banner

ንዝተመርጹ ሓደሽቲ ጠርነፍቲ ክፍልታት ኣብያተ ትምህርተ ሰንበት ቃለ ምዕዳን ተዋሂቡ!

ንዝተመርጹ ሓደሽቲ ጠርነፍቲ ክፍልታት ኣብያተ ትምህርተ ሰንበት ቃለ ምዕዳን ተዋሂቡ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርተ ሰንበት ንተኸታታሊ ሠለስተ ሰናብቲ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ጠርነፍቲ ክፍልታት ንዝተመርጹ ሓደሽቲ ጠርነፍትን ንዝጸንሑ ጠርነፍትን ቃለ ምዕዳን ተዋሂቡ።

ብዕለት 23 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም. ፡ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ፡ ኃለፍቲ ኣብያተ ትምህርተ ሰንበት፡ ኣቐዲሞም ኣብ ኃላፍነት ዝጸንሑን ሓደሽቲ ዝተመርጹን ጠርነፍቲ ኣብ ዝተረኽቡሉ ጉባኤ፦ መንእሰያትን ሕፃናትን ትምህርተ ሃይማኖት ዝመሃሩላ፡ ሥርዓትን ታሪኽን ቤተ ክርስቲያን ዝፈልጡላ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ሰብን ብመንፈሳውነት ዝዓብዩላ ትምህርተ ሰንበት ከም ምዃና መጠን፡

ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት ዘመንበረ ፓትርያርክ መምርሒ ትምህርቲ ሰንበት ኣዳልዩ ንምድልዳላ ይዓዪ ከምዘሎ ኃላፊ ክፍሊ ትምህርተ ሰንበት ቀሲስ ተኽሎም ተስፋልደት ገሊጾም። ነዚ መምርሒ’ዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርተ ሰንበት ብፍሉይ ካብ 29 መጋቢት ክሳዕ 13 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም. ማለት ንተኸታታሊ ሠለስተ ሰናብቲ ምቅናዑ፡ ሥልጠና ጠርነፍቲ ክፍልታት ብጽፉፍ ንምክያድን፡ ኣብ ኵሉ ንጥፈታት ኣብ ኵለን ኣብያተ ትምህርተ ሰንበት ማዕረ ተሳትፎን ምዕባለን ንኽህልወንን ዝዓለመ ምንባሩ ድኅሪ ምግላጽ ብሓፈሻ ብጽቡቕ ከምዝተዛዘመ ገምጋማዊ መግለጺ ሂቦም።

ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ብወገኖም ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ህልው ኵነታትን ትምህርተ ሰንበት ድኅሪ ምግላጽ፡ እቶም ኣቐዲሞም ኣብ ኃላፍነት ዝነበሩ ዘበርከትዎ ዕዮ ዘመስግኖም ከምዝኾነ ብዝቐሰምዎ ተሞኵሮ፡ ነዞም ሓደሽቲ ዝተመርጹ ጠርነፍቲ ከካፍልዎምን ክድግፍዎምን ንቤተ ክርስቲያኖም ዝያዳ ከገልግሉን ከምኡ ድማ እዞም ሓደሽቲ ዝተመርጹ ናብ ዝለዓለ ኃላፍነት ቤተ ክርስቲያን ዝተዓደሙ ስለዝኾኑ ብትግሃትን ሓቅን ፍቕርን መንፈሳውነትን ከገልግሉ ቃለ ማዕዳ ሂቦም።

ከምዝፍለጥ፡ ብሰበኻ ጉባኤ ዝምእከላ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ 23 ኣብያተ ትምህርተ ሰንበት ኣለዋ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195