banner

ነጋድያን ኢየሩሳሌም ዑደቶም ብሕጕስ መንፈስ የቃንዑ ኣለዉ!

ነጋድያን ኢየሩሳሌም ዑደቶም ብሕጕስ መንፈስ የቃንዑ ኣለዉ!

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ብንቑሕ ሕልናን ብሕጕስ መንፈስን ዑደቶም የቃንዑ ኣለዉ። ኣብዚ ሎሚ ዓመት ካብ ዕለት 15 ሚያዝያ ጀሚሮም ንኽልተ ቅነ ዑደት ዘካይዱ ዘለዉ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ዮሓንስን ካህናትን ምእመናንን ምእመናትን ብሓፈሻ ልዕሊ 600 ዝኾኑ ነጋድያን ኣብ ቅዱሳት መካናት ይሳለሙ ኣለዉ።

ካብ በረኸት ሰሙነ ሕማማት ተሳቲፎም ዕለተ ኃሙስ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ እቶም ዝተዳለዉ ቈራብያን ሥጋኡን ደሙን ተቐቢሎም። ቀጺሎም’ውን ብዓቢይ መንፈሳዊ ኽብሪ ዓርቢ ስቕለትን ቀዳም ስዑርን ኣኅሊፎም ኣብ በዓለ ትንሣኤ ብውዳሴን ቅዳሴን ናይቲ ዕለት ብርሃን ትንሣኤ ተሳተፍቲ ኮይኖም። ኣብ ጉጅለታት ተመዲቦም ድማ ኣብ ቤተልሔምን ከባቢኣን ጎልጎታን ዮርዳኖስን ካልእ ቅዱሳት መካናትን ብጽቡቕ ኵነታት ዑደቶም የቃንዑ ኣለዉ።

ነጋድያን፡ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ምዉቅ ኣቀባብላ ተገይርሎም፡ ናብ ዝተዳለወሎም መዕረፊ ቤት ተጠርኒፎም፡ ብዝተዳለዋሎም ኣውቶቡሳት እናተጐዓዙ ብመራሕቲ ጉጅለታት እናተኣልዩ ብሕጕስ መንፈስ ዑደቶም የቃንዑ ኣለዉ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195