ሰማዕትነት - ትማልን ሎምን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሰማዕትነት - ትማልን ሎምን

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥- “እቲ ደድኅረይ ኪስዕብ ዚደሊ ሕይወቱ ይመንን፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ኸኣ ይስዓበኒ። እቲ ንሕይወቱ ኼድኅና ዝደሊ ከጥፍኣ እዩ። እቲ ንሕይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍኣ ግና ኼድኅና እዩ።” (ማቴ. 10፡39፡ ማቴ. 16፡24-26፣ ማር. 8፡34-36፣ሉቃ. 9፡23) ከም ዝበሎ፡ ንኵሉ ክርስቲያን ጻውዒት ሰማዕትነት ኣለዎ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ከምዚ ይብል፡ “እቲ ተዋሂብኩም ዘሎ ጸጋ (ሃብተ ውልድነት) ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ዘይኮነስ ምእንትኡ’ውን መከራ ኽትቅበሉ እዩ።” (ፊል. 1፡29) ስለዚ ኵሉ ክርስቲያን፣ ዕለተ ዕለት ዝቕበሎ መከራ መስቀል ኣለዎ።

ሰማዕትነት፦ ብሃይማኖታዊ ትርጕም ክግለጽ ከሎ ስለ እግዚአብሔር፡ ምእንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ተልእኾ ወንጌል ንምፍጻምን ሓቂ ንምምስካርን ብዙኅ ጸዋትወ መከራ ምቕባል እዩ። ዝባንካ ንመግረፍቲ፡ ሰብነትካ ንሓዊ፡ ኣእጋርካ ንሰንሰለት፡ ክሳድካ ንስሕለት ኣኅሊፍካ ምሃብ፣ ብስደትን ገደልን ምንክርታት፣ ከምኡ’ውን ብእምኒ ተወጊርካ፡ ብመንኰራኵር ተጣሒንካ፡ ብኲናት ተወጊእካ፡ ኣብ መስቀል ተሰቒልካ ሕይወትካ ምኅላፍ እዩ። “አማን መነኑ ሰማዕት ጣዕማ ለዛ ዓለም ወከዓዉ ደሞሙ በእንተ እግዚአብሔር ወተዓገሡ ሞተ መሪረ በእንተ መንግሥተ ሰማያት/ ብሓቂ ሰማዕታት ናይዛ ዓለም ጣዕሚ ነዓቑ፤ ደሞም’ውን ምእንቲ እግዚአብሔር ኣፍሰሱ፤ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ድማ መሪር ሞት ተዓገሡ” ከምዝብል። (ውዳሴ ማርያም ዘኃሙስ)

ሰማዕትነት፡ እቶም ብክርስቶስ ክርስቲያን ዝተሰምዩ ጽኑዓነ ሃይማኖት፡ ብገዛእ ፍቓዶም ንዓለምን ፍትወቱን ንምድራዊ ሕይወትን ንዒቖም ክሳብ ሞት መከራ ዝቕበልሉ ዓቢይ ምሥጢር እዩ። እዚ ነገር’ዚ ብዓይኒ ኢኣማንያን ዕሽነት እዩ። ንክርስቲያን ግና ሕይወት ማለት ክርስቶስ እዩ፡ ሙማት ድማ ረብሓኡ እዩ። (ፊል. 1፡21)

ሓደ ክርስቲያን፡ ምእንቲ ሃይማኖቱን ኣብ እምነተ ክርስቶስ ጸኒዑን ብናቱ ናፃ ፍቓድ ኣብ ሰብነቱ መከራ እንተተቐበለ ንሱ ሰማዕት እዩ።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ምእንቲ ስመይ ከኣ ኵሉ ኪጸልኣኩም እዩ፡ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገሥ ግና ንሱ ኺድኅን እዩ።” ከምኡ’ውን “ክሳዕ ሞት እሙን ኩን። ኣነ’ውን ኣኽሊል ሕይወት ክህበካ እየ።” ከምዝበለ ነቶም ክሳዕ ምጽኣቱ ሰማዕትነት ዝቕበሉ ኣክሊል ሕይወት ኣዳልይሎም ኣሎ። (ማቴ. 10፡22፣ 24፡13፣ ማር. 13፡13፣ ራእ. 2፡10)

ሰማዕትነት ብዝተፈላለየ መንገዲ ይግለጽ፦ ካብ ልቢ ብምእማን፣ ንእምነትካ ብልሳን ብምምስካር፣ ንዓለምን ፍትወቱን ብምጽላእ፣ ሃይማኖት ክሳዕ ፍጻሜ ሕይወት ብምጽናዕ . . . ይግለጽ።

