ። መሊሳ’ውን ብዛዕባ ያዕቆብ ሓተተት፡ ንሱ’ውን ክኅዝዎ እንከለዉ ሃዲሙ እዩ በልዋ። ንእንድርያስ ደለየት፡ ንሱስ ኣብዚ የለን በልዋ። ቶምስ’ውን ከምኡ ሃዲሙ እዩ። ንበርተሎሜዎስ’ውን ደለየት ንሱ’ውን ቅድሚ ኵሉ ሃዲሙ እዩ በልዋ። ንፊልጶስ ደለየት፡ ንሱስ ፈጺሙ’ኳ ኣይተራእየን በልዋ። ማቴዎስ’ከ በለት፡ ንሱስ ተቐባሊ ቀረጽ ስለዝነበረ ልዕሊ ኵሎም ፈሪሑ ሃዲሙ ተሓቢኡ’ሎ በልዋ። ብዛዕባ ኵሎም በብተራ ሓተተት።

ብዘይካ ምስኡ ናብ ቀራንዮ ዝኸደ ዮሓንስ ንሓደ’ኳ ኣይረኸበትን። እናበኸየትን እናብዓትን ናብ ቀራንዮ ገጻ ኣምርሐት። ኵሎም ፈሪሖም ተሓቢኦም። ሓደ እኳ ምስኡ ዝኸውን፡ መከራኡ ዝካፈሎ ብዘይምንባሩ ነቶም ጸሓፍትን ሊቃነ ካህናትን ይግባይ ኢሉ ዝሓቶም፡ ግደፉ ኢሉ ዝጣበቐሉ ብዘይምንባሩ ኣብ ልዕሊ መድኃኔ ዓለም መከራን ስቓይን ኣብዝኁ።

ከም’ቲ ሕጎም፡ ፍርዲ ሞት ንክብይነሉ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ኣብ መጋባእያ ኣቖምዎ። ሊቃነ መላእክት ብፍርሕን ራዕድን ኣብ ቅድሚኡ ንዝቖሙ ንዕኡ ኣብ መጋባእያ ኣቖምዎ።

‘ንሕዝብና ከናዓዕብ፡ ንቄሣር ግብሪ ከይወሃብ ክኽልክል፡ ካብኡ ኃሊፉ ኣነ ክርስቶስ ንጉሥ እየ፡ ወልደ እግዚአብሔር እየ ክብል ረኸብናዮ፣ ንሰንበት ዘየኽብር እዩ እናበሉ ከሰስዎ። ንሱ ግና ብሰንበት ንዝሓመሙ ፈወሶም፡ ንዝሞቱ ኣተንሥኦም።

ንሓደ ኢዱ ዝደረቐት ሰብኣይ ኣብ ምኵራብ ረኸበ፡ ኣይሁድ ምኽንያት ንክረኽብሉን ክኸስዎን ኢሎም ብሰንበት ምናልባት እንተ ኣድኃኖ ይከታተልዎ ነበሩ።

ጐይታ ድማ ኢድካ ዘርግሓዮ በሎ፡ ኢዱ ዘርግሐ፡ ሓውያ ከምታ ካልኣይቲ ኮነትሉ፡ ኣይሁድ ግና ንሰንበት ስዒሩ በልዎ።

ኣብ ቅድሚኡ ከብዱ ዝሓበጠ ሓደ ሰብኣይ ነበረ፡ ብሰንበት ኣሕዊዩ ሰደዶ፡ ኣይሁድ ግና ንሰንበት ሰዓረ በልዎ።

ብዕለተ ሰንበት ዕውር ኮይኑ ዝተወልደ ሰብኣይ ረኸበ። ብጥፍጣፉ ጸብሪ ጌሩ ንዓይኑ ለኽዩ ኴድካ ኣብቲ ወሓዚ ማይ ተሓጸብ በሎ። ኸይዱ ተሓጽበ፡ እናረኣየ ድማ ተመልሰ፣ ኣይሁድ ግና ንሰንበት ሰዓረ በልዎ።

ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ዘቕረብዎ ክሲ፡ ንጲላጦስ ኣኻሊ ኣይነበረን። ብቅንኢ ከም ዘትኃዝዎ ይፈልጥ እዩ። ጲላጦስ ነቲ እኩብ ሕዝቢ ንጸሓፍትን ፈሪሳውያንን “ኣነ ዝኾነ በደል ኣይረኸብክሉን፡ ንስኻትኹም ከም ሕግኹም ወሲድኩም ቅጽዕዎ” በሎም። ሊቃነ ካህናት ጫው ጫው በሉ። ካብ ገሊላ ጀሚሩ ክሳብ ኣብዚ ዞባ ይሁዳ ንሕዝቢ እናማሃረ ሃዊኹና እዩ እናበሉ ሓቢሮም ጨደሩ። ጲላጦስ፡ ገሊላ ዝብል ቃል ምስ ሰምዐ ወዲ ገሊላ እንተኾይኑ ንኽፈልጥ ንሰብአ ገሊላ ሓተተ። በዓል ገሊላ ምዃኑ ምስ ተረድአ፡ “እዚ ንግዝኣት ሄሮድስ ዝምልከት” ኢሉ ናብ ሄሮድስ ለኣኮ። በቲ ጊዜ’ቲ ሄሮድስ ኣብ ኢየሩሳሌም ስለዝነበረ ሽዑ ጐይታ ናብኡ ተላእከ።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ መግዛእቲ ናፃ ክነሱ ብትሕትና ከደ። ንሱ ገዛኢ ምድራውያንን ሰማያውያንን ክነሱ፡ ንሱ ሰማያዊ ንጉሥ ክነሱ፡ ኣይሁድ ግና እናዳኡን እናጋፍዑን ናብ ሄሮድስ ወሰድዎ። ማራኺ መልክዑን ብሩህ ገጹን ምስ ርኣየ ሄሮድስ ኣዚዩ ተሓጐሰ። ነቲ ዝገብሮ ተኣምራቱ ኣብ ዝሰምዓሉ ጊዜ ቅድሚ ነዊኅ መዓልታት ጀሚሩ ክርእዮ ብዙኅ ይምነ ስለዝነበረ፡ ሄሮድስ ካብ ባህጉ ዝተላዕለ ደጊሙ ደጋጊሙ ሓተቶ። ኣጸቢቑ ውን መርመሮ። ንሱ ግና ሓንቲ ቃል’ዃ ኣይመለሰን። ሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን ፈሪሳውያን ስቅ ኢሉ ደው ስለዝበለ ናይ ሓሶት ክሶም ከዳልዉ ዕድል ረኸቡ። ሄሮድስ ነቶም ርኅራኄ ዘይብሎም ወተሃደራት በቲ ዝኃዝዎ ጭጉራፍ ንኽገርፍዎ ትእዛዝ ኣመኃላለፈ፡ . . .

ብመግረፍቱ መግረፍቲ ኣዳም ክኣሊ፡ ብትእዛዝ ሄሮድስ ብዙኅ ተገርፈ። ሥጋኡ ተቖራረጸ፣ ደሙ’ውን ከም ማይ ናብ ምድሪ ፈሰሰ። ሄሮድስ ንጐይታና ኢየሱስ ኣቓለሎ። “ ሞት ይግብኦ እዩ” ኢሉ መሊሱ ናብ ጲላጦስ ለኣኾ።
እታ መዓልቲ መከራኡ መዓልቲ ፍቕርን ዕርቅን፡ መዓልቲ ምሕረትን ይቕሬታን፡ መዓልቲ ሥርየትን ኅድገትን፡ መዓልቲ ሕይወትን ምድኃንን እያ’ሞ ካብ ቅድም ጀሚሮም ባእሲ ዝነበሮም ሄሮድስን ጲላጦስን ሽዑ ንሓድሕዶም ተፋቐሩ። . . .

ጐይታ ናብ ጲላጦስ ተመልሰ። ሄሮድስ ናብኡ ከም ዝመለሶ ዝፈለጠ ጲላጦስ ነቲ እኩብ ሕዝቢ “ናብ ሄሮድስ ልኢኸዮ። ንሱ መሊሱ ናባይ ለኣኾ፡ እንሆ ንሱ ናብ ሞት ዘብጽሕ ዝገበሮ የለን። ስለዚ ገሪፈ ክገድፎ እየ” ኢሉ ተዛረቦም። ሊቃነ ካህናት ግና “ንኢየሱስ ስቐለልና፡ ንበርባን ግና ፍትሓልና ኢልኩም ለምንዎ” ኢሎም ነቶም ሕዝቢ ኣለዓዓልዎም። ንምሉኣቶም እቶም ሕዝቢ ድማ “ነዚ ሰብ’ዚ ብስቕለት እለዮ፡ ንበርባን ግና ፍትሓዮ” ኢሎም ጨደሩ።

ጲላጦስ መሊሱ መላሊሱ በደል ስለዘይረኸበሉ፡ ምእንቲ ከድኅኖ ወይ ድማ ገሪፉ ክገድፎ ሓተቶም። እቶም ሕዝቢ ግና ብዓቢይ ድምፂ እናጨደሩ “ስቀሎ! ስቀሎ! ብሞት እለዮ! ንበርባን ፍትሓልና ንዕኡ ግና ስቀሎ!” በሉ።ብንጹሕ ደም ዝተሓጸበ፡ ንብዙኃት ሰባት ዘጥፍአ፡ ህውከትን ዋይዋይታን ዘንገሠ በርባን ይፈታሕ፣ እቲ በደል ዘይተረኽቦ ንጹሐ ባሕርይ፡ ናዛዚ ክርስቶስ ግና ይሰቀል! ይሰቀል! . . .

