banner

ክብረ በዓል ልደታ ለማርያም ብመንፈሳዊ ድምቀትን ጠለለትን ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ልደታ ለማርያም ብመንፈሳዊ ድምቀትን ጠለለትን ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ ባሕቲ ግንቦት ዝኽበር ልደታ ለማርያም ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክኽበር ከሎ ብፍላይ ድማ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ሐመረ ኖኅ ልደታ ለማርያም (ዓዲ ሰጉዶ) ከምኡ’ውን ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ደብረ ኤፍራታ ልደታ ለማርያም (ቀሓውታ) ካብ ዋዜማ ዝጀመረ ክሳዕ’ቲ ዕለቱ ብድሙቕ ያሬዳዊ ዝማሬን ስብሐተ ማኅሌትን፡ ጸሎተ ቅዳሴን ሥርዓተ ዑደተ ታቦትን ወዘይመስሎ ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተባዒሉ።

ኣብ ደብረ ኤፍራታ ልደታ ለማርያም ቤተ ክርስቲያን (ቀሓውታ) ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ ታቦት ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ዘይሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ቆመ። ኣስዒቦም ሊቃውንት ነቲ በዓል ዝምልከት ጣዕመ ዜማ “ኮነ ዮም በእንተ ልደታ ለማርያም ከመ ትቤዙ ነቢያተ ወጻድቃነ” ማለት ንነቢያትን ጻድቃንን ቤዛ ምእንቲ ኽትከውን ሎሚ ልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ኮነ” ብምባል ምስ ኣሸብሸቡ መዘምራን ትምህርተ ሰንበት ድማ “ኢትግድፈነ ወኢትመንነነ አምላከ ሰላም ተራድአነ፣ አዳም ወደሰኪ ቅድመ ኵሉ ጉባኤ በልደትኪ ረኪቦ ትንሣኤ፣ ሰላም ለልደትከ (ኣቡነ እንድርያስ) በአፈ ማርያም ዘተበሥረ ወለልደትከ ምስለ ማርያም ዘኀብረ።” ብምባል ሠለስተ መዛሙር ኣቕሪቦም።

ካብኡ ቀጺሎም ሰባኺ ወንጌል ናይቲ ደብሪ መምህር ኪዳነ ማርያም ካብ መዝ 110:9 “እግዚአብሔር ንሕዝቡ ንወገኑ መድኃኒት ሰደደ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝክረ ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ናይ ጻድቅ አቡነ እንድርያስን እናጠቐሱ ጥዑም ትምህርተ ወንጌል ምስ ኣስምዑ ብጸሎትን ምህላን ታቦት ናብ መንበረ ክብሩ ተመሊሱ።

ኣብ ሐመረ ኖኅ ልደታ ለማርያም (ዓዲ ሰጉዶ) ድማ ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ ታቦት ምስ ዖደ ብኃላፊ ክፍሊ ትምህርተ ሰንበት ዘመንበረ ፓትርያርክ ቀሲስ ተኽሎም ተስፋልደት “አንቲ ውእቲ ተስፋሁ ለአዳም/ ተስፋ ኣዳም ንስኺ ኢኺ” ብዝብል ኣርእስቲ ምሂሮም። ቀሲስ ተኽሎም ኣብ ትምህርቶም፦ ቅድሚ ልደታ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ሕልና ኣምላኽ ከምዝነበረት፡ ብትንቢትን ምሳሌን ኣበው ቀዳሚት መድኃኒተ ኣዳም ምዃና ከምዝተነግረላ፡ ዘመኑ ምስ በጽሐ ድማ ካብ ኢያቄምን ሃናን ባሕቲ ግንቦት ኣብ ደብረ ሊባኖስ ከም ዝተወልደት . . . ብሰፊሑ ገሊጾም።

ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፦ ብጸሎት ድንግል ማርያም ተማኅፂኑ ዝኃፈረ የለን እሞ እዚ ተሓኒፁ ዘሎ ቤተ መቅደስ ጸቢብን ጊዜያውን ስለዝኾነ ሰፊሕ ኣገልግሎተ እግዚአብሔር ዝህብን ንዅሉ ዝጥርንፍን ልምዓታዊ ዕዮ ክሰላሰልን ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ዓቕሙ ዝፈቐዶ ከበርክትን ተማኅፂኖም።

ብድኅር’ዚ ኣመኃዳሪ’ቲ ቤተ ክርስቲያን ቀሲስ ምስግና በርሀ ቃል ምስጋና ምስ ኣስምዑ፡ ብጸሎትን ምህላን ታቦት ናብ መንበረ ክብሩ ተመሊሱ።

ብተመሳሳሊ ኣገልግሎትን ሥርዓትን፦ ባሕቲ ግንቦት ዝክረ በዓል ልደት አቡነ ቡሩከ አምላክ፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ሊቃውንት መምህራንን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ገዳምሞ ደብረ ኮል ብዓቢይ ድምቀት ተኸቢሩ።

ከምዝፍለጥ፡ ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ ካብ ቅዱሳን ወለዲ ብብሥራት ቅዱስ ሚካኤል ተፀኒሶም ባሕቲ ግንቦት ኣብ ሮም ከምዝተወልዱ፡ ብፍቓድ እግዚአብሔር ኣብ ሾብዓተ ዓመት ዕድመኦም ናብ ሃገርና መጺኦም ብጾምን ጸሎትን ተጋዲሎም፡ ካብ ኣምላኽ ቃል ኪዳን ተቐቢሎም ከምዝኃለፉ ታሪኽ ገድሎም ይገልጽ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195