ኣብ ሠለስተ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ደቡብ መንደፈራ ርክበ ካህናት ተኻይዱ!

ኣብ ሠለስተ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ደቡብ መንደፈራ ርክበ ካህናት ተኻይዱ!

ኣብዚ በብመዓልቱ ዝተቓንዐ፦ ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፡ ጕስነት ምእመናንን ምእመናትን፡ ምምኅዳራውን ፋይናንሳውን ኣሠራርሓ፡ . . . ዘተኮረ ርክበ ካህናት፡ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት እምኒ ኃይሊ 350 ተሳተፍቲ፡ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ኳላ 430 ተሳተፍቲ፡ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ድማ 380 ተሳተፍቲ ነይሮም።

ብጸሎተ ወንጌል ተጀሚሩ፡ ብስብከተ ወንጌል ምስ ተኸፍተ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት ሊቀ ካህናት ጸብጻብን ውጥንን ሥራሕ ከቕርቡ ከለዉ፡ ሊቀ ካህናት ናይቲ ሃገረ ስብከት ቀሲስ ነጋሲ ባሕረ ድማ ገምጋማዊ መግለጽን ቃለ ምዕዳንን ሂቦም። ብወገኖም ተሳተፍቲ ጉባኤ ኸኣ ብሃይማኖታዊ ስምዒትን መንፈሳዊ ቅንኣትን ርእይቶኦምን ሕቶኦምን ኣቕሪቦም። 

ብፍላይ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት መንደፈራ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳስ ናይቲ ሃገረ ስብከት ኣብ ዝተረኽብሉ ብመጽናዕታዊ ጽሑፍ ብዛዕባ ርክበ ካህናት፡ ብመዝሙርን መንፈሳዊ ምርኢትን ናይ ትምህርተ ሰንበት ደብረ ሣህል ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተሰነየ ብምንባሩ ፍሉይ ድምቀት ዝነበሮ መንፈሳዊ ዕረፍቲ ዝህብ ነይሩ።

ከምዚ ዝበለ ጉባኤ በብጊዜኡ ዝግበር ብምዃኑ ምስ ኵሉ ፈተናታቱ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዕብየት፣ ኣብ ኣገልገልቲ ውሉደ ክህነት ድማ ጽንዓትን ትግሃትን ይህብ ከምዘሎ ብፍሬኡ ዝተረጋገጸ እዩ።