ይሰቀል! ዝብል ድምፂ ሊቃነ ካህናትን ሕዝብን በርትዐ። እቶም ሕዝብን ጲላጦስን ብኸምዚ እናተዛራረቡ ከለዉ ሰበይቲ ጲላጦስ ኣብሮቅላ ኣብ ልዕሊ እዚ ንጹሕ ደም ናይ ምፍሳስ ኃላፍነት ከይትወስድ እሞ ከይትጋገ ተጠንቀቕ! ዝብል መልእኽቲ ምስቲ ዝረኣየቶ ሕልሚ ኣሰንያ ለኣኸትሉ። ጲላጦስ ተበሳጨወ። በቲ ሓደ ወገን ናዕቢ ሕዝቢ ክገድድ ፣ በቲ ካልእ ወገን ድማ ናይ ሰበይቱ ናይ መጠንቀቕታ መልእክትን ዝረኣየቶ ሕልምን ኣቀራቐሮ።

ናዕቢ ክገድድ እምበር ዋላ ሓደ ዝጠቕም ነገር ከምዘየለ ርእዩ፡ “ኣነ ካብ ደም’ዚ ንጹሕ ሰብ’ዚ ናፃ ምዃነይ ንስኻትኩም ፍለጡ፣ ንስኻትኩም ግና እቲ እትገብርዎ ዘለኹም ኣስተውዕሉ!” እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ሕዝቢ ኣእዳዉ ተሓጽበ። እቶም ሕዝቢ ግና “ደሙ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ወለዶናን ይኹን” በሉ፡ . . .

ኣይሁድ ግና ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እናጸረፉ ናብ’ቲ ዓንዲ ደፊኦም ደርበይዎ። ‘ወዲ ዮሴፍ’ዩ፡ ሳምራዊ’ዩ፡ ጋኔን ኂዝዎ ዓቢዱ’ዩ፡ ንኣጋንንት’ውን ብሓለቓኦም የውፅኦም እዩ . . ” እናበሉ ጸረፍዎ። እቲ ጸርፍን ውርደትን ግና ኣብ ዕለተ ዓርቢ ጥራይ ዘይኮነስ ንሠላሳን ሠለስተን ዓመት መመላእታ ዝነበረ እዩ። እቶም ኣጋንንቲ ዝኃደርዎም ሰባት ግና ካብ ኣይሁድ ሽሕ ጊዜ በሊጾም ጋኔን ከምዘይብሉ ምስ ብዔል ዜቡል’ውን ኅብረት ከም ዘይብሉ፡ ወዲ ዮሴፍ ዘይኮነስ ወዲ ልዑል እግዚአብሔር ከምዝኾነ መስከርሉ። ኣይሁድ ግና “ኃጥእ፡ በደለኛ፡ ገባሪ ክፉእ፡ በላዕን ሰታዪ ወይንን፡ ዓርኪ ተቐበልቲ ቀረጽን ኃጥኣንን ተጻራፋይን እዩ” እናበሉ ኣላገጽሉ፡ ጐይታና ግና ከምቲ ንኣይሁድ “ብዛዕባ ኃጢኣት ካባካትኩም ዝከራከረኒ መን እዩ፧” ዝበሎም ብባህሪኡ ንጹሕን ክቡርን ሓቀኛን እዩ።. . .

ሓደ መዓልቲ ንሓንቲ ሰበይቲ ክትዝሙ ምስ ረኸብዋ፡ ብመሠረት ሕጊ ሙሴ ንኽፈርደሎም ጸሓፍቲን ፈሪሳዊያንን ናብኡ ኣምጽእዋ። ነታ ሰበይቲ “ኃጢኣትኪ ተኃዲጕልኪ’ዩ ዳግማይ ኣይትበድሊ” ዝበለ ሠራዬ ኃጢኣት ኣምላኽ፡ ንእኡ ኣይሁድ ኃጥእ በልዎ።

