banner

ነጋድያን ሃገር ቅድስት ኢየሩሳሌም 2011 ዓ.ም.(2019ዓ.ም.ፈ.) ብሰላም ተመሊሶም!

ነጋድያን ሃገር ቅድስት ኢየሩሳሌም 2011 ዓ.ም.(2019ዓ.ም.ፈ.) ብሰላም ተመሊሶም!

ነጋድያን ሃገር ቅድስት ኢየሩሳሌም 2011 ዓ.ም.(2019ዓ.ም.ፈ.) ረቡዕ 30 ሚያዝያ ቀትርን ናብ ኃሙስ ዘውግሕ ለይትን ናብ ሃገሮም ብሰላም ተመሊሶም።

እዞም ብብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ ድባርዋን፡ መነኮሳትን ቀሳውስትን ዝተመርሑ ምእመናንን ምእመናትን ብሓፈሻ ልዕሊ 600 ነጋድያን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሥመራ ብላዕለዎት ኃለፍቲ መንበረ ፓትርያርክን ሕዝብን ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሎም።

ነጋድያን ሃገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ካብ ሰሙነ ሕማማት ክሳዕ ሰሙነ ትንሣኤ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ዝቐነይሉ፡ ኣብ ዓበይቲ በዓላት ክሳተፉ ከለዉ ኣብ ዝተፈላለየ ቅዱሳት መካናት ድማ ተሳሊሞምን ነጊዶምን። ከምኡ’ውን ጸሎቶም ኣብጺሖምን መብጽዓኦም ፈጺሞምን ብምሉእ መንፈሳዊ ዕግበትን ሓጐስን ተመሊሶም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195