ሰማዕትነት መልክዑን ዓይነቱን ደኣ ይፈላለ ይኸውን እምበር ብዘመን ስለ ዘይውሰን ትማሊ ነይሩ፣ ሎሚ ኣሎ፣ ንመጻኢ’ውን ክሳዕ ዕለተ ምጽኣት ዝቕጽል እዩ።

ቅዱሳን ሓዋርያት (12 ሓዋርያት፡ 36 ቅዱሳት ኣንስት፡ 72 ኣርድእት)፦ ንሃይማኖተ ክርስትና ዘስፋሕፍሑ ብቓሎም ብምምሃር ጥራሕ ዘይኮኑስ መከራ እናተቐበሉ ብብዙኅ ሰማዕትነት እዩ። ንምሳሌ፦ ቅዱስ ጴጥሮስ፦ ነቶም ክቐትልዎ ዝመጹ “ንኣይ ከም ጐይታይ ክስቀል ኣይግብኣንን’ዩ እሞ ከም ጐይታይ ዘይኮነስ ንቑልቑል ስቐሉኒ” ኢሉ ብምልማን ንቑልቁል ተሰቒሉ ንሰማዕትነቱ ብዓወት ፈጸመ። 10 የካቲት ሰማዕትነት ዝተቐበለ ቅዱስ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ ድማ ብዳርባ እምኒ ተቐትለ። ቅዱስ ማቴዎስ ከኣ ክሳዱ ተሰይፉ ሰብነቱ’ውን ተቘራሪጹ ንኣዕዋፍ ሰማይ ተዋሂቡ ብሰማዕትነት ዓረፈ። . . . ካልኦት’ውን ብተመሳሳሊ ደሞም ኣፍሲሶም ጸዋትወ መከራ ተቐቢሎም ንወንጌል ስለዝሰበኽዋ ኵሎም ሰማዕታት እዮም።

ኣብ ‘ዘመነ ሰማዕታት’ (160 ዓ.ም. – 312 ዓ.ም.) ሕዝበ ክርስቲያን፡ ክርስቲያን ብምዃኖምን ንጣዖት ብዘይምስጋዶምን፣ ከቢድ ስደት፡ መከራን ስቓይን ክበጽሖም ከሎ ክሳዶም ንስሕለት ሰይፍ ሂቦም ብብዝኂ ሰማዕትነት ተቐቢሎም እዮም። ንምሳሌ፦ ሊቀ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ ሕፃነ ቂርቆስ ወእየሉጣ እሙ፡ ቅድስት ኣርሴማ . . .

በብዘመኑ ዝተንሥኡ ቅዱሳን ኣቦታት’ውን ርቱዕ ሃይማኖተ ክርስትና ንምሕላው ሰማዕትነት ተቐቢሎም እዮም። ንምሳሌ፦ ቅዱስ ቄርሎስ፡ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ፡ . . .

ቅዱሳን ጻድቃን ድማ ኣብ ሃይማኖቶም ጸኒዖም ብፍጹም ንዓለም ንዒቆም ብዝርአ ዓለም ነቲ ዘይርአ፡ ብዝኃልፍ ዓለም ነቲ ዘይኃልፍ፡ ነቲ ምድራዊ ዓለም ብሰማያዊ ዓለም ብምትካእ ንመድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ብመከራኡን ብሞቱ ስለዝመሰልዎ ንፍጹም ሰማያዊ ክብሪ በቂዖም እዮም።

ሎሚ’ኸ ናይ ዘመንና ሰማዕትነት እንታይ እዩ፧

ኣብ ርእሲ’ቲ ዝተጠቕሰ ናይ ቀዳሞት ሰማዕትነት፦ ክሳዕ መወዳእታ ማዕተብ ሃይማኖት ምጽናዕ፣ ንሃይማኖት ካብ መናፍቓንን ከሓድያንን ምሕላው፣ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ምትጋህ፣ ንሃይማኖት ብተግባራዊ ሕይወት ምንባር፣ ናይ ምንኵስና ሕይወት ክሳብ መወዳእታ ኣጽኒዕካ ምንባር፣ ድንግልናኻ ሓሊኻ ክሳብ መርዓ ሓዳር ምጽናዕ፣ ዓሥራትን በኵራትን ቀዳምያትን ብዝግባእ ምውፃእ፣ ንእግዚአብሔር ጊዜኻ ሠዊዕካ ምሃብ . . . እዩ።

ኣብ ኣኽሊል ሕይወት ዘውህብ ሰማዕትነት ተኻፈልቲ ንኽገብረና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!