ኣብ ቤት ስምዖን ብምዑዝ ጨና ዝቐብኣቶ፡ ንኣእጋሩ ድማ ብንብዓታ ሓጺባ ብጸጉሪ ርእሳ ዝደረዘቶን ዝተሳለመቶን ሰበይቲ፡ ብዙኅ ስለዘፍቀረቶ ይቕረ በለላ። 
ንኃጢኣት ይቕረ ዝብል፡ ከምዚ ዝበለ ሠናይ ንዝገብር ኣምላክ፡ ገፍዕዎን ገረፍዎን። ኣእጋሩን ኣእዳውን ኣብ ዓንዲ እምኒ ኣሰርዎ። እቲ ዝመውት ከም ዘይግረፍ እቲ ዘይመውት ከኣ ከም ዘይግረፍ እናፈለጡ ብገመድን ሓለንግን ገይሮም 6666 ጊዜ ገረፍዎ። ቍጽሪ ግርፋቱ እናኣጋገዩ ይገርፍዎ ስለዝነበሩ 50,000 እዩ ዝብሉ’ውን ኣለዉ።

ዝተገርፈሎም ሓለንግን ጭጉራፍን ብደም ጠልቀዩ። በቲ መግረፍቲ ሥጋኡ ተወድአ። እቲ ዘይግረፍ ኣምላኽ ሥጋ ሰብ ለቢሱ ንወዲ ሰብ ከድኅን ብምምጽኡ ተገርፈ። ብግርፋቱ ድማ ካብ ካብ መግረፍቲ ኃጢኣት ኣድኃነና። 
ጲላጦስ፡ ብሕዝቡ ንኸይጽላእ፡ ብኣይሁድ ንኽፍቶን ፍቓዶም ንኽፍጽምን ንጐይታ ስቐልዎ ኢሉ ንኣይሁድ ሃቦም። ኣይሁድን ጭፍራታቶምን ግና ንጐይታ ፡ ናብ መጋባእያ ፈርዲ ወሲዶም ክዳኑ ቐንጢጦም ፃዕዳ ዝኾነ ልብሲ ቤተ መንግሥትን ኅብሩ ቀይሕ ዝኾነ ልብሲ ቤተ ክህነትን ኣልበስዎ። ንሱራፌል ልብሲ ግርማ፡ ንኪሩቤል ድማ ልብሲ መብረቕ ንዘልብሶም ንእኡ ንኸላግጽሉ ቀይሕን ፃዕዳን ግምጃ ኣልበስዎ። 
ኣብ እሳት ዝተኸበ መንበር ንዝቕመጥ ንእኡ ኣብ ናይ መላገጺ መንበር ኣቐመጥዎ።

ብእሾኽ ስየ ዝተተዐ ብኣምሳል መርፍእ ዝተሠርሑ 50 እሾኽ ዘለዎ ናይ ላግጺ ኣኽሊል ኣብ ርእሱ ደፍእሉ። እቶም ኣእሻኽ ክሳብ ኣዕፅምተ ርእሱ በጺሖም ወግእዎ። ነቲ ንመላእክት ኣክሊለ ብርሃን ዝደፍኣሎም ርእሲ ሕይወት ጐይታ ንዕኡ ኣኽሊል እሾክ ደፍእሉ። ካብቲ ዝተበስዐ ርእሱ ድማ ደም ከም ማይ ወኃዘ። ገጹ ደም ለበሰ፡ ኵሉ ሰብነቱብደም ጠልቀየ።

ብየማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትኂዞም ንኸባጭውሉ ኣብ ቅድሚኡ እናደነኑ “ንጉሠ ኣይሁድ ሰላም ንዓኻ ይኹን” እናበሉ ኣላገጽሉ።

ሠራዊተ መላእኽት እናኣንቀጥቀጡ ንዝድፍእሉ፡ ሥልጣናትን ሊቃናትን ብፍርሓት ንዝሰግድሉ፡ ንእኡ ኣይሁድ ብትዕቢት ኢድ ነሥእሉ። እዚ ስለዘየዕገቦም፡ ኣብቲ ካብ ኵሎም ደቂ ሰባት ዝወቐበ ገጽ ጐይታ፡ ጥፍጣፎም ተፍኡ።
“ገጸይ ርእዩ ዝቐውም የለን” ንዝበለ ጐይታ፡ ኣብ ገጹ ጡፍ በልሉ፣ ንሱ ጥፍጣፎም ተጸይፉ ገጹ ኣይመለሰን፣ ዘጸይፍ ጥፍጣፍ ኣብ ገጹ ብምቕባሉ ብኃጢኣት ዝጸምለወን ዝተደወነን ገጽና ብምዑዝ ቕብኡ ኣብርሃልና። ንሳቶም ግና ንርእሱ ብበትሪ፡ ንገጹ ድማ ብጽፍዒት ሃረምዎ። ነቲ ኪሩቤል ገጹ ካብ ምርኣይ ዝተላዕ ብእሳታውያን ኣኽናፎም እንተጐልበቡ ካብ ቅድሚ ገጹ ዝሥወሩ ኣምላኽ፡ ንእኡ ገጹ ጸፍዕዎ። ሓደ ድኅሪ ሓደ መከራ ኣጽንዕሉ።

