banner

ክብረ በዓል ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ተኸቢሩ!

ዓመታዊ 23 ሚያዝያ ዝኽበር በዓለ ዕረፍት ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ ኣብ ኵለን ብስሙ ዝተጸውዓ ኣብያተ ክርስቲያናት ክኽበር ከሎ ብፍላይ ግና ኣብ ደብረ ጽጌ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ዓዲ ኣቤቶ ብኽብ ዝበለ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ።

ኣብ ድሮ እቲ ዕለት ዋዜማ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ 1፡00-6፡00 ድ.ቀ. ስብሓተ እግዚአብሔር ምስ በጽሐ፡ ምሸት ካብ 11፡00 ድ.ቀ. ደወል ተደዊሉ ሊቃውንት፡ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ምስ ተጋብኡ ሕልና ብዝምስጥ ሰማያዊ ምስጋና ማኅሌት ክሳዕ 6፡00 ድ.ቀ በጺሑ።

ብድኅር እዚ ታቦት ብኽብሪ ተዓጂቡ ኣብ ቀጽሪ ሠለስተ ጊዜ ዘይሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፡ ሊቃውንት ነቲ በዓል ዝምልከት ጣዕመ ዜማ ‘’በደኅሪ ይትገበር ዘሀሎ ሥርዓተ ምሥጢር ለጊዮርጊስ ነገሮ ኵሎ ኅቡኣተ ነገሮ ለጊዮርጊስ’’ ማለት ጐይታ ኣብቲ ዳኅራይ ዘመን ዝግበር ኅቡእ ሥርዓተ ምሥጢር ንጊዮርጊስ ነገሮ” ብምባል ምስ ሸብሸቡ፣ መዘምራን ትምህርቲ ሰንበት ’’ንዑ ንእግዚአብሔር ብሓጐስ ንዘምር፡ ሰላም ለኪ እንዘ ንሰግድ ንብለኪ፡ ከምኡ ውን በደብረ ጽጌ ኢይኩን ሀከከ’’ ብምባል ሠለስተ መዛሙር ኣቕሪቦም።

ካብዚ ቀጺሎም ሰባኬ ወንጌል ቀሲስ ሠመረ ኣብርሃም ካብ ወንጌል ማቴ 10፡16’’እነሆ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ ደጊም ጠቢባን ከም ተመን ገርህታት ከም ርግቢ ኩኑ’’ ብምባል ነቲ ዕለት ዝምልከት ስብከተ ወንጌል ምስ ኣስምዑ ከኣ ጸሎትን ምህላን ተገይሩ ታቦት ናብ ናይ ክብሪ ቦታኡ ተመልሰ፡ በዚ ከኣ መዛዘሚ ናይቲ ሥነ ሥርዓት ኮነ።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ከም ትምህረና፡ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ፦ ሠለስተ ጊዜ ሞይቱ ተንሢኡ፡ ሾብዓተ ዓመት ተጋዲሉ፡ ኣብ 27 ዓመት ዕድሚኡ ዓርቢ መዓልቲ ብ23 ሚያዝያ 304 ዓ.ም. ክሣዱ ብሰይፊ ተቘሪጹ ብሰማዕትነት ኃለፈ። ዓስቢ ተጋድሎኡ ድማ ሾብዓተ ኣኽሊል ክብሪ ካብ ሰማይ ወረደሉ። እቶም ምእመናንን ምእመናትን ከኣ ንሥጋኡ ናብ ልዳ ትብሃል ዓዲ ወሲዶም ብኽብሪ ኣቐመጥዎ።

ክብረ በዓል ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ ብሰማዕትነት ዝኃለፈሉ 23 ሚያዝያ፡ ቅዳሴ ቤቱ 7 ኅዳር፡ 18 ጥር ሥጋኡ ተጣሒኑ ኣብ ንፋስ ዝተዘረወሉ . . . እናተባህለ ይኽበር እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195