ጉባኤ ወለንታውያን ሓካይም ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ተቓኒዑ!

ጉባኤ ወለንታውያን ሓካይም ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ተቓኒዑ!

ብዕለት 17 ግንቦት 2011 ዓ.ም. (25/05/2019 ዓ.ም.ፈ.)፡ ብፁዓን ኣቦታትን መራሕቲ ኣብያተ ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኃለፍቲ ክፍልታትን ከምኡ’ውን ሰብ ሞያ ሕክምናን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ጉባኤ ወለንታውያን ሓካይም ተቓኒዑ!

ጉባኤ ብጸሎት ምስ ተጀመረ፡ ተሓጋጋዚ ኣካያዲ ሥራሕ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዲያቆን ግርማይ ዘርኣይ ኣብ ዘስምዖ መኽፈቲ ቃል፦ ቤተ ክርስቲያን ንዘለዋ ሰፊሕ መንፈሳዊ፡ ምምኅዳራውን ልምዓታውን መደባት ከምኡ’ውን ኣበርክቶ ወለንታውያን ብሓፈሻ ኣበርክቶ ሰብ ሞያ ሕክምና ንዝምልከት መብርሂ ሂቡ። 

ኃላፊ ክሊኒክ ቅድስት ሥላሴ ኮሌጅ ደብረ ሲና ዝኾኑ ቀሲስ ኣኽሊሉ ብወገኖም ህልዉ ሕክምናዊ ንጥፈታት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ክሊኒክ ኮሌጅን ዝምልከት መግለጺ ሂቦም። 

ተጋባእቲ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፦ ዘለዎም ቅሩብነት ድኅሪ ምግላጽ እትጥርንፎምን እተዋሕዶምን ሾብዓተ ዝኣባላታ ኮሚቴ ኣቚሞም።

ኣብ መወዳእታ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ንኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ወኪሎም ቃል ምዕዳንን ምስጋናን ቡራኬን ምስ ሃቡ እቲ ጉባኤ ብጸሎት ተዛዚሙ።

ዕላማ’ዚ ጉባኤ’ዚ ወለንታውያን ሰብ ሞያ ጥዕና ንገዳማውያንን ገዳማውያትን ናጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህብሉን፣ ነቲ ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅድስት ሥላሴ ተዶኪኑ ዘሎ ክሊኒክ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክሳዕ ማእከል ጥዕና ንምዕባይን ምስፋሕን ዝዓለመ እዩ።