ጲላጦስ ንጐይታ ናብ ግዳም ኣውፅኦ። ነቲ ዝለበሶ ልብስን ዝደፍኦ ኣክሊልን ምስ ርኣዩ “ስቐሎ!፡ ስቐሎ!፡ ስቐሎ!፡” እናበሉ ብዓውት ጨደሩ። ጲላጦስ’ውን “እንሆ ወሲድኩም ስቐልዎ” ኢሉ ሃቦም። ኣይሁድን ሊቃነ ካህናትን ድማ ዝለበሶ ልብሲ ቀንጢጦም ዓሠርተ ሾብዓተ (17) እመት ዝቑመቱ ዝተመሳቐለ ዕንጨይቲ ኣሰኪሞም ንኽሰቕልዎ ወሰድዎ። እቲ ጉዕዞ ካብ ቀጽሪ ኢየሩሳሌም ውፅእ ኢላ ናብ እትርከብ ናብ ቀራንዮ እዩ። ምስኦም ዝነበረ ሕዝቢ ምብዝኁ ክንድ’ዚ ኢልካ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይነበረን። 580 ሠራዊት ኣፅዋር ኵናት ዓጢቖም ይስዕብዎ ነበሩ። ምስኦም ዝተኃባበሩ ካልኦት 230 ሰባት’ውን ነበሩ።

መከራኡን ስቓዩን፡ ዝርኣያ ኣዋልድ ኢየሩሳሌም ኣፍ ልበን እናወቕዓ፡ ናብ ምድሪ እናወደቓ ይበኽያሉ ነበራ። ንሱ ግና “ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም! መኻናትን፡ ዘይወለደት ማኅፀንን ዘየጥበዋ ኣጥባትን ብፁዓትን ክቡራትን እየን፡ ዝበሉለን ጊዜ ክመጽእ እዩ እሞ ንዓይ ኣይትብከያ ንርእስኽንን ንደቕክንን ብኸያ። ኣብ ጥሉል ኦም ከምዚ ካብ ገበሩስ ኣብቲ ንቑጽ ደኣ ከመይ ክኸውን እዩ . . . ።”

ብናይ ኣሽካዕላል ኣኽብሮት፡ ቀና ኣዝማችን ግራ ኣዝማችን ሸምናልካ ንኽብሉ ንኻልኦት ክልተ ሸፋቱ ኂዞም ምስኡ ክስቀሉ ኣምጽእዎም። ንዝወደቑ ዘተንሥእ ክንሱ መስቀሉ ተሰኪሙ ኣብ ጎዳና ወደቐ። ገመድ ኣብ ክሳዱ ኣእትዮም ሰሓብዎ። ንሱ ግና ኣፉ’ኳ ኣይከፈተን፡ ንማሕረድ ከም ዝኸይድ ገንሸል ናብ ቀራንዮ ተኾብኮበ። ናብ መርዓኡ ንዝተዓደሙ ሰባት፡ ማሕረድቱ ዘሐጕስ ላም እዩ እሞ ክሳብ እቲ ዝስቀለሉ ቦታ ብበትሪ እናሃረሙን፡ እናኣጋፍዑን፡ እናዳፍኡን ወሰድዎ።

ኣብ ቀራንዮ ምስ በጽሐ ከኣ ሓሞት ሓርማዝን ከርበን ዝተሓወሶ ወይኒ ኣስተይዎ። ንሱ ግና ጥዕም ኣቢሉ ምስታይ ኣበየ። ሓደ እመት ዝኸውን ዊጥ ዝበለ ሽንካር ኣብ ዘለዎ መስቀል ብዝባኑ ኣደቀስዎ እሞ እቲ ሽንካር ብኣፍ ልቡ ወፅአ። ኣፍ ልቡ ምስቲ መስቀል ብሓደ ሽንካር ብዝባኑ ክሳብ ዝወፅእ ሸንከርዎ። ንኣእዳው ኣብ ጫፍ መስቀል ክሳብ ዝበጽሕ ብገመድ ገቲሮም ብምስሓብ ብኽልተ ሽንካር ሸንከርዎም። ነእጋሩ ድማ ነታ ሓንቲ ምስታ ሓንቲ ደሪቦም ብሓደ ሽንካር ሸንከርዎም። ቅዱሳን መላእክት ግና ኵሉ ዝፈሰሰ ደም ብናይ ሓዊ ጽዋዕ ተቐበልዎ።

