banner

በዓለ ግዕዛነ ኤርትራ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን (ፓራዲዞ/ማይተመናይ) ብመንፈሳዊ ሓበን ተኸቢሩ! (2)

"ኣደ ጐይታና ሓበን ናትና ዝኾንኪ ድንግል ማርያም ኪዳንኪ ኃይልናን ጸግዕናን እዩ ”

በዓለ ግዕዛን ዘውእቱ ግዕዛነ ኤርትራ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን (ፓራዲዞ/ማይተመናይ) ብመንፈሳዊ ሓበን ተኸቢሩ!

ዓርቢ 16 ግንቦት ብኃይሊ እግዚአብሔርን ኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ዝተረኽበ ናጽነት ኤርትራ ንምዝካር፡ ሎሚ ዓመት ንመበል 28 ዓመት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክኽበር ከሎ ብፍሉይ ድማ ኣብ መካነ ገነት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ፓራዶዞ/ማይተመናይ ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ብማኅሌትን ቅዳሴን ዑደተ ታቦትን ክብረ በዓል ተኸቢሩ።

ኣብዚ ብፁዓን ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ታርያርክ፡ ከምኡ’ውን ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ሊቃውንት መምህራን፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ዝተረኽቡሉ በዓል፡ ብመንፈሳዊ ሥርዓት ተባዒሉ።

ብመሠረት ዝወፀ መርሐ ግብር፡ ዋዜማ ካብ ፋዱስ ክሳዕ ሰዓት 5፡15 ድ.ቀ. “ ማርያም ድንግል ትምክሕትነ ወእሙ ለእግዚእነ ኪዳንኪ ኃይልነ ወፀወንነ . . . / ኣደ ጐይታና ሓበን ናትና ዝኾንኪ ድንግል ማርያም ኪዳንኪ ኃይልናን ጸግዕናን እዩ” እናበሉ ሊቃውንት መዘምራን ብቅኔያትን ጸሎታትን ንባባትን ዝተሰነየ ስብሐተ እግዚአብሔር ኣብጺሖም። 

ድኅሪ ቅሩብ ዕረፍቲ ሰዓት 9፡00 ድ.ቀ. ምሸት ስብሓተ ማኅሌት ንምቛም ምስ ተደወለ፡ ክሳዕ 5፡30 ቅ.ቀ. ሊቃውንት መምህራንን ውሉደ ክህነትን ብዝግባእ ሥርዓት ስብሓተ ማኅሌት ከብጽሑ ኃዲሮም። ብድኅር’ዚ ጸሎተ ቅዳሴ ብመሪሕነት ብፁዓን ኣቦታት ተሠሪዑ።

ዑደተ ታቦት ሰዓት 8፡15 ድ.ቀ. ብለባስያን ውሉደ ክህነት ተዓጂቡ ብብፁዓን ኣቦታትን ካህናትን ሊቃውንት መዘምራን ተሰኒዩ ሠለስተ ሳዕ ምስ ተኻየደ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ደው በለ። ሊቃውንት መምህራን ድማ ‘‘በዛቲ ድንግል ተሞዐ ሞት ወተቀጥቀጠ ኃይሉ ለጸላኢ/ ብኣኺ ድንግል ሞትን ኃይሊ ጸላእን ተሳዕረ ’’ ዝብል ጣዕመ ዜማ ምስ ኣሸብሸቡ፡ ዓምደ ሃይማኖት ዝኾኑ መዘምራን ትምህርተ ሰንበት ድማ “ወመኑ መሐሪ ዘከማከ ወኵሉ ይሴፎ ኪያከ/ መን’ዩ ከማኻ መሓሪ፣ ኵሉ ሰብ ድማ ንኣኻ ይትስፎ” ዝብል ዝማሬ ኣስሚዖም።

ቀጺሎም መሪጌታ ስምዖን በየነ ኣብ ዝመሃርዎ ነቲ ዕለት ዝምልከት ትምህርቲ፦ “ሞት ብዓወት ተሳዕረ፡ ጸልማት ብብርሃን ተሳዕረ፡ ሞት ብሕይወት ተሳዕረ፡ ባርነት ብናጽነት ተሳዕረ” 1ይ ቆሮ. 15፡52-53 ብዝብል ኃይለ ቃል ምሂሮም።

ብወገኖም ኣመኃዳሪ ናይቲ ደብሪ ቀሲስ የማነ ገብረልዑል ድማ መልእኽቲ ሰበኻ ጉባኤ ኣመኃላሊፎም።

ብድኅር’ዚ ብፁዓን ኣቦታት ዝመርሕዎ ምህላን ጸሎትን ምስ ተገብረ፡ ታቦተ ሕጉ ብኽብሪ ናብ መንበሩ ብምቕማጥ ሥርዓተ ዑደት ሰዓት 11፡00 ተፈጸመ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195