በዓለ እግዝእትነ ማርያም ደብረ ምጥማቅ ብኽብሪ ተባዒሉ!

በዓለ እግዝእትነ ማርያም ደብረ ምጥማቅ ብኽብሪ ተባዒሉ!

ክብረ በዓል 21 ግንቦት በዓለ እግዝእትነ ማርያም ደብረ ምጥማቅ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክኽበር ከሎ፡ ብፍላይ ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ሀገረ ስብከት ዓንሰባን፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ናይ ገዳም ኣበምኔታትን ገዳማውያንን፡ ሊቃውንት፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብመንፈሳዊ ብኽብሪ ተባዒሉ።

20 ግንቦት ካብ ሰዓት 2፡00 – 6፡00 ድ.ቀ. ዋዜማ ምስ ተቖመ፡ ካብ ሰዓት 9፡00 ድ.ቀ. ናይ ምሸት ኣትኂዞም ድማ ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን ስብሓተ ማኅሌት ኽቖሙ ኸለዉ ኣዴታትን መንእሰያትን ብወገኖም ድማ ኣብ ወለንሳ ክማህለሉ ኃዲሮም።

ወጋሕታ ሰዓት 5፡00-5፡30 ብመሪሕነት ብፁዓን ጳጳሳት ብፍሉይ ነቶም ዓሚ ከም ሎሚ ነዚ ኽብረ በዓል እዚ ንኽሳተፉ ኣብ መንገዲ ሓደጋ ምግምጣል መኪና ኣጋጢምዎም ንዝሞቱ ሕዝበ ክርስቲያን ጸሎተ ፍትሓት ምስ ተገብረ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። 

ሰዓት 9፡30 ቅ.ቀ. ታቦት ብመንፈሳዊ ኽብሪ ተዓጂቡ ሠለስተ ሳዕ ዖይዱ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ደው በለ። ብድኅር’ዚ ሊቃውንት መዘምራን ነቲ ዕለትን ክብሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝገልጽን ጣዕመ ዜማ ምስ ኣስምዑ፡ ሰባኪ ወንጌል መሪጌታ ስምዖን በየነ ነቲ ዕለት ዝምልከት “ምንተኑመ ትርአዩ ወፃእክሙ ገዳመ/ እንታይ ክትሪኡ ናብገዳም ደዪብኩም” (ማቴ. 11፡7) ብዝብል ኣርእስቲ ምስ ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና ብምትእስሳር ሰፊሕ ትምህርቲ ምሂሮም።

ቀጺሎም ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ምስ ሃቡ ጸሎተ ምህላ ተገይሩ ታቦት ናብ መንበር ክብሩ ኣትዩ።

ከምዝፍለጥ ገዳም ደብረ ሲና፡ ጐይታ በኪደተ እግሩ ስለዝባረኻን ቃል ኪዳን ቅድስት ድንግል ማርያም ስለዘለዋን በረኸት ቅዱሳን ስለዘይተፈልያን ኽሳዕ ሎሚ በቶም ተኣምረ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተፈጸመሎምን ዝሰምዑን ምእመናንን ዘይኣመንትን ዓመት መጽአ 21 ግንቦት ምስ ኣዕለቕለቐት እያ።