ፀሐይ ኣብ ርእሲ ኣብ ዝኾነትሉ ስሱ ሰዓት ሸንኪሮም ምስ ወድኡ ኣብ ዕንጨይቲ መስቀል ሰቐልዎ። ገጹ ናብ ምሥራቕ ፡ የማናይ ኢዱ ናብ ደቡብ፡ ጸጋማይ ኢዱ ድማ ናብ ሰሜን ጌሮም ሰቐልዎ። ስለ ድኅነት ዓለም፡ ከም መኣዝነ ምድሪ ንላዕልን ንታሕትን፡ ንየማንን ንጸጋምን ኮይኑ ልክዕ ከም መጋረጃ ተዘርጊሑ ተሰቕለ። እቶም ሕዝቢ ንሱ’ውን ከምኣቶም ሽፍታ እዩ ምእንቲ ክብልዎ፡ ንጐይታ ኢየሱስሳብ ማእከል ገይሮም ሓደ ሽፍታ ብየማኑ ሓደ ሽፍታ ብጸጋሙ ሰቐሉ። ንኣና ምስ ጻድቃን፡ ንኽጽምብረና ንሱ ምስ በደለኛታት ተቘጽረ።

ጲላጦስ’ውን ንበደሉ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣንበረ። እቲ ጽሑፍ ከኣ “ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉሥ ኣይሁድ እዩ” ዝብል ነበረ። እቶም ኃለፍቲ መንገዲ ኸኣ ርእሶም እናነቕነቑ “ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይጸርፍዎ ነበሩ። ጸሓፍትን ሊቃነ ካህናትን ከበጭውሉ ጀመሩ፡ “ንኻልኦት ዘድኅን ንርእሱ ግና ከድኅን ዘይክእል ክርስቶስ ንጉሠ እስራኤል እንተኾይኑስ እስኪ ሕጂ ካብ መስቀሉ ይውረድ እሞ ርኢና ብእኡ ኽንኣምን” እናበሉ ይጸርፍዎን የላግጽሉን ነበሩ። ንሱ ግና ብሥልጣኑን ከሃሊነቱን ከምቲ ንሶም ዘባጨውሉ ካብ መስቀሉ ክወርድ ምኸኣለ ነይሩ፡ እንተኾነ ግና ንኣዳም ‘ብሞተይ ከድኅነካ እየ።’ ዝበሎ ተስፋ ቃሉ ዘይሕሶ እዩ እሞ ካብ መስቀሉ ኣየወረደን። ነዚ ናይ ኣይሁድ ምቅላል ርእዮም ሠራዊት መላእክት ብነበልባላዊ ኣስይፍቶም ንደቂ ሰባት ከጥፍእዎም ደለዩ። እንተኾነ እግዚአብሔር ብምሕረቱ ካብ ቍጥዓኦም ኣህድኦም። ዕርቃኑ ምእንቲ ከይርአ ከም ድንኳን ኣብ ልዕሊ ሰብነቱ ኣኽናፎም ዘርግሑ። ብየማኑ ዝተሰቕለ ሽፍታ ኣዕይንቱ ተኸፊትሉ “ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከለኻ ዘክረኒ” ምስ በሎ መፍቀሬ ንስሓ ጐይታ ድማ “ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትህሉ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ።” በሎ። ብኣንጻሩ ምሕረቱ ዝረኃቆም ወተሃደራት ግና ነቲ ክዳውንቱ ኣብ ኣርባዕተ መቒሎም ተኻፈልዎ፣ ነታ ስፋይ ዘይብላ ቀሚሱ ድማ ዕጫ ኣውደቑላ።

