banner

ክብረ በዓል ቅዳሴ ቤታ 21 ሰኔ 2011 ዓ.ም. ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

“ ‘ስምኪ ዝጸውዐ ዝኽርኺ ዝገበረ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ’ ኢልካያ ኢኻ እሞ በታ ንኣኻ ብምውላድ መመክሒትናን ኣዴናን ዝኾነት ኣዴኻ ድንግል ማርያም ንምኅፀን ኣሎና።” (ቅዳሴ ያዕቆብ ዘሥሩግ ቍ. 99)

ክብረ በዓል ቅዳሴ ቤታ 21 ሰኔ 2011 ዓ.ም. ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝዓርግ ኣብ መበል 8 ዓመቱ ኣብ ሀገረ ፊልጵስዩስ ንኵሎም ቅዱሳን ሓዋርያት ብምእካብ ብስም ወላዲቱ ቅድስት ድንግል ማርያም ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ሓኒፁን ቅርጹ ኣውፂኡ ለኪዑን ዘርኣየሉ ከምኡ’ውን 21 ሰኔ ሥርዓተ ቅዳሴ ሠሪዖም ንሕዝቢ ቅዱስ ቍርባን ከቝርቡን ነዛ ዕለት ከኽብሩን ዝኣዘዘሉ ከምዝኾነ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይሕብሩና። (ስንክሳር 21 ሰኔ)


እዚ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሩ ዝኽበር በዓል ንምብዓል ከም ወትሩ ሎሚ ዓመት 2011 ዓ.ም. 20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ ፡ 21 ሰኔ ድማ ቅዳሴ ቤታ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ብጸሎተ ማኅሌትን ቅዳሴን ተኸቢሩ። ብፍላይ ግና ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ብዓቢይ ድምቀት ተኸቢሩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ኃሙሻይ ክፍለ ዘመን ናይዚ ገዳም ደብረ ሲና ሥርዓተ ጳጉሚስ ማኅበር ሓድነት ዝመሥረተ ጻድቕ ኣባ ዮሓኒ ብዛዕባ ሕንጸተ ቤታን ቅዳሴ ቤታን ኣብዚ ገዳም ስለዝተገልጸሉን ቃል ኪዳን ስለዝተዋህቦን እዩ።

ካብ ቀረባን ርኁቅን ብእግሪ ጕዕዞን ብመኪናን ዝመጹ ሕዝበ ክርስቲያን ፍቅረ እግዚአብሔርን ክብሪ ወላዲቱ ድንግል ማርያምን ብዝገልጽ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ናይቲ ዕለት ተሳተፍቲ በረኸት ኾይኖም።

ኵሎም ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ካብቲ ኣብ ዕለት 19 ሰኔ፡ 20 ሰኔ፡ 21 ሰኔ ዝበጽሐ ጸሎተ ቅዳሴን ስብሐተ ማኅሌትን ተሳተፍቲ ኮይኖም። ብውሉደ ክህነት ዝግባእ ሥርዓተ ዋዜማ እናተቖመ ስብሐተ ማኅሌት ክበጽሕ ከሎ ናኣሽቱ መንእሰያትን ዓበይትን ምእመናንን ምእመናትን ብጸሎተ ምህላ ውዳሴን ዝማሬን ነቒሖም ቀንዮም። ብፍላይ ኣዴታት ኣፍልበን እናሃረማ ሰማያት እናኣንቃዕረራ ስለ ኵሉ ዓለም ስለ ሃገርን ቤተ ክርስቲያንን “ ኣደየ ናብ ወድኺ ኣላምንና፣ ደሃይ ኵሎም ግበሪ፡ . . .” እናበላ ተማኅፂነን።

ን21 ሰኔ ዘውግሕ ሊቃውንት መዘምራን ውሉደ ክህነት ነቲ ዕለት ዝምልከት ንእግዚአብሔር ዘመስግን ንክብሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝገልጽን ጣዕመ ዝማሬ ካብ ምሸት ሰዓት 8፡00 ጀሚሮም ከዚሙ ኃዲሮም።

ካብ ወጋሕታ ሰዓት 7፡00 ጀሚሮም ድማ ሰባክያነ ወንጌል መሪጌታ ስምዖን በየንን ቀሲስ ወልደ ሚካኤል ፍትውን “ ቕድም መንግሥቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ኪውሰኸልኩም እዩ።” ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ሰፊሕን መሳጥን ትምህርቲ ምሂሮም።
ሰዓት 9፡00 ቅድሚ ቀትሪ ብለባስያን ውሉደ ክህነት ተሰንዩ፡ ብዝማሬ ሊቃውንት መዘምራንን፡ ምህላ ሕዝብን ተዓጂቡ ዑደተ ታቦት ተፈጺሙ። ታቦት ሠለስተ ሳዕ ዘይሩ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፡ ሊቃውንት መዘምራን ነቲ ዕለት ዝምልከት ያሬዳዊ ዜማ ከስምዑ ከለዉ፡ ሰባኬ ወንጌል ዘመንበረ ፓትርያርክ መሪጌታ ስምዖን በየነ ድማ ነቲ ዕለት ዝገልጽ ሰፊሕ ትምህርቲ ምሂሮም።

ብድኅር’ዚ ታቦት ኣብ መንበር ክብሩ ምስ ተቐመጠ፡ ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓንሰባን ዋና ኣማኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ዝተመርሐ ቀዳስያን ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ።

ኣብ መወዳእታ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ጸሎቶም ኣብጺሖም፡ ንዓመታ ይድገመና እናበሉ፡ ነናብ ቦታኦም ብሰላም ተፋንዮም።

“ ‘ስምኪ ዝጸውዐ ዝኽርኺ ዝገበረ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ’ ኢልካያ ኢኻ እሞ በታ ንኣኻ ብምውላድ መመክሒትናን ኣዴናን ዝኾነት ኣዴኻ ድንግል ማርያም ንምኅፀን ኣሎና።” (ቅዳሴ ያዕቆብ ዘሥሩግ ቍ. 99) ከምዝበሎ ኣብዚ ገዳም’ዚ ካብ ዝዓበየ ክሳብ ዝነኣሰ፡ ሰብኣይ ሰበይቲ፡ መንእሰያት ኵሎም ስማ ጸዊዖም ዝተማኅጸንዎ እግዚአብሔር ከምዝቕበሎ ዝተረጋገጸ እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195