banner

መበል 24 ዓመት ምምሥራት ቤት ትምህርተ ሰንበት መካነ ገነት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን (ማይተመናይ/ፓራዲዞ) ተኸቢሩ!

መበል 24 ዓመት ምምሥራት ቤት ትምህርተ ሰንበት መካነ ገነት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን (ማይተመናይ/ፓራዲዞ) ተኸቢሩ!

04 ግንቦት 2011 ዓ.ም. መበል 24 ዓመት ምምሥራት ቤት ትምህርተ ሰንበት መካነ ገነት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን (ማይተመናይ/ፓራዲዞ) “እቲ ዝረአ ንጊዜኡ እዩ፣ እቲ ዘይረአ ግና ዘለዓለማዊ እዩ።” (1ይ ቆሮ. 4፡18) ብዝብል መሪሕ ቃል ፡ ፀሓፊ ክፍሊ ትምህርተ ሰንበት ዘመንበረ ፓትርያርክ፡ ሊቃውንት፡ መምህራን፡ ውሉደ ክህነት፡ ወለዲ፡ መንእሰያትን ሕፃናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብድምቀት ተኸቢሩ።

ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ. መራሒ መደብ ዲያቆን ዮሴፍ ዮሓንስ ንተጋባእቲ ብሰላመ እግዚአብሔር ናይ ‘እንቋዕ ደኃን መጻእኹም’ ቃል ምስ ኣስምዐ፡ ጉባኤ ብጸሎተ ወንጌል ተጀሚሩ። “እቲ ዝረአ ንጊዜኡ እዩ፣ እቲ ዘይረአ ግና ዘለዓለማዊ እዩ።” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብዚ ኃላፊ ዓለም ብሕይወት ክሳዕ ዘሎና ንዘጋጥመና መከራ ኮነ ፈተና እናተዓገሥና ንዝርአ ዘይኮነስ ንዘይርአ፡ ንኃላፊ ዘይኮነስ ንዘለዓላማዊ፡ ንምድራዊ ዘይኮነስ ንሰማያዊ፡ ንሥጋዊ ዘይኮነስ ንመንፈሳዊ . . . ክንጥምት ከምዝግብኣና ሰማያዊ ምሥጢር ትምህርቲ ተዋሂቡ።

ቀጺሎም መንእሰያት መዘምራን፡ ብልዑል ድምፂ ጣቕዒትን ሸብሸቦን ዝተሰነየ ኣከታቲሎም ሠለስተ መዛሙር ዘሚሮም። “ኵሉ ከንቱ ከንቱ ንብረቱ . . .” እናበሉ ከንቱነት ዓለምን ሰማያዊ ተስፋን ዝገልጽ ብመጀመርታ ምስ ዘመሩ፣ እዚ ትምህርተ ሰንበት ካብ ዝምሥረት ክሳዕ እዚ ጊዜ ‘ሰአሊ ለነ ቅድስት’ እናበሉ ብጸሎታ ተማኅፂኖም ጣዕማን ፍቕራን ዝሰበኹላ ቅድስት ድንግል ማርያም ንዝክረ ልደታ ዘመልክት “ወለተ ሃና ወኢያቄም . . .” ኢሎም ዘሚሮም። ኣብ መወዳእታ ድማ “ አልቦሙ ድምፅ . . .” እናበሉ ብዕልልታን ጣቕዒትን ተሰንዮም ያሬዳዊ ዝማሬ ኣስሚዖም። 

መራሒ መደብ፡ ንትርጕምን መልእኽትን ዝተዘመሩ መዛሙር ድኅሪ ምግላጽ፡ ናብ መንፈሳዊ ተዋሥኦ ኣሰጋጊሩ። እቲ ተዋሥኦ ንመንፈሳውነትን ዓለማውነትን፣ ክርስቲያናውን ማኅበራውን ሕይወት . . . እናኣገናዘበ ፍረ ጽኑዕ እምነት ዘረድእ ብምንባሩ ኣብ ተኸታተልቲ ዓቢይ ኣድናቖትን ተመስጦን ዘኅደረ ነበረ። 

መልእኽቲ ትምህርተ ሰንበት ብቀሲስ ዘሚካኤል ግርማይ ተነቢቡ። እዚ ትምህርተ ሰንበት’ዚ ከም ቀደሙ ርቱዕ ትምህርተ ሃይማኖት ኣብ ምጽናዕን ሥርዓትን ትውፊትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምሕላውን ናብ ወለዶታት ኣብ ምስግጋርን ይነጥፍ ከምዘሎ ድኅሪ ምግላጽ፡ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ብፍላይ ድማ መንእሰያት ቤቶም ቤተ እግዚአብሔር፡ ልሳኖም ቃለ እግዚአብሔር፡ ሕይወቶም ፈቃደ እግዚአብሔር ክኸውንን ካብ መናፍቓዊ ትምህርትን ኣምልኮ ባዕድን ክሕለዉን ተማኅፂኖም።

ብመሠረት መርሐ ግብር፡ እቶም ብትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓተ ኣምልኾን ዝሠልጠኑ፡ ሓደ ብሓደ ኣስማቶም እናተጸውዑ ካብ መምህር ደብረ ጽዮን (ሓዋዝ) ተሾመ ምስክር ወረቐት ተቐቢሎም። 

ቀጺሎም፡ ቀሲስ ታደሰ ዘርአ ብፍሉይ ንመንእሰያት ተረከብቲ ቤተ ክርስቲያን ዕላማ ገይሮም ኣቦታዊ ቃለ ምዕዳን ዘስምዑ እዮም።

ኣብ መወዳእታ፡ ብመሪሕነት ውሉደ ክህነት ኵሎም ተጋባእቲ ኢዶም ዘርጊሖም ድምፆም ዓው ኣቢሎም ሕልናኦም ሰማይ ሰቒሎም ስለ ማኅበር፡ ስለ ሃገር፡ ስለ ዓለምን ጸሎተ ምህላ ኣዕሪጎም።

ብድኅር’ዚ ብመንፈሳዊ ፍቕሪ ‘እንቋዕ ኣብጽሓና’ እናተበሃሃሉ ተፈላልዮም፡ በዚ ኸኣ እቲ ጉባኤ ተፈጺሙ!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195