ኣደ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኃብታ ጓል ቀለዮጳ ማርያምን፡ ምስ መግደላዊት ማርያምን ኣብ ታሕቲ መስቀሉ ኮይና ልቢ ብዝሰብር መሪርን ጽኑዕን ኃዘን ትበክይ ነበረት። ስለ’ቲ ብድንግልና ዝፀነሰቶን ዝወለደቶን ወዳ ከመይ’ከ ዘይትበኪ፧ ትሽዓተ ወርኅን ኃሙሽተ መዓልትን ኣብ ማኅፀና ንዝተወሰነ ወዳ፣ ካብ ጡባ ንዝጠበወ ወዳ ድንግል ማርያም ከመይ ዘይትበኪ፧ ራሔል ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኂዛቶም ንዘይተሰደት ደቃ ካብ በኸየት፡ ብስደት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ተጓዒዛ ኣብ በረኻታት ግብጺ ብስደትን ስቓይን ከርተት ንዝበለትሉ ወዳ ድንግል ማርያም ከመይ’ከ ዘይትበኪ፧ ኣቦ ዓሠርተ ክልተ (12) ነገደ እስራኤል ዝኾነ ያዕቆብ ንወዱ ዮሴፍ ካብ በኸየሉ ከመይ ዘይትበኪ፧ ያዕቆብ፡ ንወዱ ዮሴፍ ኣኅዋቱ ክኣስርዎን ኣብ ጉዳጓድ ክድርብይዎን ከለዉ ኣይረኣየን፡ ድንግል ማርያም ግና ወዳ ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ ቅድሚ ዓይና ርእያቶ እያ። ያዕቆብ፡ ንዮሴፍ ክዳኑ (ልብሱ) ገፊፎም ክሸጥዎ ኣይረኣየን፡ ድንግል ማርያም ግና ይሁዳ ብሠላሳ (30) ዲናር ክሸጦ ርእያ እያ። ያዕቆብ፡ ንደም ወዱ ዘይኮነስ ደም በጊዕ ርእዩ እዩ ዝበኸየ፣ መለኮት ዝተዋሕዶ ደም ክርስቶስ ወዳ እናወኃዘ ድንግል ማርያም ስለ’ቲ ፍቑር ወዳ ከመይ ዘይትበኪ፧

ሾብዓተ ሊቃነ መላእኽት መጺኦም ኣጸናንዕዋ። ንሳ ግና ኣብ መስቀል ይሳቐ ንዘሎ ወዳ እናርኣየት ምጽንናዕ ኣበየት። ኣቦኣ ዳዊት ኣብ ሠረገላ እሳት ተወጢሑ መጺኡ ኣጸናንዓ። ንሳ ግና ንንብዓታ ክትገትእ ኣይከኣለትን። እንሆ ፍቁር ወዳ “እንሆ ወድኺ” በላ፣ ነቲ ዘፍቅሮ ወደ መዝሙሩ ድማ “እንሃ ኣዴኻ” ኢሉ ምስ ሃቦ ካብ ብዝኂ ኃዘና ዝተላዕለ ከይትመውት ካብታ ሰዓት እቲኣ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ። ኣብ ቤቱ ምስ ኣተወት’ውን ምጽንናዕ ኣበየት። ክሳዕ ሠለስተ መዓልቲ ድማ እኽለ ማይ ዝበሃል ኣይለኸፈትን።

ፀሐይ ኣብ ርእሲ ኣብ እትኾነሉ ጊዜ ብርሃና ከልከለት። ብቐትሩ፡ ፀሐይ ኣብ ትብርትዓሉ ሰዓት ኢየሩሳሌም ብጸልማት ተዋሕጠት። ወርኂ’ውን ንኣምላኽ ኣብ መስቀል ስለዝረኣየቶ ደም መሰለት። ከዋኽብቲ ረገፉ። . . . ክርስቶስ ኣብ መስቀል ከሎ ኵሉ ትንቢት ስለዝተፈጸመ “ተፈጸመ!” በለ። ንነፍሱ ብሥልጣኑ ካብ ሥጋኡ ፈለያ። ኣምላኽ ብሥጋ ሞተ። ብነፍሲ ንዝሞተ ኣዳም ንኸድኅን ክርስቶስ ብሥጋ ሞተ። ካብ ዝመውት ድኅሪ ሰዓት ፈረቓን ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ሙማቱን ዘይሙማቱን ምእንቲ ክፈልጥ በቲ ዝሠርሕሉ ዓቢይ ኲናት ገይሩ ጐድኑ ወግኦ። ካብ ጐድኑ ድማ ድማ ጽሩይ ማይን ውዑይ ደምን ፈሰሰ። ኣብ መስቀል ካብ ዝስቀል ብስቕለቱን ሞቱ ኃሙሽተ ሰዓት ገበረ። 
ኣይሁድ ነቲ ሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርኅን እንጌራ ሕይወት ዝመገቦም፡ ናይ ሕይወት ቃሉ ከም ማይ ዘውሓዘሎም ኣምላኾም፡ ብምሰቃሎም፡ ጌና ካብ ቀራንዮ እናወረዱ እንከለዉ እዮም ምስ ጸሐፍትን ፈሪሳውያንን ሓጐሶም ዝጀመሩ። ነንሓድሕዶም ብዛዕባ እቲ ዝፈጸምዎ ቅያን፡ ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ዝፈጸምዎ ግፍዕን ኣዕለሉ።

ቅድስት ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ምስ ፈለያ መሊሳ ዝተቐልቀለት ሃሳስ ፀሐይ፡ ሕጂ’ውን ናብ ምዕራባ ኣቕንዐት። እንሆ ምሸት ዓርቢ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ናብ ጲላጦስ ኣትዮም፡ ንሥጋ ክርስቶስ ኣውሪዶም ንኽቐብርዎ ክፈቕደሎም ለመንዎ። ጲላጦስ’ውን ፈቐደሎም። ንሶም’ውን ካብ መስቀል ኣውረድዎ። ምእንታና ኣዒንቱ ብሞት ከምዝተሸፈና፡ ምእንታና ኣእዛኑ ብሞት ከምዝተዓጽዋ፡ ምእንታና ብሞት ልሳኑ ከም ዝተሓትመ፡ ምእንታና’ውን ኣእዳዉን ኣእጋሩን ከም ዝተኣስራ ኣብ ዝርኣይሉ ጊዜ “ንሞት ብዓወት እትስዕር ጐይታ ደቀስካ ዶ፧ ከመይ’ከ ሞት ኣብ ልዕሌኻ ሠልጠነ፧” እናበሉ በኸዩ።

ከም ናይ ሰብ ሥርዓት ክገንዝዎ ምስ ሃቀኑ ኣዒንቱ ተኸፍታ፡ ንዮሴፍን ኒቆዶሞስን ከኣ ተዛረቦም። “ከም ዕሩቅ ብእሲ ስቕ ኢልኩም ክትገንዙኒ ዲኹም፧ በሉ ከምዚ እናበልኩም ግነዙኒ በሎም። ከምቲ ዝበሎም’ውን ከምዚ እናበሉ ገነዝዎ፦“ቅዱስ እግዚአብሔር ቅዱስ ኃያል፡ ቅዱስ ሕያው ዘይመውት፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወለድካ መሓረና፣ ቅዱስ እግዚአብሔር ቅዱስ ኃያል፡ ቅዱስ ሕያው ዘይመውት፡ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተጠመቕካን ኣብ ዕፀ መስቀል ዝተሰቐልካን መሓረና፣ ቅዱስ እግዚአብሔር ቅዱስ ኃያል፡ ቅዱስ ሕያው ዘይመውት፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ሙታን ተፈሊኻ ዝተንሣእካ፡ ናብ ሰማያት ዝዓረግካ፡ ኣብ የማን ኣቦኻ ዝተቐመጥካ፡ ንሕያዋንን ምዉታንን ኽትፍርድ’ውን ብኽብሪ ዳግማይ እትመጽእ ጐይታ መሓረና” እናበሉ ገኒዞም፡ ኣብ ሰብ ዘይተቐብሮ ሓድሽ መቓብር ቀበርዎ። ብዓቢይ እምኒ ገይሮም’ውን ነቲ መቓብር ኃተምዎ።

ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ተኣኪቦም ንጲላጦስ 300 ዲናር ወርቂ መማለዲ ሂቦም፣ እቲ መቓብር ጐይታ ብ99 ማኅተም ከምዝኅተም፡ ከምኡ’ውን ብኣርባዕተ ኣሕሉቕ ምስ 400 ወተሃደራት ክሳዕ ሠለስተ መዓልቲ ከም ዝሕሎ ገበሩ። 
ናብ ሰንበት ዘውግሕ ለይቲ ሰማያት ብከዋክብቲ ደመቐ፡ ወርኂ’ውን ቂምታኣ ረሲዓ ዝነብዓቶ ንብዓት ሓቢሳ ነቲ ብርሃና መሊሳ ኣብርሀት።

እንሆ እቲ ንሞት ዝስዕር ጐይታና ነቲ ዝተገንዘሉ ልብሲ ኃዲጉ ልብሰ መንግሥቱ ለቢሱ ብገዛእ ኃይሉን ሥልጣኑን ብዓቢይ ክብሪ ተንሥአ። ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃህ እምንዋም . . . ከምዝብል።

ንኣርዑት ሞት ሰበረ። ነፍሳት ኣውያቶም ስለ ዝኽተመ ካብ ሲኦል ብታሕጓስ ወፅኡ። ዲያብሎስ ተሳዕረ። ሲኦል’ውን ተዓጽወ። ሞት ክኣስሮ ስለዘይከአለ፡ ክውለድ ከሎ ማኅተም ድንግልና ኣዲኡ ከም ዘይለወጠ፡ ኣብ ትንሣኤኡ’ውን ካብ ኅቱም መቓብር መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ብመላእኽቲ ተዓጂቡ ብኽብሪ ተንሥአ።

ምስጋና ንአብ ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለምን ይኹን፡ አሜን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

* * *

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195